mandag 12. februar 2018

ዘወረደ

Bilderesultat for eritrean orthodox tewahdo
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ። ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ያሬድ ማህሌታይ ብዝሰርዖ ሰማያዊ ስርዓት መሰረት፣ቅድስት ቤተክርስትያን ኣብ ጾመ ኣርብዓ ካብ ዝርከባ ሸሞንተ ሰናብቲ፣እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኮይና ዘወረደ ተባሂላ እትስየም መጀመርታ ናይ ጾመ ኣርብዓ ኢያ። ዘወረደ እንታይ ማለት ኢዩ፣- ዘወረደ ማለት፣ወረደ፣ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጸ፣ካብ ርቀቱ ተገልጸ፣መሎኮታዊ ባህሪኡ ከይለቐቐ ስጋና ንክወሃሃድ ፍቓደኛ ኮነ፣ንዓና ንደቂ ሰባት ናብቲ ዝነበርናዮ ክብሪ ቅድስና መታን ክመልሰና ናባና ብምምጻእ ስጋና ንምልባስ ወረደ ዝብሉ መንፈሳዊ ትንታኔታት ዝወሃበሉ ነዊሕ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ምስጢረ ስጋዌ ብፍላይ ኣብ ነገረ ድሕነትና ኣተኪርና እንመሃረሉ ስም ኢዩ ዘወረደ።ወረደ ክበሃል እንከሎ፣ኣምላኽ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሱ ንምባል ኣይኮነን።እግዚኣብሔር ብህልውንኡ ምሉእ በኩሉሄ ኢዩ፣ኣብ ኩሉ ምሉእ ክንሱ ግን ንዓና ኣብ ዛዓለም ንእንነብር፣ናብቲ ንቡር ቦታና መታን ክመልሰና ተወሃሂዱ ከድሕነና ፈተወ ማለት ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅስ እንከሎ፣<< ኦ እግዚኣብሔር ሰማያት ጨንዲሕካ ንዓ ውረድ፣ነኽራን ተንክዮም እሞ፣ትኪ ኽተፍኡ ኢዮም።መዝ 144፣5>> ይብለና።ኣብ ካልእ ክፍሊውን፣ << ኣየ ሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ፣ኣኽራን ንኣኻ ርእዮም ብፍርሂ መንቀጥቀጡ።ኢሳ54፣1>> ይብል።እግዚኣብሔር ንህዝቡ ካብቲ ዝነበርዎ ውድቀት ንከተንስኦም፣ንሱ ንውድቀቶም ለቢሱ ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና ክሳብ ሞት ክቐምስ ነይርዎ።ቅዱሳን፣እግዚኣብሔር ካብቲ ንዓለም ዝፈጠረሉ፣እቲ ንዓለም ንምድሓን ዝተጠቐመሉ ጥበብ ይበልጽ ይብሉ።ቅዱሳን ነብያት ሰማያት ጨንዲሑ ንክመጽእ ዝተነበዩ፣ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ፣<< ካብ ጓልጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ፣>> ዝበሎ ተጸበይቲ ድሕነት ንምኻን ጽንሰቱ፣ልደቱ፣ጥምቀቱ፣ኣርባዓ መዓልቲ ኣርበዓ ለይቲ ምጻሙ፣ኣብዛ ዓለም ን33 ዓመት ምምልላሱ፣ኣምላኽ ክንሱ፣ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ክብል ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ምዕጋሱ፣ናብ መቓብር ምውራዱ፣ካብ መቓብር ምትንስኡ ምዕራጉ ኮታ ኩሉ ናይ ድሕነት ነገር ንምፍጻም እግዚኣብሔር ናብ ደቂ ሰባት ብተዋህዶ ዝተገልጸሉ ምስጢር ንምትንታን ቅዱስ ያሬድ፣ብሓንቲ ቃል ኣመሳጢሩ ገሊጽዎ ይርከብ። "ዘወረደ!!"ብምባል። "እነሆ ድንግል ክትጸንስ ወዲ'ውን ክትወልድ፣ስሙ ድማ ኣማኒኤል ክትሰምዮ ኢያ፣ኢሳ7፣14" ተባሂሉ ዝነበረ፣ዘወረደ ተፈጺሙ፣ኢሉ ቅዱስ ኣቦና ያሬድ ሰይምዋ። ስለምንታይ ኢያ፣ኣብ ጾመ ኣርብዓ ኣብ መጀመርታ ከምትስመ ተገይሩ፧ ጾመ ኣርብዓ፣ክርስቶስ ኣምላኽና ባዕሉ ብፍቓዱ ብፍቓድ ኣቡኡ ብፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ዝጾሞ ጾም ኢዩ።እዚ ንሕና እንጅምሮ ጾም፣ንሱ ባዕሉ ናብዛ ዓለም ወሪዱ ባሪኹ ዝጀመረልና ምኻኑ ቤተክርስትያን እንዳተረኸት ኢያ።ኣብ ጾመ ኣርብዓ ብጸላኢ ሰናያት ዝተፈተኖ ፈተነ ብፍታዉ ኢዩ፣ንሕናውን ንዝመጹና ፈተናተታት በቲ ናብዛ ዓለም ወሪዱ ከመይ ኢልካ ንፈተነታት ትሰግሮም ዝመሃረና መምህር ድሕነትን፣መድሓኒትን ዝተባህለ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኻኑ፣ደጊም ፈተነ እኳ እንተሃለወ፣እቲ ንፈተነ ዘሸንፍ ሓይሊ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ማእከልና ወሪዱ ብመንፈሱ ምሳና ህሉው ምኻኑ እንመሃረሉ ትምህርቲ ኢዩ። ቅዱሳን ብዛዕባ ናብዛ ዓለም ወሪዱ ንዝፈጸሞም ናይ ድሕነት ከይድታት፣
"ፈቀደ እግዚእ ያግእዞ ለኣዳም ሕዙነ ወትኩዘ ልብ ወያግብኦ ሀበ ዘትካት መንበሩ።እግዚኣብሔር ነቲ ሕዙንን ጉህይን ልቢ ናይ ኣዳም ተመልኪቱ ናብቲ ናይ ቀደም መንበሩ ክመልሶ ፈተወ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፣ዉዳሴ ማርያም ዘሰኑይ።" " ደጊመ ብቅድሙ ዝነበረ ቃል፣ተቀዳሚ ከይሃለዎ፣ዘመናት ከይቀደምዎ፣ካብ ኣብ ኣካል ዘእምኣካል፣ባሕርይ ዘእምባሕርይ ዝተወለደ፣ወልድ ዋሕድ፣ንዓለም ዝፈጠረ ናይ ኩሉ ፍጥረት ህልውና ብኡኡ ዝኾነ፣ብብዝሒ ይቕሬትኡ ንደቂ ኣዳም ይቕሬ ኣብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምልኣቱ ከይተወሰነ ካብ ናይ ኣብ ባሕርይ ከይተፈልየ፣ነቲ ልዑል ባሕርይኡ ትሕት ኣቢሉ ንባሕርይና ከምዝተዋሃሃደ ይኣምን ኣሎኹ። ቅዱስ ቄርሎስ ሃይማኖት ኣበው 94፣10" ቀጺሉ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቂ፣" ነዚ ዝተነግረ ኣስተውዕሎ፣እግዚኣብሔር ካብ ባሕርይና ዝተዋሃሃዶ ተዋህዶ፣ንእሽቶ ነገር ገይርካ ኣይትውሰዶ።እዚውን ንመላእክት ኣይኮነን ተገይርሎም፣ንናይ መላእክት ባሕርይውን ኣይተዋሃሃደን፣ዝተዋሃሃደስ ናትና ባሕርይ ደኣምበር። ሃይማኖት ኣበው62፣4" ' ቃል ንስግኡ ኣብ መቓብር ኣይገደፎን፣ኣብ ሲኦል ንዝነበረት ነፍሱውን ኣይተፈለያን። ምስ ነፍስን ስጋን ብሓደ ነበረ እምበር፣ንዘልዓለም ኣለም ክብሪ ምስጋና ይብጽሓዮ።ሃይማኖት ኣቦው 61፣29' ስለዚ ቅድስት ቤተክርስትያን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንስጋና ከይነዓቐ፣ብፍጹም ተዋህዶ ለቢሱ ናብቲ ናይ ጥንቲ ቦታና ንክመልሰና ፍቓደኛ ኮይኑ ዝወረደሉ ኣስተምህሮ እተማሓላልፈላ ኢያ እዛ ሰንበት እዚኣ ዘወረደ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጾምና ናይ ንስሓን ስርየትን ክገብረልና ከምቲ ንሱ ዝደልየና ኮይንና ክንዓቢ ብጸግኡ ይደግፈና። ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...