tirsdag 16. mai 2023

ኣብ ስደት 'የ ፈሊጠኪ !!

በስመ ሥላሴ

ኣብ ስደት'የ ፈሊጠኪ!

ብኑኡሰይ'ኳ ቀሚሰ'የ ኣጥባትኪ

ገና እንከለኹ'የ ርእየዮ ምስልኺ

ብኻ እናሻዕ ብዕሸለይ በጺሐኪ

ኣዝዩ ብዙሕ ነይሩኒ ዝሓተኪ

ኣበይ'ሞ ኣንቲ ስልምቲ ጐጆ

ዕድመይ ሓሊፈዮ ክብል ንዮው-ነጆ

ንስኺ እንከልኽንስ ሃኒጸ ኣጒዶ

ኣጒዶ በኣጒዶኣ ግዚያዊት ኣጒዶ

ናይ ቃየል ደምበ ብእሳት ዝንደዶ

ወዮ ጥረሐይ እንከለኹ'ዚ ባዶ

ምልኣት ይስመዓኒ ነይሩ

ይርኢ ይመስለኒ ኣዕይተይ ብዕውሩ


እወ ብሰረይ'የ ነፊገኪ

ጥቓይ 'ንከለኺ ኣዝየ ርሒቐኪ

ዘይሕቆፍ ይኾነኪ ነይረ ጋዶ

ይዝከረኒ ቀጽርኺ እንክሳለሞ

ብማዕዶ-ማዕዶ!


ሕጅስ ኣብ ስደት'የ ፈሊጠኪ

ሞገተይ ቀቲለ ጀሚረ ክሓተኪ 

ብዘገምታ ክሰንቆ ዘይብቀቕ ፍልጠትኪ

ኣብ ስደት'የ ብዛዕባኺ ዝያዳ ሰሚዐ

ጽንዕቲ ምዃንኪ ጸኒዐ

ብዙሕ ምኽሳረይ ነቢዐ

ኣብ ድርኩዂትኪ ተቢዐ

ኣደይ ምዃንኪ ኮሪዐ

ቤተ-ኤል እናበልኩ ጠሪዐ

መብጽዓይ ንፈጣሪ ተመባጺዐ


ብኻ ብቕድሙ ልዳትኪ ስዒመ

ብኻ ብኣግኡ ብፊደልኪ ፈሊመ

ብኻ ካብ ሽዑ ብልሳንኪ ለሲነ

ብኻ ንሕቶይ ከሊሰዮ ደጋጊመ

እምበኣር ሕጂ'የ ኮይነኪ ጋሻ

ኣብ ስደተ-መገሻ ብዛዕባ ውርሻ

ክሓስብ ገይርክኒ ከይከውን ዓሻ


ብመንፈሳውነት ከተሳልይኒ

ብመንፈስ-ቅዱስ ከተሙቚኒ

ንስኺ ኢኺ እትመርሒ

ንስኺ ኢኺ መምርሒ

ሕትምቲ-መጽሓፍ እትንበቢ ከብሒ


ሕጅስ መጺአኪ'የሞ ሕቖፍኒ

ቤተ-ክርስቲያነይ ኣይትጸየፍኒ

ነቲ ትፈልጥዮ ከተፍልጥኒ

ነቲ እትኽእልዮ ከተኽእልኒ

ነቲ ትጽበይዮ ከተረድእኒ

ኣለኒ ሕቶ-ብዘይ ርእይቶ

ኣእምሮይ ዘይግምቶ

ብእመት ዘይእመት

ብእምነት ዝእምቶ


ጥንታዊ-ምልኣቱ ጽበቱ-ልደቱ

ስጋዊ-ሕይወቱ ድኻሙ ውድቀቱ

ጥበቡ-ርቀቱ እሳቱ ምሕረቱ

ኖላዊ ትግሃቱ ዝስዕር ብሞቱ

እወ ንስኺ'ኺ ኣቅሌስያ መርዓቱ

እትፈልጢ ናይ ሰማይ ናይ ምድሪ ልደቱ


ንስኺ መሕደሪቱ ኣብ ምድሪ ታቦቱ

ዶግምኡ ትውፊቱ ኣምልኾ ስርዓቱ

መን'ሞ ኣሎ ብዘይካኺ ነዚ ዝውንኖ

ንወጣኒ ይኹን ማእከላይ ፍጻመ ዝኾኖ


ንገት ነታ ናይ ኣዳም ኣቅሌስያ

ኣብ ስደት ኣብ ባዕዲ ኣርኣያ  ኴንክያ

ርሑቕ ሰፊረ መታን ብማዕዶ ክርእያ

ብኣኺ'ዩ ዝገሃድ ዋግዋጎ ጸሓያ

መን'ሞ ኣሎ ብዛዕባኣ ክንዳኺ ዝፈልጦ

ብዘይበኣኽስ በየናይ ከይእቶ!


እምበኣር ብዛዕባ'ዚ ኲሉ ዝተኸለሰ

ካልኦት ዝበጽሕዎ ንዓይ ዘይተመለሰ

ክሓተኪ ነይሩኒ ቅድም ብዓንተዎ

ኣክንዲ ኣብ'ቲ ዝወለድክኒ ኴነ

ሃቐናኺ ከይህቅን ንፍትወተይ ከዲመ

ብትልምኺ ተሊመ ንዂሉ ከየንቃዕድዎ

ንፍጹም መኣድኺ ኣክንዲ ዝምገቦ

ብጽሩይ ጠልኺ ርስሓተይ ከይሕጸቦ

ይዋእ ኣይገበርክዎን!


ስጋይ ወጢጥኒ ደገ ምስ ወጻኹ

ዑቕባኺ መሲጥኒ ናባኺ ምስመጻኹ

ሽዑኡ'ዩ መጺኡኒ'ዚ ዂሉ ሕቶ

ኣእምሮይ ዘይገመቶ

ብእመተይ ዘይክእል ክእምቶ

ብእምነት ደኣ ዝዕየር ሃይማኖተይ ዝእምቶ

ከርዳእ ከምዝደሊ ገይርክኒ

ንውሽጠይ ኣለዓዒልኪ ቀስቂስክኒ

ሕቶታት ሰሪሕኪ መልሲ ኴንክኒ


ኣየ'ወ!

ብዛዕባ'ቲ ገንሸል ዝተበጀወ

ብዛዕባ'ቲ ብስጋ ተገሪፉ ደሙ ዝኸዓወ

ኣብ'ቲ ጎልጎታ ጎቦ ቀራንዮ

ንናይ ኣዳም ቦታ ብወግዒ ዝሓረዮ

ብዛዕብኡ ክርዳእ ነይሩኒ ባህጊ

ነይሩኒ ሓደራ- ሕድሪ ናይ ወለዲ

ሕድሪ ናይ ኣበሓጎ ሕድሪ ናይ ዓዲ



ከምቲ ጥንታዊ ሰብ ኣዳም

ጸጋኡ ከሲሩ ምስ ዝወጸ ንግዳም

ኣብቲ ግዳም ዝኾንክዮ ገዳም

ክንዮ ምድሪ ዙዓር ብማዕዶ ዝተሰለመ

ብእሾኽ ተሰሎንቊ ውሽጡ ምስ ባደመ

ተስፋ ኣስኒቕክዮ ንብዓቱ ሓቢስክዮ

ኣነ'ውን ጋሻኺ'የ ዝመጻኹ ካብ ግዳም 

 ስደት'የ ዘለኹ ምስ ጎሞራ ሶዶም

መዕቖቢት ግን ኴንክኒ ምድራዊት ኤዶም!

ቤተ-ክርስቲያት ደገ-ሰላም ኣፍ-ደገ ኤዶም!

ሎቱ-ስብሐት!


Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...