torsdag 8. juli 2021

ቃለ መሕተት ምስ ሓንቲ ቀልሃ፡ 1ይ ክፋል

 በስመ ሥላሴ ይቀጠቀጥ ከይሲ!



ሓንቲ ዝወደቐት ቀልሃ፡ ብክፉት ልቢ፡ ኣብ ሰባትን ኣተሓሳስባኦምን፡ ንብረቶምን ባህሎምን ሃይማኖቶምን፡ ኮታ ኣብ ኲሉ ሕድሕዳዊ መዳያት፡ ዝገበረቶን እትገብሮን ዕንወት፡ ከይሓብአት ብመልክዕ ቃለ መሕተት ዝሃበቶ ሓበሬታ እነሆ 1ይ ክፋል ይፍልም።

  • ሓታቲ
ስምክን ድሕረ-ባይታኽንዶ ምስ ተኸታተልቲ ከተላልይና፧
  • ቀልሃ
- ምሉእ ስመይ ቀልሃ እበሃል፡፡ ቅድሚ ዝተወሰና ደቓይቕ'የ ኣብዛ ቦታ'ዚኣ ኣማዑተይ ተፈንጂሩ ጥራሐይ ተሪፈ። ስለዚ ኢኻ ድማ ኣብዚ ረኺብካኒ ዘለኻ።


  • ሓታቲ
እወ ካብ ርሑቕ፡ ድምጺ ተኽሲ  ስለዝሰማዕኩ'የ ናብዚ መጺአሞ፡ ከመይ ከመይ'ዩ ነገሩ ፧
  • ቀልሃ
- ሰብ ምስ ተኮሰኒ፡ ዓቕለይ ኣጽቢበ ፍርቁ ጎድነይ ሰብ ንምቕታል ንቕድሚት ተንጪፉ ሃጺጹ፡ ገሊኡ ክፋለይ ትኪ ኴኑ በኒኑ፡ ዝተረፈን ዝዓበየን ኣካለይ ድማ እኒሄኹልካ ኣብዚ።
  • ሓታቲ-
ናብዚ ቦታ ዝመጻኽሉ ቀንዲ ምኽንያትን ድሕረ-ባይታኽን ክፈልጥ ምደለኹ፧

  • ቀልሃ
- ሱር መበቈለይ ንምትንታት ክጅምር እንተዄነ፡ ገለ ካብ ክፋላት መትንታት ኣካላተይ ካብዚ ከባቢ፡ ካብ ኣፍሪቃ'ዩ መበቈሉ። ኣፍሪቃውያን ብሕሱር ዋጋ ናይ ጒልበት ካብ መሬት ፍሒሮም ኣውጺኦምኒ። ኣውጺኦም ድማ ብሕሱር ሸይጦምኒ። ዝፍጠረሉ ቦታ ግን ኣብዚ ኣይኮነን። ኣነ ካብ ንሓሲ፡ ሓጺን፡ ካርቦን ካልኦት ዝተፈላለዩ ማዕድናትን ተቐሚመ ዝተሰራሕኩ'የ። ኣብ ውሽጠይ ባሩድን ዓረርን ነይሩኒ። ከምዚ ትርእዮ፡ ብድሕረይ ብመርፍእ ስለዝተወጋእኩ'የ፡ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ባሩድ ተቓጺሉ ትኪ ኴኑ በኒኑ፡ ነታ ዓረር በሪራ ከምትውጨፍ ጔርዋ።

  • ሓታቲ
"ዝፍጠረሉ ቦታ ኣብዚ ኣይኮነን" ኢልክኒ። ኣበይ ደኣልኪ ተፈጢርኪ፧ ንምዃኑ ዝፈጠረኪ ናይ ኲልና ፈጣሪ እግዚአብሔርዶ ኣይኮነን'ዩ፧

  • ቀልሃ
- ኦይ..ክክክክ ዝፈጠረኒ'ኳ ሰብ'ዩ፡ ይቕሬታ ዝመሃዘኒ ክብል'የ፡፡ እምበርከ፡ ሰብ ብሓሳቡ ከሰላልስለኒ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንሰብን ናይ ሰብ ንብረትን ዝፈጠረ እግዚአብሔር ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግበኣንን'ዩ። ብብዝሒ ዝስረሓሉ ቦታ፡ ኣብ ኣሜርካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን እስራኤል እዩ። ኣብ ገለ ብምዕባለ ምስ ቀዳሞት ዝስረዓ ሃገራት'ውን ይምስራሕ'የ። ከይረሳዕክዎ ከለኹ ግን፡ ኣቐዲምካ ድሕረ-ባይታይ ክነግረካ ሓቲትካኒ ነይርካ ሓቀይ ድየ፧

  • ሓታቲ
እወ፡ ቀጽሊ።

  • ቀልሃ፡-
- ናይ ታሪኽ ሰብ ሞያ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ዝነበሩ ደቂ ሰባት፡ ኣብ ከባቢ 1200 ዓም "Heilongjang hand cannon" ወይ ድማ ናይ ኢድ ብረት ዝበሃል ንመጀመርያ ግዜ ከምዝሰርሑ ይነግሩ።  እዚ ዓይነት ቀልሃዚ፡ እቲ ዝኣረገ ፋሽን ኴኑ፡ ኣብቲ ዘመን'ቲ ግን፡ ምስ በዓል ካራ፡ ጎዞሞ፡ ፋስ፡ ጭዃሮን ማሕረሻን ኣወዳዲርካ እቲ ዝማዕበለ ምንባሩ ይንገር። ካልኦት ተረኽቲ ድማ፡ ኣብ ታሽዓይ ክፍለዘመን ኣብ ቻይና፡ ካብ በርበረን ካልኦት ብርቱዕ ከሚካል ዘለዎም ጥረ-ነገራትን ኣቀናቢሮም ባሩድ ከምዝመሃዙ የዘንትዉ።  ተወሳኺ'ውን "ምዕቡልን ብርቱዕን ጥይት ክፈሪ ዝጀመረ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኴኑ፡ ብ1860ታት ተወሊዑ ዝነበረ ሕድሕዳዊ ውግእ ምኽንያት ብምግባር'ዩ" ዝብል ታሪኽ'ውን ክዝንቶ ትሰምዕ ትኸውን ኢኻ።

  • ሓታቲ
ነዊሕ ታሪኻዊ ኣመጻጽእ'ዩ ዘለኪ ዝመስል። ንኣነጋግራኺ ብትኽክል ተረዲኤዮ እንተኾይነስ፡ ካብ ትመሃዚ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ታሪኽ ተፈጥሮ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ሃስያ ኣውሪድኪ ኣለኺ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይመስልንሞ፡-  ናብዚ ቦታ፡ ናብ ኣፍሪቃ ዝመጻኽሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን ኣይነገርክንንኮ፧

  • ቀልሃ
- እወ ሓቅኻ፡፡ ግን ካብዚ ከባቢ መበቆል ከምዘለኒ ግን ኣቐዲመ ነጊረካ'የ። ኣብ ዓደይ ነይረ፡ ናብ ዓደይ ከኣ መጺአ እኔኹ። ካልእ ክፋል ኣካለይ ኣብዚ ዘይኮነስ፡ ገሊኡ ካብ ኣውስትራልያ፡ ገሊኡ ካብ ኣሜሪካ ገሊኡ ኣብ ሩስያን ቻይናን'ዩ። ደቂ ሰባት፡ ሰብ መታን ክቐትለሎም ኢሎም፡ ካብ መሬት ፈፍሒሮም የውጽኡኒሞ፡ ኣብ ኢንዱስትሪታት ከምብሓዲሽ ሰኒዖም ከኣ ንደገ ይሸጡኒ። ማለት ኣብዘን ዝሓበርኩኻ ምዕቡላት ሃገራት፡ እልቢ ዘየብሉ ገንዘንብን ጉልበትን ሓንጎልን ድሕሪ ምህላኽ፡ ተሰሪሐ ንስራሕ ድልውቲ ኴነ ይወጽእ።ካብኡ ምስ ብጾተይ ቀልሃታት፡ እንደገና ሰብ ክቐትል፡ ብሚሎታት ቶናት ኣብ መራኽብ ተጻዒንና፡ ብገንዘብ ተዓዲገ እነዂልካ መጺአ።

  • ሓታቲ፦
ኣብ ንግዲ ዓለም'ውን እጃም ኣለኪ ኢኺ ትመስሊሞ፡ 'ሰባት ኣብ ንግዲ ክሳብ ክንደይ ቈላሕታ ይገብሩለይ'ዮም' ትብሊ፧


....ይቕጽል..

ምንጪ፥
 PBS, gunn time-tine history: https://www.pbs.org/opb/historydetectives/technique/gun-timeline/ 
Wikipedia/ https://en.m.wikipedia.org/wiki/Bomb  

በምሕረቱ ያድሕነነ እመዓቱ፡ በእንተ ማርያም ወላዲቱ!

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ተቐማጢ-ዲያስኮራ ወዲ ዲያስፖራ....!

"ስርሓትካ ወርቂ ብህሎኻ ሓቂ ሳላኻ ተሓሊፉ ዓጸቦ ተሰጊሩ መጻብቦ ከብድና ሓምሊ ተጸይኑ ብጡዕም ብልዒ ተዊኑ ዝዓረቐ ዝባንና ኣመስጊኑ ሳላ ሓዋላ ድኻ ተሳኢኑ ሳላኻ ተመርዒና ብጁባኻ ኮርዒና ተቐማጢ ዲያስቆራ ናይ ቆ...