onsdag 31. mai 2017

ዓቢ ጥሩምባ

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡

ኣብዚ ዓለም ብዓቢ ጥሩምባ እንዳተኣወጀ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ኣሎ።"መከላኸሊ ተጠቐም "ዝብል ኢዩ። "ኣብ ሓዳር ዘለኹም፡ውላድ ተዘይ ደሊኹም መከላኸሊ ተጠቐሙ፡ኣብ ዕንደራ ዓለም ዘለኹም፡ሕማም H,I,V ኤይድስ ከይመሓላለፈኩም ተፈሪህኩም መከላኸሊ ተጠቐሙ፡ስምዒትኩም ምቁፃጻር ዝሰኣንንኩም ማለት ክሳብ ትምርዓዉ ንጽል ኮይንኩም ንኽትነብሩ ዝሽግረኩም፡ንመጻንሒ ዓርኪ ሓዙሞ መከላኸሊ ክኾነኩም ኢዩ፡" ዝብሉ ናይ ጥሩምባ ኣዋጃት ተኣዊጁ፡ድሮውን ኮርሳት ተዋሂቡስ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ተባጺሑ ኢዩ።
ሕጂ ድማ ሕሉፍ ዝበለ ሓድሽ ኣዋጅ ይጭኖ ኣሎ፡ሓደ ሰብ ርክብ ተዘይገሩ ኣብ ጥዕንኡ ጸገም ከምዘምጽእ ብሳይንስ ስለዝተረጋገጸ፡ክሳብ ዝኾነ ዝኾውን ዋላ መከላኸሊ እንዳተጠቕመ፡ዓርኪ ክሕዝ፡ወይ ርክብ ክገብር ኣሎዎ፡ዝብል ቦኽሪ እዝነይ ይሰምዕ ኣሎኹ። ወይ ጉድ ሎምስ እንዳረኣና ክንዕውር ኢና።እቶም ዘመኖም ምሉእ ብምናነ ዘሕለፍዎ ቅዱሳንሲ እዚ ስብከትዚ ተዝስበኸሎም፡እንታይኮን ምበሉ።ዮውሃንስ ወንጌላዊ ድንግል ነበረ፡ቅዱስ ጳውሎስ ድንግል ነበረ፡ብስጋ ተገሊጾም ምሳና ተዝሰምዕዎ እንታይ ምበሉ፡ብርግጽ ኣብ ሰፈሮም ኮይኖም ይሰምዑና ኣሎዉ።
ብዝኾነ ኮይኑ እስከ ክሓተኩም ስድራ እግዚኣብሄር እዚኹሉ ዝግበር ዘሎ፡ንከይንሓምም ድዩስ፡ዋላ ንከይፍረድ፧ ሰብሲ መከላኸሊ ይጥቀም ኣሎ፡እንዳዘመወ መታን፡ክነብር መከላኸሊ ይጥቀም ኣሎ ሓቀይዶ፧ ግን መታን ከይፍረድዶ ወይስ መታን ከይሓምም፧ሓደ ሰብ ስግኡ ኣዝዩ ጨናዊ ኮይኑ ነብሱ እንተነጺሃ ግን ንጹሓን፡መልኣኽቲ ይሓቕፍዎ፡ከምቲ ብሕማም ዝሳቐ ዝነበረ ኣልኣዛር(ሉቃ16),።ሓደ ብደጋዊ መልክዕ ዘጌጸ ሰብ ግን ነብሱ ተዘይነጺሓ፡መግበ ነብሲ ዘይብሉ ብምኻኑ፡እቶም ረሳሓት ዝኾኑ ናይ ጸልማት ኣጋንንቲ ይቕበልዎ።እሞ እንታይና ይመገብ ነብስናዶ ወይስ ስጋና፧ መግበ ስጋ እዚ ሕጂ ዝረኣየና ዘሎ፡ኣበየ ሆቴላት፡ኣበየ ባራት፡ብኣሽሓት ሚልዮታት ወጻኢታት ተገይርሉ ዝሽየጥ ዘሎ ኢዪ።ስጋ ተዘይ ተኣዲቡ፡ሒዝካ ናብ ገደሉ።

ክርስትና ኩንትራት ድዩ፡ዘልኣለማውነት?
ክርስትናስ እንታይ ኢዩ?
ገለ ሰባት፡ሓደጋ ከጋጥሞም እንከሎ፡ክሓሙ፡ክሽገሩ፡ክመሮም፡ክጭነቖም እንከሎ ናብ እግዚኣብሄር ንምጻእ ሸበድበድ ይብሉ ኢዮም።
ገለ ሰባትውን፡ተኣምር ክርእዩ ወይ ብወረ ክሰምዑ እንከለዉ፡ንኣብነት ሰማያት ደም ክመስል፡ወርሕን ጸሓይን ዘይሕብረን ክለብሳ፡ባሕሪ ዘይመልክዑ ክሕዝ፡ገበል ናብ ከተማ ክኣቱሞ ሰባት ክውሕጥ፡ነገስታትን ፖሎቲከኛታት ናይዛ ምድሪ ንዓለም ክሸብርዋ እንከለዉ፡ተኣምር ኮይኑ ስለዝረኣዮም ሸበድበድ ይብሉ ኢዮም።
ወገነይ፣ኣምላኽ ናይ ክርስትያን ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ።እንዳፋራረሐ ዝመልኽ ኣምላኽ ኣይኮነን፣ክርስትና እንዳባህረርካ እትነብሮ ናይ ስግኣት ሂዎት ኣይኮነን ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ተማሪኽካ ስለመንግስተሰማያት ክትብል ንኹሉ ኮንቱ ቆጺርካ ብትብዓት እትነብሮ እምበር።ክርስትና ተኣምር ምስተረኣየ ሸበድበድ እትብሎ ተዋስኦ ኣይኮነን፣እንታይ ድኣ ብሂዎት ምምባር ኢዩ።ቅዱሳን ምእንቲ እግዚኣብሄር ክብሉ ኩሉ ሂዎቶም መነኑ፣ኩሉ ጸበባ ስለመንግስተሰማያት ክብሉ ንዓቕዎ፣ሃብቲ፣ሃገር፣ዝና፣መልክዕ፣ድኽነት፣ዓሌት፣ክብሪ፣ፍልጠት፡ኩሎም ኣብዛ ዓለም ዝርከቡ ስለእግዚኣብሄር ክብሉ ንዒቖሞ።
<<ኣማን መነኑ ሰማዕት ጣዕማ ለዝዐለም፣ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሄር፣ወተዐገሱ ሞተ መሪረ በእንተ መንግስተሰማያት።ትርጉሙ ሰማዕት ንጣዕሚ ናይዛ ዓለም ንዓቕዎ፣ምእንቲ እግዚኣብሄር ክብሉ መሪር ሞት ተዓገሱ፣ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ክብሉ ድማ ደሞም ኣፍሰሱ።>>ይብል እቲ ቅዱስ ኣቦና ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሓሙስ።ስለዚ ሕዝብ ክርስትያን ክርስትና ከም ቢምቦሪ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ፣ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ጥራይ ሸበድበድ ዝበሃሎ፣ኣብ ግዜ ሰላም ከኣ ደቂስካ ዝሕደሮ ኣይኮነን።ክርስትና ኩሉ ግዜ ከም ዓቄታይ ወትሩ ነቒሕካ ምስ እግዚኣብሄር እትነብሮ ሂዎት ኢዩ።ዓለም ናትና ኣይኮነትን፣ከምዚ ኣብዚ ቪድዮ ትርእይዋ ዘለኹም ካብዚ ዝገድድ ሞሎኮታዊ እሳት ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ተዳልይላ ኣሎ።እግዚኣብሄር ሓይሊ ይሃበና፣ኩሉና ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ፣እግዚኣብሄር ካብ ሓጥያትና ንላዕሊ ዕጽፊ ምሕረቱ ይዓዝዝ ኢዩ፣ኣብቲ ተሪር ልብና እካ ክሳብ ንንስሓ ንቐርብ የእዳዉ ተዘርጊሐን ኣሎዋ።

ለቱ ስብሀት!!!
መግበ ነብሲ ግን ቃል እግዚኣብሄር ኢዩ፡" ኦ እግዚኣብሄር ነብሰይ ንዓኻ ትጸምኣካ ኣላ በለ ቅዱስ ዳዊት(መዝ42፥1)። ጽባሕ ንግሆ ፍርዲ ኣሎ። ብርግጽ ፍርዲ ኣሎ።
ድንግል ማርያም ሆይ ካብዚ ዓለም ትሰብከና ዘላ ናይ ነውጺ ስብከት ባዕልኺ ስብከት ኮይንኪ ናይ ንጽህናኺ በረኸት ኣካፍልና፡ንጽህናኺ ልዕሊ ኩሎም ንጹሃን፡ኢዪሞ፡ካብ ፈጣሪኺ ግብሪ ጽንቂ ንኽንገብር ምሕረት ለምንልና ኣሜን
ወስበሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ኩቡር ኣሜን

mandag 29. mai 2017

"ስም ኣበሓጎታቶም ዘይፈልጡ ህጻናት ይፈርዩ ኣሎዉ!"

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
"ስም ኣበሓጎታቶም ዘይፈልጡ ህጻናት ይፈርዩ ኣሎዉ!"
ወይ ለብዘበን።እንታይ ዝበለ ጨው ዘይብሉ ዘመን'ዩ ደቀይ።ስም ኣቦሓግኻ ዘይትፈልጠሉ ግዜ።
ሓውኹም ዳርጋ ኣም ምርሳዕ ንፉዕ ኮይነ ደኣ እምበር፡ኣደይሲ ኮፍ ኣቢላ ወሎዶ ናይ ኣቦሓጎታተይ ክሳብ 7 ወለዶ ትምህረና ነይራ ኢያ።ኣብቲ ትምህረና ዝነበረት ኣተኩሮ ድማ፡ንሳ ኣርኣያ ንምኻን" ኣነ ናይ እንዳ ኣቦይን እንዳ ኣደይን ክሳብ ክንድዚ ወሎዶ ይበጽሕ ኢየ፣" እንዳበለት ተተባባዓናሞ፡ኩሉና ደቃ ከኣ ትብዓት ስለዝስመዓና ዝነበረ፡ዳርጋ መብዛሕትና ሸምዲድናዮ ኢና።መቸም ኣብ ጻልጣ ዝተጻሕፈን፡ንህጻን ዝመሃረን ሓደ ኢዮም፡እቲ ኣይድምሥስ እቲ ድማ ረሲዑ ኣየህሥስ ድዩ ዝበሃል።ኣነ ዝገርመኒ ግን ወሎዶታት ናይ ኣቦይ ስለዝተማህርኩዎ ዘይኮንኩስ፡ኣብ ባህልን፡ሕብረተሰብን፡ብፍላይ ድማ እታ ንመቓብር ሓሊፈ ሒዛትኒ ክሳብ መንግስተ ሰማያት እትኸይድ ሃይማኖተይ፡ንኽፈልጥ ዘይርአ ስውር ኢድ ኮይኑ ሓይሊ ዝኾኑኒ ሓደ እዚ ኢዪ።ወሎዶኻ!
ሎሚ ስም ኣቦሓጎታቶም፡ዘይፈልጡ ህጻናታ፡እናፈረዩ ይመጹ ኣሎዉ።ወለዲ ኣብ ክንዲ ስም ኣቦሓጎታቶም፡ስም ሃይማኖቶም፡ቅርሳዊ ባህሎም ንደቆም ከውርሱ ዝቃለሱ፡ዘመናውያን፡ሰብ ዝና " ብዓል እገለ በዓል እገለ" ኢሎም ክምህሩ ግዲ ይውዕሉ ሃልዮምሲ፡ህጻናትና በዚ ለምሲዚ ኮለገና ተታሒዞም።ወይ ጉድ፡ ብዓይኒ ዘይርአ ሪኬትስ ኮይኑ ነገሩ።እሞ ስም ኣቦሓጎኻ ከይፈለጥካ ደኣ ሃይማኖትካ ብኸመይ ክተጽንዕ።ንሳቶም ዝሓለፉዋ ሃይማኖት ከነፍልጥ እንተድኣ ድለታት ኣልዩናኮ፡መጀመርያ ብወለድኻ ኢዪ ዝጅመር።ክትውለዱ እንከለኹም፡ብዛዓባ ኣብዛ ዓለም ንዘሎ ኩሉ ነገር ቀዳማይ ተሓታቲ ወለዱኹም ብፍላይ ድማ ኣዴኹም ኢያ ነይራ።ፖፕ ሺኖዳ፡"ስብከተ ወንጌል ኣበይ ትጅምር፧" ኢሎም ይሓቱ፡መሊሱ "ኣብ ክሽነ"ኢሎም ከኣ ይምልሱ።"ብመንከ ይጅመር፧" ድማ ይብሉሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ" ብሰበይቲ"ኢሉ መለሰሎም።

መቸም ሓውኹም ስለዘይወለድኩ ግዲ ኮይነስ ንህጻናት ናይ ምጽዋት ድሌታትካ እንተሃለወኒ፡ግን ኣይክእሎሉን'የ።ንዓይ ክርእዩ ከለዉ በርጊጎም ይኸዱ።ሎምዓልቲ ንሓንቲ ህጻን ቃለ መጠየቕ ኣካይደ ጋዜጤኛ ይነልኩም።ኣብ መወዳእትኡ ሰምቢደ።ስሙ ምስሓተትኩዎ፡ቀልጢፉ መለሰለይ፡ስም ኣብኡውን ኣይደንገየን፡ኣበሓጎ ምስ ሓተትክዎ ግን ጥርቅም፡ስም ኣደ ውን ሽግር ኣይኮነን ዓባይካ ምስተባህለ ግን ወይከ!!!

ኣንቱም ወገናተይ፡ሃይማኖት ደኣሞ፡ካብ ወለዲዶ ኣይኮነትን ትጅምር፡ህጻናት ስም ወለዶም ምስ ፈለጡ፡ኣብ ሃይማኖቶም ንዘለዎም ተገዳስነት፡ኣብ ባህሎም ንዘለዎም ኣረኣእያ፡ኣቦታቶም ብኸመይ ክሳብ ምናነ በጺሖም ጸጋ እግዚኣብሄር ከምዝተቐበሉ፡ንኸተዘንትዎሎም፡ኣደ ክትገብሮ ዝግበኣ ብዙሕ ኣሎ።ቤተክርስትያን ብዛዓባ መርዓዊኣን ብዛዕባ ገድሊ ቅዱሳንን እንክትእውጅ፡ህጻናትና ምስ ዓኾኹ፡ነቲ ገድሊ ቅዱሳን ከም ጽውጹዋይ፡ነቲ ሃይማኖት ድማ ከም ኣረጊት(old thing) ገይሮም እንዳሓሰብዎ ዝመጹ ዘሎዉኮ፡ቀንዲ ሸጊርዎም ዘሎ፡ብህጻንነቶም እንከለዉ ካብ ወለዶም ክመሃርዎ ዝግበኦም ቀሊል ዝመስል ግን ከኣ ኣብ ሂዎት ናይቲ ህጻን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ብዙሕ ስለዘሎ'ዩ።ካብቲብዙሕ ምድራውን ሰማያውን መንነት ምፍላጥ'ዩ።ወዮ ክርስቶስ ተወሊዱ ንዓለም ሰብ ኮይኒ ኣድሒኑ፡ስለዝፈጸሞ እምበር፡ሕጂ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንተንህሉሞ፡ክርስቶስ ኣብዚ ወለዶ እንተዝውለድሲ፡ኣየናይ ወላዲኮን ንመንፈስ ቅዱስ ተኣዚዙ ናይ ወለዱ ወሎዶታት ጸብጺቢ ዘረክብ ክህሉ፧እግዚኣብሄር ግን ነዞም ናይ ሎሚ ዘለና ደቁ ኣብ ወለዶኦም ዘይግደሱ ምኻኖም፡ፈለጠናሞ፡ዘመነ ድሕነት ኮለገና ፈጸመ።(ማቴ1፣1--) ወለዶ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ጀሚሩ ክሳብ ኣዳም ዘሎ ይገልጽ።ንሕና ግን ህጻናትና ሰለስተ ኣቦሓጎ ኣይመሃርና፡ኣይተመሃርና።ነዚ ከይሓለፍካ ደኣ ናብቲ ነዊ ዓቐበት ናይዛ ዓለም፡ፈተነ ብኸመይ ይስገር።ዓለም ኣምላኽ የለን፡ናብዝብል ድምዳመ በጺሓ ኣላ።ኣቦታት ድማ "ኣምላክነስ ሁሉው በህላዌሁ፡ወንህነ ንሄሉ ብህላዌሁ" ትርጉሚ ኣምላኽናሲ ብህልዉንኡ ህሉው ኢዩ፡ንሕና ድማ ብህልዉኑኡ ኣሎና።እንዳበሉ ዝተኣመንዎሲ፡ንኣቦታትና ተዘይፈሊጥና ደኣ መን'ዩ ክምህረና።
እግዚኣብሄር ነዚ ንሳይንስ ክፍለጥ ዝጽዕር ዘሎ ልቢ ብጥበቡ ቀይሩ፡ነቶም ነዛ ሰማያዊ መንነት ብዝግባእ ሒዞም ዘጽንሕዋ ኣበው ፈሊጥና ክንመስሎም ሓይሊ ክህበና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።እወ ንዖኦም፡ከይፈለጥካ መንገዶም ክትክተል ኣዝዩ በዳሂ ኢዪ።
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ ኣሜን

søndag 28. mai 2017

ኣእምሮ ብተፈጥሮ ለምለም ኢዩ፡ስለዚ እግዚኣብሄር ብጠንካራ ዓጽሚ ገይሩ ኣዳለዎ

ብኣብ፡ብወልድ፡ብመንፈስ ቅዱስ ስም ሓደ ኣምላኽ ኣሜን፣፣
ኣእምሮ ብተፈጥሮ ለምለም ኢዩ፡ስለዚ እግዚኣብሄር ብጠንካራ ዓጽሚ ገይሩ ኣዳለዎ፡ምኽንያቱ ሰናይ ይኹን ክፉእ ነገር ካብኡ ስለዝምንጩ ኢዩ።ሰብ ተጸሊሉ፡ዓቢዱ ዝብሃል ኣእምሮ እንተተንኪፉ ማለት ኢዩ ሓቀይ፡እወ፡ሓንቲ መኪና ሞተራ ኣዝዩ ሕማቕ ምስዝኾውን፡ጋቤኝኣ ግን ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስትኾውን፡እታ ማኪና ንፎርማ እምበር ንመጉዓዝያ ክትኾውን ኣይትኽእልን።
ክገርመኩም ሓደ ሓደ ግዜ መልክዕና ኣዝዩ ጸቢቑ ጥርዚ ዋላ እንተበጸሐ፡ኣእምሮና እንተተባላሽዩ ግን ሓምሓም ኮይንና ኢንና ንተርፍ።ሓምሓም ተሰባሪ ኢዩ፡ሰብኣውነትና ድማ ተሰባሪ ይኾውን።

ሰብ ተሰሪሑ ዝተወደአ ኣይኮነ፡እናሻዕ ጽባቐኡ እንዳተኾለዐ ዝህነጽ ህንጻ ኢዩ።እግዚኣብሄር ምስ ፈጠረና ሕጂ ስርሐይ ወዲኤ ኢየ፡ባዕልኹም ትፈልጡ ኢሉ ኣይሰንደወልናን።ንሕና ኣይኮንና ንፈልጥ፡ዝፈልጠልና ንሱ'ዩ።ከይትበልዕ ተባሂሉውን ብዘይፍቓድ ኣምላኽ ዕጸ ዋላ እንተበለዐ፡ኪዱ ጥፉኡ ኢሉ ንዘልኣለም ኣይኮነነናን፡ግዜ ፈልዩ፡ኩሉ ግዜ ምሰ ሰብ እንዳኾነ፡ንኣእምሮ ወዲሰብ እንዳመገበ፡ኣብ መወዳእታ ዘመናት፡ሰብ ኮይኑ ኣድሓነና።ሹዑውን ሕጂ ወዲኤ ኣሎኹ ኣይበለን፡ኣማናዊ መጽንዒ መንፈስ ቅዱስ እንዳሰደደ፡ሰብኣውነትና ንኽህነጽ ዝገብር ዘሎ እግዚኣብሄር ኢዩ።(( ወሰበሰ ይመጽእ ጴራቅሊጦስ ዘኣነ እፈኑ ለክሙ፡እም ሃበ ኣብ መንፈስ ጽድቅ፡ዘይወጽእ እምሀበ ኣብ ሰማዕትየ==መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦይ ወሲደይ ክሰደልኩም ኢየ፡ንሱ ንኹሉ ከብርሃልኩም ኢዩ))((ዮው15፥26)) ይብል።ለካ ውዲ ሰብ ካብ መሰረት ጀሚሩ እንዳዓበየ ዝነብር ሕንጻ ኢዩ።ህንጻ ብሓንቲ እምኒ መሰረት ትጅምርሞ፡ግን ዋላ ተነዲቓ ትዛዘም ደኣምበር፡እንዳተኾስተረት እንዳጸረየት እንዳኾለዐት ካብ ምምባር ግን ኣይተቃርጽን።
ኣእምሮ ወድሰብ ውን ባዕሉ ዘይኮነስ ብቃል እግዚኣብሄር ክኹላዕ፡ዝግብኦ ዝተጀመረ ህንጻ ኢዩ።ወገናተይ ሰብ ስለዝኾንኩም ንነብስኹም ምሉእ ገይርኩም ከይትሓስብዋ፡፡ቃል እግዚኣብሄር ክትሰምዑን፡ከተንብቡን፡ክትመሃሩን እንከለኹም፡ሰብኣውነትኩም እንዳወሰኸ ኢዪ።ህልውናኹም ብዘየገድስ፡ዘለኹምሉ ኩነታት፡ኣብ ፖሎቲካ፡ኣብ ደርፊ፡ኣብ ዝሙት ኮታ ኣብዝተፈላለየ ዘለኹምሉ ኩነት፡እእምሮኹም ናብቲ ናይ ብሓቂ ምልኣት ወድሰብ ክትበጽሑ ተደሊኹም፡ሓጥያት ሞግስዕ እንዳመለስካ ምምባር ኣይኮነን።ንእግዚኣብሄር ግዜ ሂብና ቃሉ ንስማዕ፡ንመሃር ሽዑ ክንልወጥ ኢና።ብቃል እግዚኣብሄር ዝተራሕወ ልቢ፡ካልእ ጋሻ ንኸአቱ ኣይፈቅድን ኢዩ።ብሓጥያት ዝተሰብረ ልቢውን ብቃል እግዚኣብሄር ተዘይኮይኑ፡ብዝተደመሮ ግብረ ሓጥያት ኣይጽገንን።ቅዱሳን ኣበው፡ቅዱሳን ኣዴታት ዝሓለፍዎ ገድሊ ቅድስናን ነንብብ፡የሕዋትና መምሃራን ተንሲኦም ክምህሩና እንከለዉ፡ደገ ኬድና፡ኣቤት ድያቆን ዝመሃረና፡ኣቤት ድያቆን እገለ ዝመሃረና ዘይኮንና ክንብል ዝግባኣና፡ንልብና ባዕሉ እግዚኣብሄር ከምዝመሃረና ገይርና ነእምኖ።ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ክንዳሎ እንከለናውን፡እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ስምዑኒባ ዝብል ድምጺ የስምዕ ከምዘሎ ገይርና ሓንጎልና ነእምኖ።ሽዕኡ ጸጋኡ ተኣማኒ ስለዝኾነ ተንቲንካ ብዘይንገር ተኣምር ብጸጋ ክንምላእ ኢና።
እግዚኣብሄር ርእሰ ከተማ ዝኾነ፡ልብና ክንህቦሞ ንሱ ዙፋኑ ክገብራ፡ብድሕሪኡ ነተን ዝተረፋ ንኣሽቱ ከተማታት እንበዓል ዓይኒ፡እዝኒ፡ኣፍንጫ፡መልሓስ ንምእዛዞም ሓይሊ ክህበና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።
እወ ምድራዊ ንጉስ እንካን፡ሃገር ምልእቲ ክቆጻጸር ተኾይኑ፡ተቐዳዲሙ ነታ ርእሲ ከተማ'ዩ ክሕዝ ዘለዎ።ርእሲ ከተማ ከይሓዝካ ሙሉእ ብምሉእ ተቓጻጺረ ክትብል ኣይከኣልን።
ናይ ሰብነትና ርእሲ ከተማ ልብና ኢያ።ወደየ ልብኻ ሃበኒ ኢሉ ድማ ይጽውዓና።

ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ ይሴለሱ ብኣካላት ወይትወሃዱ በመለኮት፡ሰብሀት ለማርያም እመ ኩሉነ፡ወስብሀት ለመስቀሉ ዕጸ ሂወትነ።
ቃል ስጋ ኮነ ጸጋን፡ሓቅን፡መሊእዎውን ኣባና ሓደረ።

torsdag 25. mai 2017

ሕሜታ ዝወለዶ ጉድ!

በስም ኣብ ወወልድ ወምንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሕሜታ ዝወለዶ ጉድ!
ሓደ ቀምቃሚ ጸግሪ፣ ባርቤሪ ኣዳልዩ ንብዙሕ ግዜ ናይ ጸግሪ ምስትኽኻል ልምዲ ዝነበሮ፡ሰሰሪሑ ምግበ እቶቱ የእቱ ነበረ።ክቕምቅም ከሎ ድማ ብዙሕ ዝተፈላለየ ሕሜታ እንዳ ኣምጸ ነቲ ተቐምቃማይ ከምዝዘናጋዕን፡ካብ ትኽስ ምስልቻው ከምዝገላገሉን ይገብሮም ነበረ።ሕሜታዶ ካብ ትኽስ የድሕን ኢዩ፡ሕሜታዶኸ ዓማዊል ከምዝውሕዙ ይገብር'ዩ፡ዝብል ምጉት ይመጻኩም ይኾውን ኢዩ። ኣነውን ከማኹም እዚ ክትዕዚ ምስ ነብሰይ ብዙሕ ግዜ ወሪደ ደይበሉ ኢየ።

ክገርመኩም ግን ብዙሓት ቀምቃሞ ዓማዊል ብኸምኡ ዝመጹ፡እዋይ ዕላሉ ክጥዕም እንዳበሉ፡ቶስ ቶስ ንኽብሉ ዝገብር ሕሜታ ኢዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ኣይሰኣኑን።ብዙሓት ቆናኖውን ኢድ ይባረኽ ክንደይ ትቑንን ጋለይ ተባሂለን መታን ክነኣዳሞ እቶተት መታን ክኽዕብት በበይኑ ዓይነት ሕሜታ እንዳምጻኣ ናይ ምሕማይ ተመኩሮ ዘለወን ውን ኣይሰኣናን።ብዙሓት ውን ኣሎዉ፡ዕላለይ ጡዑም፡መታን ተባሂለ ክንገረለይ፡ሰባት ከድንቑኒሞ፡ኣነ ጥራይ ክዛረብ ኩሉ ሰብ ግርምምም ኢልዎ ክሰምዓኒሲ ክሓሚ ኣሎኒ ኢሉ፡ድግዲጊት ተዓጢቑ ንምሕማይ ዝተዋፈረ ሰብውን ሎሚ ዓለምና የዕለቕሊቕዋ ኣሎ።ቀድምሲ ሕሜታ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቀንስትዮ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ብልሳነንካ ተዘይ ሓመያ ኣፈን፡እንዳረምጠጣ ውሽጣዊ ድሌታተን ሕሜታ ምኻኑ ዘግህዳ ኣንስቲ ጥራይ ከምዝነበራ ይዝንቶ ኢዩ።

እወ ሕሜታ ብምዝራብ ጥራይ ዘይኮነስ ብምርምጣጥውን ይሕመ ኢዩ፡ከናፍር ብምርምጣጥ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ብሕልና ከኣ ይሕመ ኢዩ፡ሰብ ኣፉ ከይተዛረበ ብልቢ ክሓሚ ይኽእል ኢዩ።እዚ ኩሉ ግን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን፡ምኻኑ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኮነስ ሕልናና ይምስክሮ ኢዩ። ሕሜታ ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ብብዝሒ ክረኣዩ ኢዮም፡ተባሂሉ ብትምቢት ዝተነግረሎም ሓደ ኮይኑ፡ክመዚ ንክገብር ከምዘይብልና ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ዝሓምዩ ሰባትካ ኮፍ ኢልና ክንሰምዖም ክርምዘይብልና ቅዱስ ጳውሎስ ኮለገና ነጊሩና።(1ጢሞ3፥1-5 ተመልከት)
እንታይ'ዩ ክብለና ደልዩ ትብሉ ትህልዉ ኢኹም፡ብፍላይ ቀምቃሞን ቆናኖን፡፡እዚ ዝበልኹኹም፡ቀምቃማይ ዳርጋ መብዛሕትኦም ዓማዊሉ በቲ ዝህቦም ዝነበረ በበይኑ ዓይነት ሕሜታት ተሳሒቦም ኢዮም ዝመጹ ነይሮም እምበር ጥበብነቱ ስለዝሰሓቦም ኣይኮነን።መቸም ሕሜታ ናበይ ከምዘውድቕ ተመልከቱ፥-
ቀምቃማይ ንሓደ ተቐምቃማይ ጽብቕቲ ሕሜታ ኢያ ኢሉ ኣዳልዩዋ ዝወዓለ፡ዳርጋውን ሓንቲ ሕሜታ ምሉእ መዓልቲ ተውዕሎ ብምምባራ፡ጽባሕ ከኣ ካልእ ይደግም፡ድሕሪኡ ካልእ እንዳበለ ኢዩ ዓማዊሉ ዘእንግድ ነይሩ።ወዮ ቀምቃማይ፡" ኣነሲ ካብ ሎሚ ኣምላኽ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ!" በለ። " ተቐምቃማይ ሰምበደሞ፡እዋ እንታይ ትብል ወደይ፡እሂ ደኣ ከምኡ ኢልካ" በሎ ብስምባደ። " ረኣዮ እንዶ፡ኣምላኽ ተዝህሉሲ፡ሰባት ንሰባት እሞ ድማ ንመሳኪን ከምዚ ገይሮም፡ከጋፍዕዎም፡ክቐትልዎም፡ክሓርድዎም፡እረ ስቕ በል በጃኻ፡ እዚ ስጋ ኢልና ንበልዖ ዘለናውንኮ፡መን ይፈልጥ ስጋ ሰብ ክኾውን ይኽእል ኢዩ፡ናይ ስብ ክፋእ ጥርዚ በጺሑ እንዳሃለወ፡ነንሕድሕዱ ሰብ ክተሓራረድ፡ኣብ ሓዊ ንሰብ ዝኣክል ክጠብሶ፡ከመይ ዝበለ ግፍዒ ክፍጸም፡ኣምላኽ እንተልዩሲ ስቕ ኢሉ ክርኢ ኢልካ ትሓስብ፧ ኣነ ብኡነት እዞም፡ኩሎም ሰብ ድካናትን ሸቃጦ፡ሃብቶም፡ካብ ክፋእ ተንኮሎም ዘዋሃለልዎ ኢዮም ናብ ዝብል ድምዳሜ ኢኻ ትበጽሕ፡ንሰብ ኩሊቱ ኣውጺኻ ምሻጥ ካብ ተጀመረ፡ስግኡ ኣብ መዐሸጊ ዓሺግካ ጥሑን ስጋ በጊዕ ኢዩ ዝብል ጽሑፍ ለጢፍካ ምሻጥ እንታይ ከይጽግሞም።ነዚ እንዳረኣየሲ ከመይ ኢሉ ስቕ ኢሉ ይርኢ ኣምላኽ።" ወዮ ቀምቃማይ ነዛ ሕሜታ ምሉእ መዓልቲ ክጥቀመላ ዝወዓለ ስለዝኾነ፡ሓደ ሰብካ ዝቃወሞ ኣይረኸበን፡በንጻሩካ ደኣ እዋእ ሓቅኻ፡ወረ እንዳእገለሲ ከምዚ ኢዮም፡ዝብል እንዳወሰኹ ነቲ ሕሜታኡ መማቕርቲ ኢሎም፡ዝሓሰብዎ ግን ከኣ ኣብርእሲቲ ዝነበረ ዕረነቱ መሊሱ መምሪ ዘረባ ክውስኽሉ ኢዮም ውዒሎም።

እዚ ናይ ሕጂ ተቐምቃማይ ግን ናይ ሃይማኖት ሰብ ኮይኑ ስለዝጸነሐ፡ብውሽጡ ብዙሕ ሓሳባት እንዳዋህለለ ኣዕጋቢ መልሲ ንምርካብ ደኣ ምስ ፈጣሪኡ ይዘራረብ ነይሩ እምበር፡ምስቲ ሓማዪ ብእዝኑ ኣንዳሰመዐ ኣይሓመየን።ብእዝንኻውን ይሕመ ኢዩሞ።ብፍላይ እታ ደፊሩ ኣምላኽ የለን ዝበላ ንፈጣሪኡ ዝሓመያ ዓባይን መዋድርቲ ዘይብላን ሕሜታ ሳዕቤና ከባድ ምኻና ከረድኦ ብዙሕ ሓሰበ።ቀምቃማይ ይሓሚ፡ተቐምቃሚ ከኣ ጸጥ ኢሉ ሓሳባቱ ምስ እግዚኣብሄር የሰላስል።
ኣብ መወዳእታ ተቐምቂሙ ምስ ወደአ፡በቲ ጎደና ብዙሓት ጨጎርጎር ዝበሉ ሰባት ክሓልፉ ረኣየ፡እቲ ተቐምቃሚ፡ርእሱ ምስቲ መስትያት እንዳኣነጻጸረ፡" ኣብዛ ዓለምሲ ቀምቃሞ ዝበሃሉ ብጭራስ የለዉን!" በለ።" ወዮ ቀምቃማይ ኣብ ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ ዝብል ኣበሃህላ ዝሓዘ ብምኻኑ፡እዚኩሉ ጹቡቕ ገይረ ከሓሒለካሲ ቀምቃሞ የለዉን ትብል፥" ኢሉ መለሰ ቀምቃማይ። " ክላእ ቀምቃሞ ተዝህልዉ ደኣ ኣይትርእዮምን ድኻ ጸግሮም፡ዘንውሑ፡ዘጊፎም ዝቕምቅሞም ዝሰኣኑ ሰባት ነዛ ከተማ መሊኦማ፡" ኢሉ መለሰ። ወዮ ቀምቃማይ ውሽጣዊ ደስታ እንዳተሰመዐ፡እሞ ስለዘይሞጹኒ እምበር ኣነኮ፡ኣብ መዓልቲ 100 ሰባት ክቕምቅም ይኽእል ኢየ።" ኢሉ ክእለቱ ዳሕደሐ። " ዓንተዎ ኣምላኽ የለን ዝበልካኒውንኮ፡ኣብዛ ዓለም ሰብ ናብ እምላኽ ምምጻእ ስለዝገደፎ፡ኢዩምበር፡ኩሉ ሰብ ናብ እግዚኣብሄር ተዝምለስ ሓጥያት ተዝሓድግ፡ንእግዚኣብሄር ብእምነትን ብግብርን ተዝስዕብኮ፡እዚ ኩሉ መቕጻቲ ኣይምመጻናን ነይሩ። ( እመ ኩሉ ፍጥረት ይዐቅብ እግዚኣብሄር፡ ለኩሉ ዘኢያስተርኣየ እመ ሰናየ ወእመ እኩየ፡ ትርጉሙ፡ኣምላኽ ብኹሉ ተግባራትና፡ሰናይ ኮነ እኩይ፡ተሓቢእና ብዝገበርናዮውን ከይተረፈ ክፈርደና ኢዩ። መክ12፥14)" ኢሉ መለሰሉ።ወዮ ቀምቃማይ ንብዙሕ እዋን ምስ ሕልንኡ ምጉት እንዳፈጠረ ብዝረኣዮምን ብዝሰምዖምን ናይ ደቂ ሰባት ሓጥያት ኣማኻንዩ፡ህልውና እግዚኣብሄር ክኽሕድ ዘይኮነስ፡እምበሺካ፡ክሳብ ክንድዚ ዝዕገስ ኣምላኽ ነቶም ምንም በደል ከይገበሩ ዝግፍዑ ዘለዎ፡ሰማእትነት፡መታን ክዕጸረሎም፡ነቶም ሓቀኛ ኣመንቲ ድማ ኣብ እምነቶም ንኽተብዑ መበራትዒ ተባሂሉ ክሳብ ፡መስቀል ክተብዑ ከምዝግብኦም ኢሉ ንመምሃሪ፡ነቶም ሓጥኣን ድማ ትዕግስቱ ክንድምንታይ ምኻኑ ንኽምህር ኢሉ ዝገበሮ ምኻኑ ተረድአሞ፡ይቕሬታ ሓቲቱ፡ናብ ኣቡ ነብሲ ከይዱ ንስሓ ኣትዩ፡ናይ ህልውንኡ በኩሉሄ ዝኾነ ስጋወደሞ፡ብቅዱስ ቅዳሴ ተሳቲፉ ስጋ ኣምላኽን ደም ኣምላኽን ተመገበ።ተመስገን።
ኣምላኽ የለን ኢሉ ዘውሪ ዝነበረ ሰብ ታሪኹ ተቐይሩ፡ምስ ስግኡ ከምዝጣበቕ ምስ ደሙ ከም ዝወሃሃድ ገይሩ።ክርስትና ከምዚ ኢዩ።ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት፡ብዙሓት ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክኾኑ ኢዮም።
ወገነይ ምላልባሽ ኣነ ኣብዚ ነይረ እንድየ ኢልካ ትምክሓሉ መንፈሳዊ ግብሪ ይነብረካ ይኾውን ኢዩ፡ንስኺውን ፍቕርተይ፡ክንድዚ ዓመታት ሰሪሐ እንድየ ኢልኪ እትሕበንሉ ግብሪ ጽድቂ ይነብረኪ ይኾውን ኢዩ፡እንተኾነ ግን ሕጂውን ድሕሬና ዝመጹ ኣህዛብ ባዕልና ዝመሃርናዮም ካባና ቅድስና ዝተማህሩ ክቕድሙና ስለዝኽእሉ ካብ ኩሉ ክፉእ ነገር ንርሓቕ፡ምስ እግዚኣብሄር ጥራይ ንምምበር ንጽዓር፡ምስ ሰባት ከመይ ኢልና ይንበር ድማ ንሱ እግዚኣብሄር ክምህረና ኢዩ።

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣበዊነ ኪያነ ዘፈጠረ ከመናብልኮ።
ንተኽለማርያም ሓውኩም ብጸሎት ደግፍዎ የሕዋተይ ደቂ እመብርሃን።

ጣጣኺ ገና'ዩ!

ብስም ኣቦ ብስም ወዱ ብስም መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላክ።ኣሜን።
ጣጣኺ ገና'ዩ!
ኣቦይ ኣማረ ሂዎቶም ምልኡ ብድኽነት ኢዮም ዓብዮም።ካብ ዝውለዱ ብዝኽትምና ምስ ሰብ ተዓሲቦም ኢዮም ዘመኖም የሕሊፎሞ።ወዲ 40 ዓመት ምስ ኮኑ ግን ኦይ ሎሚሲ ዋላ ጽምም ኢለ ሓዳር ክገብር ብምባል፡ሓንቲ ርህርህቲ ጋል ሰብ ኣምጽዮም ሓዳር ገበሮ።እዚ ኩሉ ሽግር ከሕልፉ እንከለዉ ግን እዞም ኩሎም ሃብታማት ቤተሰቡ፡ሓንቲ ቅንጣብ ኣይሓገዝዎን።ሕጂ ግን ርህርህቲ ሰበይቲ ረኣኸቡ። ስጋዊ ድኽነቱን፡ዝኽትምናዊ ሂዎቱን ዝሕግዝዎ ሰባት ኣይረኸበን ነይሩ።እዛ ርህርህቲ ሰብ ግን ብዓቢኡ ዋላ ኣብ መንፈሳዊ ሂዎቱ ትድግፍ ኮይና ጸኒሓ።ኣብ መጽሓፍ ለባም ሰበይቲ ምርካብ ካብ እግዚኣብሄር ኢያ እትወሃብ ሞጎስ ምርካብ ኢዩሞ እዛ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ክትነኣድ ይግበኣ ኢዩ(ምሳ18፣22,,ምሳ31፣30፡ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ኣቦይ ኣማረ ድሕሪ 40 ዓመት እዝግኣብሄር በጽሖም።

ካብ መርዕዖም 1 ዓመት ጸኒሖም ኣቦይ ኣማሪ ሓንቲ ምጭውቲ ዉላድ ወለዱ።ክገርመኩም ግን ሓጎስ ከየስተማቐሩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ብከቢድ ሕማም ተታሕዙ።ሕማሞም ብኢሱ ቃንዝኡ ምጽዋር ስኢነሞ።ወዮ "ንዓሻስ ጥዒምዎ ኣሎ፡ዘመድ ዓሻ ግን ከፊእዎ ኣሎ"፡ከምዝብሃል፡ኩሎም ቤተሰብ ናይ ኣቦይ ኣማረ ነዛ ህጻን ስማ መን ንበላ ተበሃሂሎም ይከራኸሩ ነበሩ።ኣቦይ ኣማረ ብዘሕለፍዎ ናይ ዘመኖም ምሉእ ስቅያት እንዳዘክሩ ሕጂ ድማ ብሕማሞም፡ይሳቐዩ፡ኣብዚ ድማ የሕዋቱ ክስቶ ንበላ፡ኣነ ዘውጻኹላ ኢዩ ትኽክል፡ንዓይ ስምዑኒ፡ንዓይ፡ንዓይ ክብሉ ጽሓይ ዓሪብዎም።

ወይ ጉድ ሓዎም፡40 ዓመት ዝኣክል ብድኽነትን ዝኽትምናን ሕምሥሥሥ ኢሉ ዓቢዩስ፡ሕጂ ድማ ብሕማም ክመውት ሎሚ ጽባሕ እንዳበለ፡እዚኦም፡ድማ ጥዒምዎም፡ኣነ ኣነ ክበሃሃሉ።ኣብ መወዳእታ ግን ጽሓይ ዓሪባቶም።ስለዝመሰየ ግን ናብ ሓዎም ቀሪቦም፡"ኣማረ እዛ ጛልሲ ስም ከነውጻላ ደሊናሞ፡ምስምማዕ ከኣ ስኢንና፡ ሓግዘናስከ መን ንበላ፧" ኢሎም ሓተትዎ።ኣቦይ ኣማረ ከኣ ምሉእ ዘመኑ ሓንቲ ንጣብ ሓልዮምሉ ዘይፈልጡ ቤተሰብ፡ሕጂውን ተኾነ ብዛዕባ ሕማም ሓዎም ዘይኮነስ ዝናነቶም ዓጢጥዎ ስሞም ከጸውዑ፡ኣነ ኣነ ክብሉ ዘሕለፍዎ ናይ ምሉእ መዓልቲ ትዕቢታዊ ክርክሮም ክምልከቶም ስለዝወዓሉ፡ ብትሑት ድምጺ" ጣጣኺ ገና ኢዩ" ኢልኩም ሰይምዋ በሎም።ኣቦይ ኣማረ ናቱ ጣጣ ተመልኪቶም ኢዮም፡ናይ ጛሎም ግን ብሕጂ ኢዩ ክምዘን፡ካብ የሕዋተይ ተሪፋ ኢያ፡ብምባል ኢዮም ጣጣኺ ኣይተፈልጠን ዝበልዋ።ኩሉ ህያብ ድኽነት ይኹን ሃብቲ፡ጥዕና ይኹን ሕማም፡ወኻዕታ ስሓቕ ወይውን ጽምዋ፡ሓዳር ወይ ከኣ በይንነት ኩሉ ብዘይፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይወሃበናን ኢዩ።ኩሉ ንበረኸትና ኢሉ ስለዝሰደልና ብኡነት ተመስገን።

ወገናተይ ዘመንና ኣነ ክስማዕ ኣሎኒ፡ድምጸይ ክስማዕ ኣሎዎ፡ኣነ ክዛረብ ዝበሃለሉ ዘሎ ዘመን በጺሕና ኣሎና።እዋእ እንታይ ትርኢቱ ደኣሉ ደቀይ ክትዛረብ ትደሊሞ፡ኩሉፍ፡ክዛረቡ እንከለዉውን ክትሰምዕ ኢልካ ኣብ ክንዲ ብዓቕሊ ትሰምዕ፡ኣብ ክንዲ ናይ ሰብ ዘረባ ዝምስጠካ፡በቃ ኣነ ክዛረብሞ ሰብ ብኣይ ክምሰጥ ኣሎዎ፡ዘረባይ ኢዩ ጥዑም፡ኣነ ይፈልጥ ዝብል ስምዒት ይወረካ።ብዙሕ ግዜ ንዝዛረቡ ወገናት ክሰምዕ ይፍትን እሞ ብዘይርድኣኒ ተዛረብ ተዛረብ ዝብል ስምዒት ይወረኒ።ምስ ተዛረብኩ ከኣ ሕፍረት ይዝሕወኒ እንታይ ክገብር ተዛረብኩ ኢልካስ ጥርቅም።ከባቢና ብልሳንና ብዝወጽእ ምጽንናዕ ንምዕንጋል ሃንቆው ዝብሉ፡ካብ ጉልቦትና ንዝምጦ ደገፍ ደልዮም ብሃረርታ ዝጽበዩ ሰባት ቆጺርካ ኣይውድኡን ኢዮም።ዘጸናንዑ ብጹኣን ኢዮም ተባሂሎም ተጻሒፎም ኣሎዉ፡ንዝጠመየ ዘዐንገሉ፡ንዝሓመመ እግዚኣብሄር ይመሓርካ ዝበሉ፡ንዝዓረቐ ድማ ዝኸደኑውን ንእግዚኣብሄር ከምዝገበርሉሞ፡ዓስቦም ሰማያዊ ምኻኑ ውን እሙን ቃል ኪዳን ተዋሂብዎም ኣሎ።
(ማቴ 25፣40)እዞም ከም ቤተሰብ ኣቦይ ኣማረ ዓይነት ሂዎት ዘለና ሰባትውን ጣጣና ገና ኣይተፈልጠን።
እግዚኣብሄር ነቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ብመንፈሳዊ ወኒ ከለዓዕለና፡ነቲ ክንገብሮ ዘይግበኣና ውን ብመንፈሳዊ ተግሳጽ ክግስጸና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።

ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ እንዘ ኣሀዱ ሰለስቱ ይሴለሱ ብኣካላት ወይትዋሀዱ ብመለኮት፡ስብሀት ለማርያም፡እስመ ይእቲ ወላዲተ ኣምላክ፡ወስብሀት ለመስቀለ ቅዱስ ዘኮነ ቤዛ ትእምርተ ሓይልነ።

lørdag 20. mai 2017

እቲ ዘገርምዶ-!!!

ኣነ ዝገርመኒ ግን ድፍረት ደቂ ሰባት ዘይኮነስ።ምሕረት እግዚኣብሄርዩ።ሰባት ምስ ኣምላኽ ብሓጥያት ምኽንያት ቅርሕንቲ ንምፍጻም ድግዲጊት ክንዕጠቕ እንከለና፡ንሱ ድማ ካብ ናይ ምሕረቱ ጡብ ንኽንጠቡ ኢዱ ዘርጊሑ ንንስሓ ክጽበየና እንከሎ ከመይ ዘየገርም።
ካብ ኤርትራ ናብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሳህራ ሰንጢቕካ ናብ ሊብያ፡ንምብጻሕ ዝግበር ምስ እግዚኣብሄር ሽርክነት ደራሲ ሓንጢጡ ኣይውድኦን ኢዩ።ኣብቲስለ ኣምላኽ ዘይዝንተወሉ ዓዲ ሊብያ፡እግዚኣብሄር ዛንቱኑ ንኽነግረና ኣብ ዓዲ ጭቆና፡ ሰላም፡ኣብቲ ተስፋ ዝቑረጾ ስፍራ፡ ጥዑም ቃሉ እንዳመገበ ምስ ምሕረቱ ዘላለየና ኣምላኽ ኣብ ማሕቡሳዊ ስፍራ ናይ ሊብያ ኢዩ።ኣብዚ ኩነትዚ ወድሰብ ምስ ኣምላኽ ዋላቲ ዘይኣማኒ ብናይቶም ኣመንቲ መብጻዓነት ተደሪኹ፡ብመዝሙሮም ዘመረ፡ኣብ ጸሎቶም ሰመረ፡ኣብ መብጽዕኦም ድማ ክርስትያን ንኽከውን ድንዕ ድንዕ ዝበለሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ።
እዛ ከምዚ ኢላ ምስ ኣምላኽ ቃል ኪዳን ዝኣተወት ክርስትያናዊት ነፍሲ፡ሕጂ ግን የድልየኒ ኢዩ እትብሎ ምስ ረኸበት ንፈጣሪኣ ረስዓቶ።መብጽዓኣ እካ ከይፈጸመት ኣሻባ ካብ ቤቱ ሓከለት።መንፈሳውነት ኩንትራት ኢዩ መሲልዋ መስለኒ ኩሉ ክርስትናኣ ብሓጣውእ ቂሂሞም።እቶም ምስኣ ዝነበሩ ዘይኣመንቲ ንዓኣ ረሪኦም ንኣምላኻ ደጋጊሞ ጸረፍዎ።"እዚ ኹሉ ባሕሪ ኣሳግረኒ ኢላ ትዝምር ነይራስ፡ምስ ሰገረት ምስ ደራፎ ክትጽምበር፡ ዓገብ እዚ ኩሉ ከገልግለካ ኢየ ኢላቶስ፡ሕጂ ኣገልጋሊት ሰይጣን ኮይና፡ብሓቂ ኣምላኾም ዓሻ ስለዝኾበር፡ነዚ ክትገብር ምኻና ዝፈልጥ ነይሩ ተዝኾውንሲ ኣብ ባሕሪ ከጥሕላ ነይርዎ፡ብሊብያውያን ከጥፍኣ ነይርዎ፡" እንዳበሉ እቶም ምስኣ ዝነበሩ ዘይኣመንቲ፡ናይ ሕጂ ግብሪ ክርስትያን ረሪኦም ንፈጣሪ ይጻረፉ ኣሎዉ።
ሎሚ ብፈረንጂ ዕለት 27/05/2017
ብግእዝ ድማ ቅዱስ ሚካኤል መዓልቲ12/ግንቦት 2009 ኣብ ክርስትያንሳንድ ቆጸራ ናይ ዳንኬራ እንግዶት ተዋሂቡ ኣሎ ናይ ደራፎ እንግዶት ንዘምር ዘይኮነስ ንሳዕስዕ።ቅዱስ ሚካኤል መዓልቲ ዳንኬራን ለይታዊ ትልሂትን ክትሓልፍ ኢያ።ሕጂ እዛ ኣብ ኣፍሪቃን ዓዶ ኣዕራብን፡ምስ ኣምላኽ ብፍጹም ልባ መብጽዓ ትኣቱ ዝነበረት ነፍሲ፡ሕጂ ምስ ሓጥያት ክትመሓዞ ተቐሪባ ኣላ።መእተዊ ዋጋ 250 kroner ወይ 25 dollars ኢዩ።ልዕሊ ገንዘበይ ጉልበተይ ከይተረፈ ንዓኻ ክግዛእ ኢየ ኢላ ብሕሹኽታዊ ናይ ልባ ድምጺ እትጭድር ዝነበረት ነፍሲ ፡ሕጂ ቃላ ክትዓጽፍ እንከላ ኣየገርምን ኢዩ።እቲ ዘገርም እግዚኣብሄር ንስሓ ከይኣተወት እዛ ነፍሲ መታን ከይትጠፍእ ናይ ንስሓ ዕድመ ይህባ ምህላዉ ኢዩ።ከመይ ዝበለ መሓሪ ኣምላኽ ኢዩ ብኡነት።

ካብ ሓጥያትናሲ፡ምሕረቱ የገርም።ካብቲ ንሕና ስለውድቀትና እንሓስቦስ፡ንሱ ስለትንሳኤና ዝሓስበልና የገርም።ካብቲ ንሕና ንሰይጣን ንኸነሕጉስ ኢልና እንጽዕሮስ፡ንሱ ስለመንፈሳዊ ሓጎስና ዝተግሃልና ብምብዝሑ ከመይ ዘየገርም።
እታ ኣብ ማዕበል ባሕሪ ብዝባልዑ ዓሳታት ተኸቢባ፡
" ኣንቲ ኣደየ ኣደየ ትፍልጥያ እንዲኺዛ ዛልበየ፡
ኣንቲ ማርያም ጸባ ማርያም ጸባ፡
ኣውጺኽና እንዲኺ ካብ ጸበባ፡
ኣብ ስደት ዘለዉ ዕምበባ ፍዮሪ፡
ኣደየ ድሃዮም ግበሪ፡
እግዚኣብሄር ሓላዊና ጋሳይናዩ(2)
ኣብ በረኻ ኣብ ስደት(3) ኣብ ዝኾነ ቦታ(2)" ኢላ ብመንፈሳውን ያሬዳውን መዝሙር ጎሮረኣ ክሳብ ዝስንጠቕ ትጭድር ዝነበርት ነፍሲ፡ሕጂ ግን ኣየናይ ኢላቶ፡
ንኹሉ ኣጥፊኣቶ።ናብ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ትጋባኣሉ ግዜ ንኽትዝምር ኮነ ክትሽብሽብ የእዳዋ ደሪቑ ጎሮሮኣ ላሕቲትዋ።ከይስሕቁኒ ብዝብል መንፈስ ሰይጣን ኣታሊልዋ።ምስጋና እግዚኣብሄር ዘይምልከታ ኮይኑ ግዲ ተሰሚዕዋስ ንምሽብሻቡ ኮነ ንምዝማሩ ፈጺሙ ኣብይዋ።ኣብቲ ዳንኬራ ግን እቶም ደራፎ ህርመት ሙዚቃ ጅም፡ጅም፡ጅም እንክበል ቀዲማቶ ትዘልል።ሜጀር ናይዚ ሙዚቃ ቀይረለይ ጎሮረይ ምስዚ ሙዚቃ ኣይከይድን ኢዩ እካ ኣይትብልን።መምስ ዝተጀመረ ህርመት ብዝተሰንጠቐ ጎሮሮ ትጭድር።እዚውን ኣየገርምን ኢዩ።እቲ ዘገርምሲ ዋናኣ እግዚኣብሄር መዓስኮን ኢያ ስለኽብረይ ትዝምርን ትዘልልንሞ፡በረኸተይ ከፍሲሰላ ኢሉ ብትዕግስቲ ይጽበ ምህላዉ ኢዩ።

ኣብቲ ግዜ መከራ ናይ ሳህራን ባሕርን እቶም ዘይኣመንቲ ከይተረፈ ብትግሃታ ይመሃሩ ነይሮም።ሕጂ ግን ዋላ እቶም ኣመንቲ ክመሃሩላ ኣይከኣሉ።ንቤተ ክርስትያን ገገዲፋ ናብ ካልኣ ትዕዘር ኣላ።እዚውን ኣየገርምን ኢዩ፡እቲ ዘገርምሲ እግዚኣብሄር ገለ ተተመልሰት ኢሉ ብናይ ንስሓ የእዳዉ ብዓቕሊ ይጽበያ ምህላዉ ኢዩ።
እቶም ሽዑኡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ንቃሉ ብትግሃትን ብትብዓትን የማሓላልፉ ነይሮም።ኣብ ቅድሚቶም ዘይኣመንቲ ከይተረፈ መንፈሳዊ ትብዓቶም ኣዝዩ ይማርኽ ነይሩ።ብመንፈሳውነቶም እቶም ኣረመናውያን ከይተረፈ ተገሪሞምን ኣስደሚምዎምን ኢዩ።ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሊብያ ዘጋጠመ፡ጸሎት ካብ ርበሻን ባእስን ትኣሊ ምኻና ፈሊጦም፡እቶም ንክርስትያን ዝጸልኡ ወገናት" ጸልዩ፡ጸልዩ፡ክርስትያት ተኣኪብኩም ጸልዩ!" ዝበሉልና ግዜ ይዝከረኒ።ንሕና ድማ ሃይማኖትና ማዕረ ክንደይ ዕድለኛታት ኮይንና ብዘይጉድለት ካብ ኣቦታት ከምዝተረከብናያ ምኻንና ፍናን ይስመዓና ነይሩ።ሎሚ ግን እቶም ኣገልገልታ ገጽ ሰብ ረሪኦም ክሰብኩ ጀሞሮም።ከምዚ ይሰበኸና ተይሎም ከምኡ ይብል፡ከምዚ ኣይትበል፡ጽውጽዋይ ንገረና እንተኢሎሞ፡ብማዕዶ ኣብ ገጾም ዘሎ ጽሑፍ ኣኣምቢቡ ንዖኦም ከሐጎስ ክብል ይነብር ኣሎ።ኣብ ዓዲ መከራ፡ኣምላኸይ ከይጸልኣኒ ኢሉ ስለኣምላኽ ዝነብር ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣገልጋሊ፡ሎሚ ግን ሰብ ከይጸልኣኒ ክብል ንናይ ነፍሲ ወከፍ ድሌታት ሰብ ከማልእ ክብል፡ኣብ ስጋውነት ተዋሒጡ ተረፈ።እዚውን ኣየገርምን ኢዩ።ዘገርምሲ እቲ ዝግልገል ዘሎ ፈጣሪ ብፍጹም ምሕረቱ ዓይኑ ይጥምተና ብምህላዉ ኢዩ።
ሕጂውን ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም እቶም ኣምላኽ የለን ዝብሉ ወገናት፡ባዕላቶም ዝሃነጽዎን ባዕላቶም ዝውንንዎን ህንጻ " እንኩም ኣብዚ ተኣኪንኩም መንፈሳውነትኩም ኣከናውኑ" እንክብሉና ብዓይንና ንርኢ፡ብእዝንና ንሰምዕ ኣሎና።" ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ ማእዲ ሰራዕካለይ ዝብል ጽሑፍ(መዝ23)ብግሪ ክፍጸም ንርኢ ኣሎና። እዛ ክርስትያናዊት ነፍሲ ግን እምቢ ኢላ።ኣይእከብን፡ኣብ ኣምላኽ ዝሕጎሶሉ፡ ስፍራ ኣብ እግዚኣብሄር ዝምለኸሉ ኣገልግሎት
ኣይሕወስን ኢላ ሓንጊዳ።እዚውን ፈጺሙ ኣየገርምን ኢዩ።ዘገምሲ መዓስ ኮን ኢያ ሐራይ ትብል ኢዩ፡ንኸይትጠሚ እንዳመገበ፡ከይትዓርቕ እንዳኸደነ፡ዝጋስያ ዘሎ፡ኣምላኽ ካብዚ ከኒባቶ ዘላ ንኽትምለስ ዕድል ሂቡና ምህላዉ ኢዩ።ኣብ ዓድና ዝራብዕ ምሕራስ እንተኣብዩ፡ከኒቡ ይበሃል፡ስለዚ ንዝኸነበ ዝራብዕ ጭርኡ ትነኽሶሞ፡ካብቲ ክንበቱ እታ ምንካስ ስለተቐንዝዎ ቀልጢፉ ይትንስእ።እግዚኣብሄር ግን ዝሓለፈ ኣብ ሳህራን ባሕርን ዝቐጻዕክዎም ይኣክል እንዳበለ ኢዱ ፍጹም ንምሕረት ምዝርገሐን ከመይ ዘተገርም!!!
ከምዚ ኢሉ ይጽውዓና፡ " ጉዕዞኹም ተዓዘቡን መርሙሩንሞ፡ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ" ይብል።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...