ብስም ኣቦ ብስም ወዱ ብስም መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላክ።ኣሜን።
ጣጣኺ ገና'ዩ!
ኣቦይ ኣማረ ሂዎቶም ምልኡ ብድኽነት ኢዮም ዓብዮም።ካብ ዝውለዱ ብዝኽትምና ምስ ሰብ ተዓሲቦም ኢዮም ዘመኖም የሕሊፎሞ።ወዲ 40 ዓመት ምስ ኮኑ ግን ኦይ ሎሚሲ ዋላ ጽምም ኢለ ሓዳር ክገብር ብምባል፡ሓንቲ ርህርህቲ ጋል ሰብ ኣምጽዮም ሓዳር ገበሮ።እዚ ኩሉ ሽግር ከሕልፉ እንከለዉ ግን እዞም ኩሎም ሃብታማት ቤተሰቡ፡ሓንቲ ቅንጣብ ኣይሓገዝዎን።ሕጂ ግን ርህርህቲ ሰበይቲ ረኣኸቡ። ስጋዊ ድኽነቱን፡ዝኽትምናዊ ሂዎቱን ዝሕግዝዎ ሰባት ኣይረኸበን ነይሩ።እዛ ርህርህቲ ሰብ ግን ብዓቢኡ ዋላ ኣብ መንፈሳዊ ሂዎቱ ትድግፍ ኮይና ጸኒሓ።ኣብ መጽሓፍ ለባም ሰበይቲ ምርካብ ካብ እግዚኣብሄር ኢያ እትወሃብ ሞጎስ ምርካብ ኢዩሞ እዛ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ክትነኣድ ይግበኣ ኢዩ(ምሳ18፣22,,ምሳ31፣30፡ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ኣቦይ ኣማረ ድሕሪ 40 ዓመት እዝግኣብሄር በጽሖም።
ካብ መርዕዖም 1 ዓመት ጸኒሖም ኣቦይ ኣማሪ ሓንቲ ምጭውቲ ዉላድ ወለዱ።ክገርመኩም ግን ሓጎስ ከየስተማቐሩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ብከቢድ ሕማም ተታሕዙ።ሕማሞም ብኢሱ ቃንዝኡ ምጽዋር ስኢነሞ።ወዮ "ንዓሻስ ጥዒምዎ ኣሎ፡ዘመድ ዓሻ ግን ከፊእዎ ኣሎ"፡ከምዝብሃል፡ኩሎም ቤተሰብ ናይ ኣቦይ ኣማረ ነዛ ህጻን ስማ መን ንበላ ተበሃሂሎም ይከራኸሩ ነበሩ።ኣቦይ ኣማረ ብዘሕለፍዎ ናይ ዘመኖም ምሉእ ስቅያት እንዳዘክሩ ሕጂ ድማ ብሕማሞም፡ይሳቐዩ፡ኣብዚ ድማ የሕዋቱ ክስቶ ንበላ፡ኣነ ዘውጻኹላ ኢዩ ትኽክል፡ንዓይ ስምዑኒ፡ንዓይ፡ንዓይ ክብሉ ጽሓይ ዓሪብዎም።
ወይ ጉድ ሓዎም፡40 ዓመት ዝኣክል ብድኽነትን ዝኽትምናን ሕምሥሥሥ ኢሉ ዓቢዩስ፡ሕጂ ድማ ብሕማም ክመውት ሎሚ ጽባሕ እንዳበለ፡እዚኦም፡ድማ ጥዒምዎም፡ኣነ ኣነ ክበሃሃሉ።ኣብ መወዳእታ ግን ጽሓይ ዓሪባቶም።ስለዝመሰየ ግን ናብ ሓዎም ቀሪቦም፡"ኣማረ እዛ ጛልሲ ስም ከነውጻላ ደሊናሞ፡ምስምማዕ ከኣ ስኢንና፡ ሓግዘናስከ መን ንበላ፧" ኢሎም ሓተትዎ።ኣቦይ ኣማረ ከኣ ምሉእ ዘመኑ ሓንቲ ንጣብ ሓልዮምሉ ዘይፈልጡ ቤተሰብ፡ሕጂውን ተኾነ ብዛዕባ ሕማም ሓዎም ዘይኮነስ ዝናነቶም ዓጢጥዎ ስሞም ከጸውዑ፡ኣነ ኣነ ክብሉ ዘሕለፍዎ ናይ ምሉእ መዓልቲ ትዕቢታዊ ክርክሮም ክምልከቶም ስለዝወዓሉ፡ ብትሑት ድምጺ" ጣጣኺ ገና ኢዩ" ኢልኩም ሰይምዋ በሎም።ኣቦይ ኣማረ ናቱ ጣጣ ተመልኪቶም ኢዮም፡ናይ ጛሎም ግን ብሕጂ ኢዩ ክምዘን፡ካብ የሕዋተይ ተሪፋ ኢያ፡ብምባል ኢዮም ጣጣኺ ኣይተፈልጠን ዝበልዋ።ኩሉ ህያብ ድኽነት ይኹን ሃብቲ፡ጥዕና ይኹን ሕማም፡ወኻዕታ ስሓቕ ወይውን ጽምዋ፡ሓዳር ወይ ከኣ በይንነት ኩሉ ብዘይፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይወሃበናን ኢዩ።ኩሉ ንበረኸትና ኢሉ ስለዝሰደልና ብኡነት ተመስገን።
ወገናተይ ዘመንና ኣነ ክስማዕ ኣሎኒ፡ድምጸይ ክስማዕ ኣሎዎ፡ኣነ ክዛረብ ዝበሃለሉ ዘሎ ዘመን በጺሕና ኣሎና።እዋእ እንታይ ትርኢቱ ደኣሉ ደቀይ ክትዛረብ ትደሊሞ፡ኩሉፍ፡ክዛረቡ እንከለዉውን ክትሰምዕ ኢልካ ኣብ ክንዲ ብዓቕሊ ትሰምዕ፡ኣብ ክንዲ ናይ ሰብ ዘረባ ዝምስጠካ፡በቃ ኣነ ክዛረብሞ ሰብ ብኣይ ክምሰጥ ኣሎዎ፡ዘረባይ ኢዩ ጥዑም፡ኣነ ይፈልጥ ዝብል ስምዒት ይወረካ።ብዙሕ ግዜ ንዝዛረቡ ወገናት ክሰምዕ ይፍትን እሞ ብዘይርድኣኒ ተዛረብ ተዛረብ ዝብል ስምዒት ይወረኒ።ምስ ተዛረብኩ ከኣ ሕፍረት ይዝሕወኒ እንታይ ክገብር ተዛረብኩ ኢልካስ ጥርቅም።ከባቢና ብልሳንና ብዝወጽእ ምጽንናዕ ንምዕንጋል ሃንቆው ዝብሉ፡ካብ ጉልቦትና ንዝምጦ ደገፍ ደልዮም ብሃረርታ ዝጽበዩ ሰባት ቆጺርካ ኣይውድኡን ኢዮም።ዘጸናንዑ ብጹኣን ኢዮም ተባሂሎም ተጻሒፎም ኣሎዉ፡ንዝጠመየ ዘዐንገሉ፡ንዝሓመመ እግዚኣብሄር ይመሓርካ ዝበሉ፡ንዝዓረቐ ድማ ዝኸደኑውን ንእግዚኣብሄር ከምዝገበርሉሞ፡ዓስቦም ሰማያዊ ምኻኑ ውን እሙን ቃል ኪዳን ተዋሂብዎም ኣሎ።
(ማቴ 25፣40)እዞም ከም ቤተሰብ ኣቦይ ኣማረ ዓይነት ሂዎት ዘለና ሰባትውን ጣጣና ገና ኣይተፈልጠን።
እግዚኣብሄር ነቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ብመንፈሳዊ ወኒ ከለዓዕለና፡ነቲ ክንገብሮ ዘይግበኣና ውን ብመንፈሳዊ ተግሳጽ ክግስጸና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ እንዘ ኣሀዱ ሰለስቱ ይሴለሱ ብኣካላት ወይትዋሀዱ ብመለኮት፡ስብሀት ለማርያም፡እስመ ይእቲ ወላዲተ ኣምላክ፡ወስብሀት ለመስቀለ ቅዱስ ዘኮነ ቤዛ ትእምርተ ሓይልነ።

Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar