በስመ ሥላሴ
ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ!
ማቴ15፥22
ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ
ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ
ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ
ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ
ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ
እናሻዕ ይንኖ ካብ ቤትካ ይወጽእ
እናሓንሳእ ትዝ ትብለኒሞ ይፍትን ክትንስእ
ምሕረትካ ዘዘኪረ ከይተሰከፍኩ ስምካ ይጽውዕ
መገደይ ንኽዕረ እናሻዕ ይግዕር ይጠርዕ
"ነታ ክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ
ከም ዉሉድካ ቈጺርካ ዝሓቖፍካ
ኣነስ ኣበይ ደኣ ከይርሕቐካ
ፍጡርካ እንድየ ክሉል ብዕምኮኻ"
ኢለ ይምሕጸን
የስምዖም ነቶም ዘስምዑኻ
ስለዘይበቅዕስ ይጽጋዕ በቶም ዝበቚዕኻ
ንስኻ ድማ ግብጽ ትብለኒ
ነዛ ክናኣናዊት ነፍሰይ
"እንጀራ ውሉድ ኣይወሃብን ነኻልብ!"
ኢልካ ትወቕሳ እናሻዕ ትዂስኲሳ
ምህላውካ እንከሎ ኣብ ኲሉ
"ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ!" ኢልካ ትሓተኒ
ምሕረት ከምዘድልየኒ እናፈለጥካ
"ክትመሓር'ዶ ትደሊ ኢኻ!" ትብለኒ
ኣቤት ሰሚዕካ ክትእሎ
ኣቤት ምሒርካ ክትክእሎ
ኣቤት ሓቲትካ ክትክእሎ
ኣቤት መሊስካ ክትክእሎ
ኣቤት ምሂርካ ክትክእሎ
ኣቤት ሓቚፍካ ክትክእሎ
ነዚ ብዝዋብዕ ደም ተተቲዑ
ብዂሎም ውድቀታት ጸሎሎ መሲሉ
ዘሎ ክናኣናዊ መንነተይ
ኣብ ቤትካ ተተኺሉ
ክነብር ከምዘይጀመረ
'ምስቶም ቀዳሞት ኔረ
ምስ ዳሕረዎት ተቘጺረ!'
ኢለ ይሓስብ ቃልካ ዘዘኪረ
ነዚስ ኖንዶ ንስኻ ኣነ ደኣ ከመይ ክርስዖ
ኖንዶ ንስኻ ንመሓርነትካ ከመይ'ለ ይዝንግዖ
ንስኻ ኣንታ ለዋህ ኲሉ ትፈልጥ
ከምዘፍቅረካስ ንስኻ ትፈልጥ
ምስቶም ዝጀመሩ ከምዝጀመርኩ
ምስቶም ዝተመሓሩ ከምዝተመሓርኩ
ምስቶም ኣብ መዝገብካ ዝሰፈሩ
'ዉልድ' ተባሂለስ ከምዝሰፈርኩ
እወ ንስኻ ትፈልጥ
ድግምጋም ምሕረትካ
ንድግምጋም ውድቀተይ
ከመይ'ሉ ከምዘሐለሎ
እወ ትፈልጥ ኢኻ ብሓጢኣት ክልሎ
ትፈልጥ ኢኻ ክመሓር ብተሎ
እቲ ቅድም
ውሽጠይ ብሓዘን ከምዘይነበዐ
ትፈልጥ ኢኻ
ብድግምጋም ትፋእ ከምዝጸነዐ
"ነታ ክናኣናዊት'ኳ ዝሰመዐ
ነቲ ጒሁይ ልባ ብምሕረቱ ዘጸናንዐ!"
ኢለ ከምዘይ ተማህጸንኩ
ነዚ ከራን ስነ-ምግባረይ ከምዘይተጸየንኩ
ከናኣናዊት ነፍሰይ 'ታይ ተሪፍዋ
እነሀት ሓሻካ
ኣሻባ ተመሊሳ ናብ ጫካ
መልክዓ ተበሊሉ ሕልናኣ ዓሪብዋ
ኣበይ ከይትህሉ 'ታይከ ከይህልዋ
ኲልንትናኣ ተሓሊሉ
ሶዶም ዓብሊልዋ
ጎሞራ ዉሒጥዋ
ሓዳገ-ኣበሳ ተዘይትኸውንሲ
በየን ምተረኽበ ፈውሲ
ምድሪ-ቤተይ ኣሺኹ
ሰብነተይ በዂቢኹ
ንእደይ ፈሪሱ ዘይምቹእ ማእሲ
ኣይምኸኣልክዎን
ኣይምለመድክዎን
ግና ሳላ'ቲ
ዝዛሪ ምሕረትካ
ሳላ'ቲ ዝራሩ ለውሃትካ
እናሻዕ ትድሀ ትጽውዓኒ
ካብ'ቲ ሸብዳዕዳዕ ስሒብካ ተውጻኒ
'ሞ ኣነ ኸኣ ይገርመኒ
እቶም ፍቑራትካ ይግረሙ
ንብዓተይ የሕዝኖም'ሞ ይልምኑ
ምሕረትካ ይግለጽ'ሞ ድግሶም ይዓጥኑ
"ኣንታ መሓሪ መሓሮ ግዳ
ኣንታ ጸዋሪ ኣቕልለሉ'ንዶ ዕዳ"
ይብሉ እናሻዕ ይምሕጸኑ
ክሳዕ ሽርሒ ሰዶም ካብ ውሽጠይ ዝዓኑ
ወትረ ይማልዱ ይልምኑ
"ነታ ክናኣናዊት'ኳ ዝሰመዐ
ነቲ ጒሁይ ልባ ብምሕረቱ ዘጸናንዐ
ንዓይ'ውን ምስ ኣብርሃም ይሕሸኒ
ዉሉድካ'የ ክናኣን ዝሰፈረይ
ኣይትመንነኒ ምሕረትካ ኣብዝሓለይ"
ኢለ እንክጽውዕ ከም ድፍረት ኣይትቚጸረለይ
ምሕረቱን ለውሃቱን ናይ እግዚአብሔር፡
ጸሎትን ማልዶትን ናይ ቅዱሳን
ወትረ ኣይፈለየና።
ሎቱ ስብሓት!!