በስመ ሥላሴ
ግራት ነይርና እኽሊ ዝፈሶ
ርብዒት ክዒኻ ቆፎታት ዝሕፈሶ
'ደኲዑኒ' ዝብል ብዛላ ብገንሒ
እርጋን ዘይንታዩ ዝልለ ብስብሒ
ተረፈ ህጥራኑ የብልዕ የጒስዕ
ለምሊሙ ዘለምልም
ከረምቲ ኮነ ቀውዒ
ጸረ-ሓጋይ ጸረ ጥሜት
ዓርኪ ጽጋብ ዓርኪ ብልዒ
እወ ግራት ነይርና በዓል ኣልቦ ብቂ
ትውልዲ ዘሳግር እሙን ብዓል ሓቂ
ምስ ፈጣሪ ዝዓርኽ ጸረ ናይ ድርቂ
ግሩም ወረጃ ደረጃ ኪደቱ
ንዂሉ ዝሕሉ ግዝያት ሰዓቱ
ካብ ገንሒ ናብ ጒንሒ
ካብ መኼዳ ዓውዲ
ይኣቱ ዓዲ
ናብ ቆፎ-መኣዲ
ንስድራ ይሓቕፎ
የሳግር ትውልዲ!
ግራት ነይሩና ምስ ፈጣሪ ዝላዘብ
ምስ ሰማይ ተሻሪኹ እዝመራ ዝስሕብ
ምስ ወቕቲ ዓሪኹ ጠሊ ዝዝዕግ
ክንዮ ምጥዋር ከርሲ ክንዮ ኲሉ መዝገብ
ልቢ ሓረስታይ መንዚዑ ብርትዒ ዝዕድግ
ዓዲጉስ ምስ ኣምላኹ ኣብ ቀውዒ ዘላዝብ
እወ ግራት ነይርና ገንሒ ዝልማዱ
ወፈራ ዝዕድም ዓዲ-ብዓዱ
ዝጽጋእ ዝሕረስ ዝዝራእ ዝበቊል
ዝጸሀ ዝጒሰ ዝጒናእ ምህርቲ ዝፍልፍል
ግራት ነይርና ብርሃጽና ዝጭቁ
ክንዮ ምህርቲ ፍቕሪ ዝምንጩ
ንድኻ ዝጥውር ንሃብታም ዝመክር
ንጥሪ መኪቱ ቃል-ኪዳን ዝተክል
ግራት ነይሩና ግራት ዓደቦ
እኽልኻ ዝድፈኖ እምነት ዝሕለቦ
ብጽምዲ ብመሰለስ ብርባዕ ዓጸፋ ንምገቦ
መሓዛ መስተርሆት ጸረ ዓጸቦ
ገናሒ ግና ይፈቱ ነይሩ
ገናሒ ሓራሲ ዝኽእሎ ጫዂሩ
እወ ይጠልብ
ሓረስታይ ብዓል ሞያ
ናውቲ ይዳለዉ ይጽረቡ ብሞያ
ትርኑዓት ዝራብዓት ይጸርዩ ብሞያ
ምስ ቶስታይ ይጽመዱ ብሞያ
ሓረስታይ ይትልም ይገንሕ ብሞያ
ኲሉ ይዕመም ብሞያ
ዐዕዮኦም ይዓዩ የምጽኡ ማሃያ
ኣየወ ግራትና
ግራት ፍረ ሓቂ ግራት ሞያ
ግራተ-እምነት ግራተ-ማሃያ!
ልብና'ውን ነይራ ግራት ናይ ፈጣሪ
ገኒሑ ዝዕረቓ ዝውስኸላ ዕምሪ
እንሓንሳእ የስብሓ ብቃሉ ይድኲዓ
ዛላ ይገብረላ ብመንገዱ የቕንዓ
ንሳ'ውን መስቲያት ኰይና
ንምስሉ ምንጸባርቕ ትኽእሎ ኰሊዓ
ንሳ ዋኒኑ ንሱ ዋናኣ
መሸጎራ ከይዕጾ ብድምጹ ይኲሕኲሓ
ደርቂ ከየንቅጻ የንብዓ ብንስሓ
ዝናብ ኰይኑ ምሕረቱ ይሓጽጽባ
ንሳ'ውን እናሻዕ ትግንሓሉ ፍቓዱ ይመርሓ
ስለ ግራቱ ክብል ኲሉ ቀሪብላ
‘ታይ ከ ኣሎ ዘይቀረበላ!
ኣብ ትልሙ ዝሓርሱ ዝገንሑ ሰብ ሞያ
ዝዘርኡ ዝዂስኲሱ ዝጽህዩ ቡቋልያ
ዘኺዱ ሰብ ዓውዲ ሰብ መስቀል ሰብ ጉያ
ናይ ሰማይ ዝነግሩ
ናብ ሰማይ ዘሳግሩ
ልብን ፈጣርን ዝዓርቁ ዘላዝቡ
ስልጣኑ ከይበቐቐ ዝሃቦም መዝገቡ
" መግቢ ናይ ሰማይ ኣብ ምድሪ ተረኺቡ"
ኢሎም ዝእውጁ ብትውልዲ ዘይግደቡ
እኔሄዉ ኣብ ቤቱ!
ልቢ ክሳብ ዘላ ኣለዉ ዝዛልይዋ
ንቡራ ክምለስ እናሻዕ ይጽውዕዋ
እንታይ ደኣ ኰይና ሕጂ'ዛ ልቢ
ሓረስቶት እናሃለዉ ትሃቢ
ግራቱኮ ነይራ'ያ ግራት ናይ ፈጣሪ
ተፍሪ ነይራ ፍረ ናይ ግብሪ
ሕጂ ግና ሓንጊዳ ተሪራ ብትሪ
እንተ ንሱ ይኹን ወይ'ውን ሓረስቶቱ
ትእበ'ምበር ነይግድዳ ጐቲቱ
ልቢ ግና እንድዕላ
ባዓላ ዓጽያቶ'ላ ዕድላ
ግራቱ ማዃንዶ ኣይምሓሻን
ቃድራ ደኣ'ታይ ኣለዎ ርሻን!
እግዚአብሔር ገኒሑ ይተዓረቐና
ሎቱ ስብሐት!