fredag 8. august 2025

ነገራት ካብ ክትሃንጾም፣ ከተፍርሶም ይቐሉ

 በስመ ሥላሴ!

ከምቲ ብዙሓት ኣቦታት ዝብልዎ፣ ምሕዝነት ይተርርን ይልሕልሕን'ዩ። ሕውነት ይትከልን ይንቀልን'ዩ፣ ፍቕሪ ይዕምብብን ይቕምስልን'ዩ። ሃብቲ ይዋህለልን ይንከን'ዩ። 'ንዂሉ ገግዚኡ ኣለዎ!' ከምዝበለ ጽሓፊ ቅዱስ ጥበበኛ ሰሎሞን፣ ኲሉ መመስርሑ ኣለዎ።


ሕንጻ ንምሕናጽ ነዊሕ ግዜን፣ ኣዝዮም ብዙሓትን ዝተፈላለየ ብልሓት ዝውንኑ ሰብ ሞያን ይጠልብ።ንኣብነት፣ ኣብቲ መጀመርታ፣ ስእልን ቅርጽን ሕንጻ ዘዳሉ ጆሜትራን፣ ልሳን ጆሜትራ ዘዳምጽ ኮንትራክተርን የድልዩሞ፣ ብኡኡ መጠን ኲሉ ስራሕ ሓደ ኢሉ ይፍልም። መሬት ዝምድምዱን ጎዳጒዲ ዝዂዕቱን ኣለዉ፣። ጸወርቲ ዓንድታት ናይ ካሻሽስትሩስ መሰረት ናይቲ ሕንጻን ይፍለም። ድሕሪኡ ቼሜንቶ ዘብዕጡ ሞኒባለ፣ ነዳቖ፣ ኤለክትርሻናት፣ ትቦታት ዘዋድዱ፣ ማቶኒ ዘንብሩ፣ ናሕስን ቦሎፎንን ዘንብሩ፣ ሕብሪ ዝለኽዩ፣ ሽንቲ ቤት ዘስተኻኽሉ. . . ኣዝዮም ብዙሓት በብመስርዖምን በብክፍሊቶምን ብትግሃት ይዓዩሞ፣ ድሕሪ ነዊሕ ግዜን ሃልክን ሕንጻ ይዛዘም። ልዕሊ ኲሉውን በብዓይነተን ማሽኔሪታት ኣብ ግምት የእቲኻ'ዩ። ነዚ ብዙሕ ዋጋ ዝተኽፍለሉ ሕንጻ ንምፍራሱ ግን ክንድቲ ብዙሕ ኣሸጋሪ ኣይኮነን።


ሕውነት'ውን ወዮ ደኣ ብዙሕ ሰብ ኣየስተብህለሉን'ዩምበር፣ ብቐሊል ዝትከልን ዝምእከልን ኣይኮነን። ካብ መሰረቱ ክሳብ ጒልላቱ ኣዝዩ ብዙሕ ውረድን ደይብን ዝጠልብ'ዩ። `ሓወይ`ዩ ሓፍተይ`ያ!' ኢልካ እትምክሓሉ/ላ ሓውካ ይኹን ሓፍትኻ፣ ብቐሊሉ ዘጥረኻዮ ሕውነት ኣይኮነን። ሓውካ ምዕባይካ ይኹን ምንኣስካ ኣብ መንጎኻ ክሕከኽ ዝኽእል ዘይመስል ስምዒት ኣሎ። እዚ ሕውነታዊ ስምዒት'ዚ ብላዛን መኣዛን ክብርን ምክብባርን ሓልዮትን ምትሕልላይን ኣርኣያን ምዕባይካ/ምንኣስካ ምርኣይን፣ ኮታ ኣዝዮም ብዙሓትን ንሓድሕዶም ዘይነጻጸሉን ገጸ-ባሕርይ ክህሉ ዝገብር'ዩ። ነዚ ሒዙ’ዩ'ምበኣር ሕውነት ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝዓኲኽ። ሕውነት ዘይሕከኽን ዘይድምሰስን ዝመስል፣ ንምድሳሱን ምብራዙን ግና ምንም ግዜ ክወስድ ኣይክእልን'ዩ። ዝተጻልኡን ዝተባተኹን ኣሕዋት ክንደይ ግዜ ዘየጋጠሙና። ብዙሓት ኣሕዋት ዝበኣሱን ዝናኸሱን ብቐሊሉ'ውን ዝከሳሰሩን፣ ምላልባሽ ሓዲኦም ንሕውነት ኢሉ ዋጋ ዝኸፍል ዝነበረ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ቀልቀሉ እናጸረገ፣ ብሽንቱ እናጠልቀየ ሓዚሉ ዘዕበዮ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ኻልእ'ውን ንስለ ሕውነት ክብል፣ ብያትን ሽንቲ ቤትን ጸዓዱ ሓጺቡ፣ ንሓዉ ካብ ዘይውጻእ ከፊሉ ዘውጸአ፣ ዘመርዓወ ዘደራጀወ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሓው ንሓው ክብል ብዙሕ ክኸፍል ዘንቀሎ ሓይሊ፣ እቲ እናሸተቶ ዝዓበየ ናይ ስድራ-ቤታዊ ሕውነት'ዩ። እዚ ኲሉ ግን ብሓደ ግዜ ሃደሽ-ደሽ ንክብል ብዙሕ ዋጋ ኣይጠልብን'ዩ።

ናይ ሕውነትን ጓናነትን መንቀሊ፣ ፍቕር'ዩ። ማለት ሰብ ጓናኻ ዝኸውን ስለጸልኣካ ኣይኮነን። ሓውካን ሓላይኻን ዝኸውን ግን ስለዘፍቅረ'ዩ። በንጻሩ ሓውካ እንተርሒቕካ ወይ እንተነጺልካ ግን፣ ኣብ መንጎኻ ገለ ነገር ጎዲሉ ኣሎ ማለት'ዩ እምበር ስለዝእውደካ ወይ ሰለትእውዶ ኣይኮነን። እዛ ምስ ብዙሕ ሰብ ከተራኽብን ከተቀራርብን እትኽእል ዓቢ ሚና እትውንን ፍቕሪ፣ ንምፍራሳን ናብ ጽልኢ ክትቅየርን ብዙሕ ሃልኪ ትጠልብ ኣይኮነትን። ከምቲ ፍቕርን ሕውነትን ክትሃንጾ ነዊሕ ኣስካላን መደያይቦን ዘድሊ፣ ንምፍራሳን ምንቃላን ግን ደቓይቕ'ውን ኣይወስድን'ዩ።


ተመልከት፣-

ሃብቲ ከተጥርዮ ገዲሊ፣ ከተጥፍኦ ስድሪ`ዩ!

ዓወት ከተምጽኦ ረጽሚ፣ ክትከስሮ ቊልዒ`ዩ!

ፍቕሪ ክትተኽሎ ሃልኪ፣ ክትምንቊሶ ፈልሲ`ዩ።

ሕውነት ንኽበቊል ካብ ነዊሕ ዒላ ብገመድ ገሊልካ ማይ ተስትዮ፣ ንኽሓርር ግን ገመድ ምብታኽ ጥራይ'ዩ ዝደሊ።


ሕንጻ ንምሕናጹ ሓሽከት ጒልበት፣ ንምፍራሱ ግን ሓደ ቅልጽም ጥራይ ይኣኽሎ'ዩ።

እምበኣር ነገራት ይሕነጹን ይፈርሱን፣ ይትከሉን ይንቀሉን፣ ይዓብዩን ይቚጸዩን ደኣ ይኹኑ'ምበር፣ ካብ ክትሃንጾም፣ ከተፍርሶም ይቐሉ። መልክዕን ጽባቐን ሒዞም ዝረኣዩና ነገራት፣ ብድሕሪ መጋረጃኦም ኣዚዩ ብዙሕ ጥበብን ጻዕርን ተኾልኲሎም ስለዘለዉ'ዮም። ፈሪሶምን በስቢሶምን ዝረኣዩና ነገራት ግን፣ ምንም ዝረአ ይኹን ዝተሰወረ ነገር የብሎምን። ካብ ባርዕ ይኹን ማዕበል ክሳራ'ምበር ጥቕሚ ኣይርከብን'ዩ። ባርዕ ብንጣር ሓዊ፣ ማዕበል ከኣ ብሓንቲ ንጣብ ማይ ይጅምሩ። ኣሉታውያን ነገራት'ውን ከምኡ፣ ብንእሽቶ ይጅምሩሞ ዝበኣሰ ሓደጋ የውርዱ። ሓውን ባሕርን እንተጠንቂቕካሎም ጠቕምቲ'ዮም፣ እቲ መግቢ ኣብሲሉ ይምግበካ፣ እዚ ድማ መራኽብ ተሰኪሙ ዘድልየካ ነገራት ይጓርተልካ። እንተዘይኮነ ግን ሓደገኛታት`ዮም። ኲሎም ኣወንታውያን ነገራት’ውን ከምኡ፣ ኣሉታውያን ንክኾኑ ብዙሕ ዝጠልብዎ ነገር የብሎምን።


ማዕጺድሲ፣ ቀጥቂጥካ ክትሰርሓ’ዩ ሃልኪ’ምበር፣ ክትሰብራስ ጸዓርዓር ኣየድልየካን’ዩ።ከምኡ’ውን ዝፈረሱ ነገራት ዳግማይ ንምጽጋኖም ዝጠልብዎ ዋጋ ቀሊል ኣይኮነ። እወ፣ ማዕጺድ ናብቲ ዝነበረቶ ናብ ትኽ ዝበለ ሓጺን ክትቅይራ ይከኣል`ዩ፣ እትኸፍሎ ዋጋ ግን ቀሊል ኣይኮነን!


ስብሐት ለእግዚአብሔር ለዘአብጸሐነ እስከ ዛቲ ዕለት!




onsdag 6. august 2025

ትውልዲ ከሲሩ - ጓና ከሲቡ!

በስመ ሥላሴ

ትውልዲ ከሲሩ
ኣብ ሰጣሕ ሜድያ
ምውዓሉ ምሕዳሩ
ብኣልቦ መሃያ
ደረቱ ገቲሩ
መሲልዎ ምያ
ክሻየጥ ብኽብሩ

"ኣየኸ ትውልዲ
ሕደግ እንዶ ልብኻ
ይእቶ ዓዲ
ኣይትሽጥ እንዶኻ
ኣይትሃቦ ንባዕዲ"
እናኽብል ለባም
ስኢኑ ሰማዒ
ዕርቃን ተቐሊዑ
ጸላም ገሪምዎ
ገጠር ተረሲዑ
ጎደና ክዒብዎ

ናይ ሎም ትውልዲ
ብዛዕባ ወለዲ
ነይብሉ ግዲ
እግዚሔር ኣይፈርሕ
ከምሰቡ ኣይበልሕ
ኣይጸመአ ኣይጠመየ
ኲሉ ከም'ተኸለአ
ክብረቱ ብርካሽ
ሕፍረቱ ንኣቕራሽ
ሸይጡ ደርብይዎ
ጓና ከሲብዎ
ክብሪ ትውልዲ
ብሕሳር ዓዲግዎ!

ብዋጋ ትውልዲ
ጓና ከሲቡ
ብዘይሳንቲም ሰልዲ
ቆፎኡ ዘቕቢቡ
ትውልዲ ከሲሩ
ረሲዕዎም ሰቡ
መዓሩ ዓርዒሩ
ጓና ተደሪሩ
ሕይወት ብዕንወት
ሕልና ብዕርበት
ናይ ጽባሕ ድራሩ
ኲሉ ተበርቢሩ
ጓና ሃጢሩ
ትውልዲ ከሲሩ
መጻኢ ቀምሲሉ
ብርሃኑ ሓሪሩ
ትውልዲ ዓቢሩ-ጓና ሃጢሩ!
24.March 2025.

fredag 11. juli 2025

ተቐማጢ-ዲያስኮራ ወዲ ዲያስፖራ....!

"ስርሓትካ ወርቂ

ብህሎኻ ሓቂ

ሳላኻ ተሓሊፉ ዓጸቦ

ተሰጊሩ መጻብቦ

ከብድና ሓምሊ ተጸይኑ

ብጡዕም ብልዒ ተዊኑ

ዝዓረቐ ዝባንና ኣመስጊኑ

ሳላ ሓዋላ ድኻ ተሳኢኑ

ሳላኻ ተመርዒና

ብጁባኻ ኮርዒና

ተቐማጢ ዲያስቆራ

ናይ ቆፎና ኣውራና

እቶት ናይ ኤርትራ

ክትሰርሕ የንብርካ

ሞት ይጸየንካ!"


ይብሉ የዕልሉ

ብዛዕባኻ ኣብ ዓዲ

ባዶነት ጁባኻ

ውሻጠ ቃንዛኻ የግዲ

መን ይንገረልካ

ዲያስፖራ ምስፋርካ

መን ይቀንዘወልካ

ናይ ምንባሮም ዓንዲ

ንምዃን ኢኻ ዝመረጽካ ባዕዲ


ኣዋርቕ ተኸፊሉ ሳህራ ክትስንጥቕ

ኣረውሕ ተሽይጠን ባሕሪ ከይትጠልቕ

ነጋዶ በኣኻ ይዋጠጡ

ሰምሰርቲ ብነዓይ-ንዓይ ይፋጠጡ

ዘይትነጽፍፍ ሕልቦ

ንምዃን'ዩ 'ኮ 'ዚ ዂሉ መጻብቦ

ርሑቕ ሰፊርካ

ማሕዲግ ካብ ዓደ-ቦ


ትደክም ኣይመስሎም ትበኪ

ትስእን ኣይመስሎም ትደኪ

ተበሃጊ ኮይንካዮም ዘይትስልኪ

ኲሉ ንዓይ-ንዓይ ይብለካ

ውዕዉዕ ዕዳጋ ተገይሩልካ


መስገሪ እግርኻ እልፊ

መምለሲ ሬሳኻ ብዘይትርፊ

ምዃኑ ግን መን  ይፍለጠልካ፧

ብዘይካ ፈጣርስ መን ይሕለየልካ!


ብድሆ ናይ ዲያስፖር

ዕግርግር ብኣኻ ይጅምር

ብኢንተርኔት ምንቛር

ደናጒላ ምድርባይ

ሰልፊ ናይ ኣደባባይ

ረበሻ ቤተ-ጸሎት

ምድፋር ንካህናት

ምቕታል ንዛቚኖት

'ታይ ዘይተሰምዐ

'ታይ ዘይተራእየ

መንከ ዘይነበዐ!


ብጭንቀትን ስእነትን

ኣእምሮኻ ክትስእን

ኣብ ኲሉ ክትክላእ

ነብስኻ ክትጸልእ

ኣብ ሜድያ ምውዓል

ኣብ ሜድያ ምሕዳር

ከም ነቡር ለሚዱካ

ምቕታል ነብሲ-ማትካ

ኣብ ማሕዩት ምስፋር

በጃ ንእስመትካ

በጃ ስደትካ

ብዘይካ ፈጣርስ

መን ይደንግጸልካ


'እንተትምርዖ እንተትወልድ

እንተትትከል እተትዘምድ'

ኢሉ ዝሓልየልካ ተሳኢኑ

መጻኢ ወለዶኻ ቀሪቡ ክዓኑ


ብዘይንቡር ትሕጸ ብዘይንቡር ትምርዖ

ዘይንቡር ሽሻይካ-ጓናኻ ይበልዖ

ዘይንቡር ጓይላኻ ጓና ይስዕስዖ

ብዘይንቡር ትፋረ ዘይንቡር ትወልድ

ጥምቀትን መርዓን ብሓደ ተዋድድ

ሕጻናት ደቅኻ ብዘይናቶም ይዓብዩ

ንስኻን ኣሕዋትካን እናሻዕ ትጓነዩ

ጎራሓት ሰብ ረብሓ ብኣኻ ይዋገዩ

ፓርላማ ወጻኢ ብድምጽኻ ይለሃዩ

ወዲ ዲያስፖራ

ናይ ጽንተት ኣውራ

ትረኽቦ መከራ


እምበኣር ኣነ

ሓንቲ ክብለካ ስምዓኒ

ከዘኻኽረካ ህ...! ልመደኒ

ዲያስቆራ ክትቀምሶ ምራራ

ክትርእዮ ዞዓር ክትለምዶ ኣንቆራ

ክትረብሓሉ'ውን ኣይምሰልካ ብሽጣራ

እንታይ ደኣ ኲላ ብሜላ!


ምኽንያት መስደዲኻ ዘይምርሳዕ

በትሪ ጎራሓት ካብ ምዃን ምጥንቃቕ

ስቕታ ጸዓዱ ምልማድ

ሽጣራ ዲያስፖራ ምኽሓድ

እዚኣ ከኣላ

ዕላማኻ ዘይትወቅዕ ወንጭፍሲ

 ኔው ደኣ በላ

እወ ኔው በላ!

ChatGPT's created image

Diasporas' tear!

The image is created by ChatGPT

mandag 7. juli 2025

ተዛረብ-ጒድጓድ፡ ተዛረብ-መቓብር!

በስመ ሥላሴ

ተዛረብ-ጉድጓድ ተዛረብ-መቓብር


ንሰብ ፍቕሪ ጎዲልዎ

ቅርሕንቲ ቂም በቐል ዓብሊልዎ

እጅገ ንነገር ክስብሰብ

ልቢ ጽልኢ እንክሕለብ

እናረኣኻ'ዚ ዂሉ ምርብራብ

ተዛረብ'ንዶ ጉድጓድ

እንተስ ኣልቃሲ ክመዓድ

እንተስ መዋቲ ክስምብድ

ደርጒሕ ድምጽኻ

ብዓውታ ወይ ብሕሽኽታ

ኣንጎድዶ ኣስምዓና ስምዕታ


ረኣዮ'ሞ ነዚ ሰብ

ዕርቁ ተሰዊሩ ነውሪ ጋሪድዎ

ምእካብ ኣብ ቀብሪ ንቡር ገይርዎ

ዘፍቀረ እንክመስል ንብዓቱ ይዛሪ

ከምዝተዓረቐ ይእከብ ኣብ ቀብሪ

ፍቕርን ዕርቅን'ዶ ድኣ ሬሳ ምነሰኦ

ንሰብ'ዶ ኣይኮነን እዚ ኲሉ ዝግበኦ

ካብ ብሓሽከት ንብዓት ንመዋቲ ዘሰኒ

ምትሕልላይ ኮነ ቊንጣሮ ፍቕሪ

ቅድሚ ሞቱ ንሓድሕዱ ተዘሳኒ

ክንደይ ኮን ምርሓቐ'ዚ ኲሉ ግኒ!


ግን ኣንታ ጒድጓድ

ብዘይ ነግ-ፈረድ

ንሰብ ነዚ ማንም ዘይደፍሮ

ደፊርካዮ ስሙ ብሬሳ ቀይርካዮ

ታሪኹን ዝንኡን ከይፈራሕካዮ

ንምውሳዱ ንቡር ጌርካዮ

ናብ ጒድጓዱ

ለካ ከይፈተወ ይውሰድ ተገዲዱ


እዚ ቀባሪ ደኣ ብንታይዩ ኣፍረሓካ፧

ውሽጡ ብነውሪ ደጊኡ ብፍቕሪ

ብይምሰል ጻዕዳ ጸምሪ ጻዕዳ ልብሲ 

ለቢሱ ከልቅስ ክወግሕ እንክመሲ

እንተረኣኻዮስ ካን ካብ ቅድሙ

ኣፍቃርን ሓላዪን መሲልካ

ሕተቶ'ዶ ዋላ ነቲ ሬሳ

ብቋንቋኹም ተረዳድኡ ተመሳኸሩ

ስበኸና ገለ እንተኾነና መለሳ

ዓው ኢልኩም ጨድሩ

ሓቀኛ ጽልኢ ክመሖ ካብ ስሩ

ሓቀኛ ፍቕሪ ክበቊል ከስፍሕ ሰራውሩ

ተዛረብ ጒድጓድ ቀባሮ ከይተቐብሩ


ስቕታ ግን ጒድጓድ

እንታይ'ዩ ጥቕሙ

እንትርፎ ክገድድ ምጽልላእ

መዓስ ከይጅምር ምምልላእ

ንሰብ'ሞ ብዜይካኻ መን'ዩ ክእርሞ

ሕደግ መቓብር ስቕ ኣይትበል

ነቲ እትፈልጦ ኣይትዓባብጦ

ጉድና ክእለ

መገድና ክዕረ ሓዲኡ በል

ኣፍካ ብኽፍቱ ዓባስ ኣይትምሰል

እወ!

ዋላ ሓንቲ ቃል ተዛረብ

ንልቕሶ ቀባሮ ካብ ትሰትሮ

ብምዕሮ ወይ'ውን ብቚንጣሮ

ልብናሞ ቅልዓዮ በርብሮ

ኣስምዓዮ ድምጽኻ ሓንቲ ቃል ንገሮ


ሽዑ ሰብ ክጅምር'ዩ ክሓሊ ንሰብ

ኲሉ ክእከብ'ዩ ብፍቕሪ ክላዘብ

ሰማይ'ውን ምኸፈተ ኣእዛኑ

ብዘይ ምርብራብ በረኸቱ ክፍኑ

ደርቂ ብሽሻይ ምተቐያየረ ሚዛኑ

ስቕ ብምባልካ ግን ጒድጓድ

ብዘይካ ጽቡቕ ኲሉ'ዩ ተሳኢኑ!

ሎቱ ስብሐት!!



fredag 20. desember 2024

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!


በስመ ሥላሴ

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!

 መዘና ነይሩና ካብ ኲሉና ዝወዓየ

ኣኸዓየ ከይተባህለ ኣብ ካልኡ ዝዓበየ

ሰማይ ከይነጐደ ከተማ ዝረኣየ

ሰልዲ ዝለመደ ጥሪት ከይጓሰየ


ነይሩ ዓርክና ንፉዕ በዓል ሸቐጥ

መሃብን ምቕባልን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ

ልሳናት ዘብዝሐ ዝረስዐ ናይ ኣዲኡ

ብህሮሩማ ጽሓይ ዝኾልል ፈቐድኡ

ፈቐዶ 'ናኣውተቡስ ፈቐዶ ከተምኡ

ሸቂጡ-ሸቓቒጡ ዘደንፈዐ ጅቡኡ

ዓድና ተመሊሱ ምስ መለአ እንጀርኡ

ዱንኳን ተኺሉ ብወዝቢ

ሕዝቢ ናብ ዱንኳኑ ዓሲሉ

ደሓራዩ ግን ኣይግድን እንድዕሉ

ናይ መዘና ገይርናዮ ኣዚና ሻቒልናሉ


ክልተ ኴንና ኬድናዮ 'ንከሎ ኣብ ዱንኳኑ

ስለዝሰጋእና ሸቐጡ ከይዓኑ

ምኽሪ ይኹን ሰልዲ ከይሰኣኖዶ ዋጋ

ድግፍ ከነብሎ ከይከሰረ ብኣጋ

ኢልና ዝመጻናዮስ ኣስሚዑና ጉዱ

ክንውከሶ ጀሚርና ከመይ'ሉ

ከምዝተመልሰ ዓዱ

ከመይ'ሉ ክዓብን ክወድቕን ከምዝጀመረ

ተወኪስናዮ ደጋጊምና በብእብረ

ንሱ ግን ስሒቕና ልቡ'ናትረረ

ብሜላ ኣረዲኡና ካልኡ ከምዝቐየረ


ሓሳባት ዓዲጉ ሓሳባት ከምዝሸይጥ

ልምድና በቲኑ ልምዲ ጓኖት ኣብ ማእከልና ከቐምጥ

ከምዝኾነ ስርሑ ነገረና ኣርሚሙና

ያኢ ንሱ ህርድግ ይብል ምሳና ክመያየጥ


ጉዳም'ዩ ነገሩ

ዘይትረአ ሸቐጥ ስውርቲ ዱንኳን ቀይሩ

ዝተመምየ ዘይተመምየ ወረታት ኣኻኺቡ

ናብ ሕዝቢ ይሸይጥ ብዕጽፊ መኸሰቡ

ወረ ገፊጡ ወረ ይዝርግሕ

ሓሻካ ንሕና ከም ሩዋንዳ 

ነንባዕልና ክንጉያሕ

ኣካ ንሱ ከም ዓውዲ መኼዳ

ብእኽሊ ብሰልዲ ጅቡኡ ክሰብሕ

ምስ ነቓሕና ግን ለካ ተረዲኡና ቊንቊንኡ

ማዕከን ዜና ክተልክ'ዩ'ቲ ነይሩ ዕላምኡ

ህዝቢ ከናቚት ደቀ-'ቡኡ ደቀ-'ዲኡ


"ኣየ ዓርክና!" በለ'ቲ ካልኣየይ

ኣርሚምዎ ስራሕ ናይ ኣኻዓየ!

ተቛይቑ ገሲጽዎ

ምዒዱ ንዓጋቢ ሂብዎ


"ስማዕስከ መዘና!" በለ፡

"ምልዖ-ዓየ ከይጸገብና ጀሚርካልና ኮረሜለ

ኣሽንጦ 'ናኰዓትና ጀሚርካ ብርለ

ዓንቋ ከይጸገብና ኣሪኢኻና ኣራንሺ-ሜለ

ብዕሪር 'ና ሓየኽና ኣቕኒእካና ብማስቲካ

ኣብ መጽዓኛ 'ናሃለና መኪና ሰሪርካ

ካብ ካኪ ከይወጻና'ውን ጅንስ ተኸዲንካ

ጥሪት'ናወፈርና ዱንኳንካ ተኺልካ

ግርም!


ንሱስ ደለ ምኾነ ሕጂ'ዩ ዝገደደ 

ሕዝቢ ዓድና ንዕዳጋ ብእግሩ እናኸደ

ሰቲርካዮ ኔርካ ዕዳጋ ኣምጺኻሉ

ዕዳግኡ ሸቐጡ ቀረባ ገይርካሉ

በዚ ተሓጒስና በቲ ግን ጒሂና

ስግኣት ኴንካዮ መጻኢ ትውልድና

ጉድ ለሚዶም ናይ ዓድና ቆልዑ

ዱኳንካ ዘልመዶም ባህሎም ተረሲዑ

ዘይስተ ክሰትዩ ዘይብላዕ ክበልዑ

ቀጠፍ-ጠፍ ለሚዶም ልምዶም ተመንዚዑ

ኢልና ስግኣትና ከይወዳእና

ሕጂ ከኣ ሓድሽ ኣምጺኻልና!"


ኢሉ ደርዲርሉ ኲምራ ሓሳብ ኲምራ ምኽሪ

ኣነ'ውን ምኽረይ ደጊመሉ

ዱንኳኑ ከይተምጻልና ነፍሪ

ሸቐጡ ከየፍርየልና ነውሪ

ቃንዛይ ምረተይ ደርጒሐሉ

ትውልዲ ከይሓድግ ናይ ዓዲ

ከይሓቅቕ ኣሰሩ ምርቓ ወለዲ

ኣብ ዱንኳኑ ከይዕደግ ከይሽየጥ ናይ ባዕዲ

ኢለ ሕሩመይ ተቛይቘዮ

ገለ ተሰምዓኒ ልክዑ ኣስሚዐዮ

ሓቢርና እምብልና ኢልናዮ


ምስጢሩ ንህዝብና ኣረዲእና

ሓሳብ ኣይንሸይጥ ሓሳብ ኣይንዕድግ

ባህልና ኣንልውጥ ሃይማኖትና ኣይንሓድግ

ኲልኹም ለባማት'ውን ዓገብ ኣባሃሉና

ጽቡቕና ከይበንን ከይርሳዕ መልክዕና

ትውልዲ ከይዓኑ ዱንኳኑ ይዕጸወልና

ሸቃጢ ወረ ሓሳቡ ይኣክበልና!


"በዚ ዓመት'ዚ ሓደ ወረ ክውረ፡ በቲ ዳሕራይ ዓመት ድማ ካልእ ወረ ክውረ፣ ኣብ ሃገር ከኣ ዓመጻ ክስልጥን፣ ገዛኢ'ውን ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ክለዓል'ዩሞ፡ ኣይትሰንብዱ! በቲ ኣብታ ሃገር ዚስማዕ ወረ ከኣ ኣይትፍርሁ (ኤር 51፥46)

"ምጅማር ቈየቛ፡ መንደቑ ከምዝጠሓሰ ቐላይ'ዩ፡ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ከይበጸሐ፡ካብ ቈየቛ ርሓቕ!!"(ምሳ17፥14)

ሎቱ ስብሐት!


lørdag 14. desember 2024

ግናሕ ገናሒ!

በስመ ሥላሴ

ግራት ነይርና እኽሊ ዝፈሶ

ርብዒት ክዒኻ ቆፎታት ዝሕፈሶ

'ደኲዑኒ' ዝብል ብዛላ ብገንሒ

እርጋን ዘይንታዩ ዝልለ ብስብሒ

ተረፈ ህጥራኑ የብልዕ የጒስዕ

ለምሊሙ ዘለምልም

ከረምቲ ኮነ ቀውዒ

ጸረ-ሓጋይ ጸረ ጥሜት

ዓርኪ ጽጋብ ዓርኪ ብልዒ


እወ ግራት ነይርና በዓል ኣልቦ ብቂ

ትውልዲ ዘሳግር እሙን ብዓል ሓቂ

ምስ ፈጣሪ ዝዓርኽ ጸረ ናይ ድርቂ

ግሩም ወረጃ ደረጃ ኪደቱ

ንዂሉ ዝሕሉ ግዝያት ሰዓቱ

ካብ ገንሒ ናብ ጒንሒ

ካብ መኼዳ ዓውዲ

ይኣቱ ዓዲ

ናብ ቆፎ-መኣዲ

ንስድራ ይሓቕፎ

የሳግር ትውልዲ!


ግራት ነይሩና ምስ ፈጣሪ ዝላዘብ

ምስ ሰማይ ተሻሪኹ እዝመራ ዝስሕብ

ምስ ወቕቲ ዓሪኹ ጠሊ ዝዝዕግ

ክንዮ ምጥዋር ከርሲ ክንዮ ኲሉ መዝገብ

ልቢ ሓረስታይ መንዚዑ ብርትዒ ዝዕድግ

ዓዲጉስ ምስ ኣምላኹ ኣብ ቀውዒ ዘላዝብ


እወ ግራት ነይርና ገንሒ ዝልማዱ

ወፈራ ዝዕድም ዓዲ-ብዓዱ

ዝጽጋእ ዝሕረስ ዝዝራእ ዝበቊል

ዝጸሀ ዝጒሰ ዝጒናእ ምህርቲ ዝፍልፍል


ግራት ነይርና ብርሃጽና ዝጭቁ

ክንዮ ምህርቲ ፍቕሪ ዝምንጩ

ንድኻ ዝጥውር ንሃብታም ዝመክር

ንጥሪ መኪቱ ቃል-ኪዳን ዝተክል


ግራት ነይሩና ግራት ዓደቦ

እኽልኻ ዝድፈኖ እምነት ዝሕለቦ

ብጽምዲ ብመሰለስ ብርባዕ ዓጸፋ ንምገቦ

መሓዛ መስተርሆት ጸረ ዓጸቦ

ገናሒ ግና ይፈቱ ነይሩ

ገናሒ ሓራሲ ዝኽእሎ ጫዂሩ


እወ ይጠልብ

ሓረስታይ  ብዓል ሞያ

ናውቲ ይዳለዉ ይጽረቡ ብሞያ

ትርኑዓት ዝራብዓት ይጸርዩ ብሞያ

ምስ ቶስታይ ይጽመዱ ብሞያ

ሓረስታይ ይትልም ይገንሕ ብሞያ

ኲሉ ይዕመም ብሞያ

ዐዕዮኦም ይዓዩ የምጽኡ ማሃያ

ኣየወ ግራትና

ግራት ፍረ ሓቂ ግራት ሞያ

ግራተ-እምነት ግራተ-ማሃያ!


ልብና'ውን ነይራ ግራት ናይ ፈጣሪ

ገኒሑ ዝዕረቓ ዝውስኸላ ዕምሪ

እንሓንሳእ የስብሓ ብቃሉ ይድኲዓ

ዛላ ይገብረላ ብመንገዱ የቕንዓ

ንሳ'ውን መስቲያት ኰይና

ንምስሉ ምንጸባርቕ  ትኽእሎ ኰሊዓ

ንሳ ዋኒኑ ንሱ ዋናኣ

መሸጎራ ከይዕጾ ብድምጹ ይኲሕኲሓ

ደርቂ ከየንቅጻ የንብዓ ብንስሓ

ዝናብ ኰይኑ ምሕረቱ ይሓጽጽባ

ንሳ'ውን እናሻዕ ትግንሓሉ ፍቓዱ ይመርሓ


ስለ ግራቱ ክብል ኲሉ ቀሪብላ

‘ታይ ከ ኣሎ ዘይቀረበላ!

ኣብ ትልሙ ዝሓርሱ ዝገንሑ ሰብ ሞያ

ዝዘርኡ ዝዂስኲሱ ዝጽህዩ ቡቋልያ

ዘኺዱ ሰብ ዓውዲ ሰብ መስቀል ሰብ ጉያ

ናይ ሰማይ ዝነግሩ

ናብ ሰማይ ዘሳግሩ

ልብን ፈጣርን ዝዓርቁ ዘላዝቡ

ስልጣኑ ከይበቐቐ ዝሃቦም መዝገቡ

" መግቢ ናይ ሰማይ ኣብ ምድሪ ተረኺቡ"

ኢሎም ዝእውጁ ብትውልዲ ዘይግደቡ

እኔሄዉ ኣብ ቤቱ!

ልቢ ክሳብ ዘላ ኣለዉ ዝዛልይዋ

ንቡራ ክምለስ እናሻዕ ይጽውዕዋ


እንታይ ደኣ ኰይና ሕጂ'ዛ ልቢ

ሓረስቶት እናሃለዉ ትሃቢ

ግራቱኮ ነይራ'ያ ግራት ናይ ፈጣሪ

ተፍሪ ነይራ ፍረ ናይ ግብሪ

ሕጂ ግና ሓንጊዳ ተሪራ ብትሪ

እንተ ንሱ ይኹን ወይ'ውን ሓረስቶቱ

ትእበ'ምበር ነይግድዳ ጐቲቱ


ልቢ ግና እንድዕላ

ባዓላ ዓጽያቶ'ላ ዕድላ

ግራቱ ማዃንዶ ኣይምሓሻን

ቃድራ ደኣ'ታይ ኣለዎ ርሻን!


እግዚአብሔር ገኒሑ ይተዓረቐና

ሎቱ ስብሐት!

fredag 27. september 2024

ሰብ መን'ዩ! ንመንከ ይመስል፧

                                                             በስመ ሥላሴ

ሰብ መን'ዩ! ንመንከ ይመስል፧

እንቋዕ መስቀልና በረቐ!

እንቋዕ መስቀልና በረቐ!



መን'ዩ ብመን ክምስል፧ ንመንከ መን ይመስሎ፧ ብላዕሊ እንተጀመርካ ወይውን ብታሕቲ፡ ሓታትን ተሓታትን ዘየድልዮ ግሉህ መልሲ'ዩ። እዘን ዝተጠቕሳን ዝስዕባን ሕቶታት ሸፈፍ ኢልካ እንተሓሊፍካየንን እንተዘይሓሊፍካየን፡ ልዕልናን ዕብየትን፡ ዕምቆትን ጥልቀትን፡ ስፍሓትን ርቀትን ናይ ፈጣሪ ንምርድኡ ሸውሃትካ ኣይክኽፈትን'ዩ። ብኡኡ መንጽር ባሕርይ ሰብን ካልኦት ፍጥረታትን ንምርዳእ ሓኾትኮት ኣይክትብልን ኢኻ። ምሕታትን ምሕሳብን ኣወንታዊ'ዩ፡ ግን ከኣ መዓስን ንመንን ብኸመይን፡ በብተርታ ክሕለፍ ዝግብኦ ወሳኒ ሰንሰለታዊ ኣስካላ'ዩ።


ተመልከት! 'ፈጣሪ ንመን ይመስል!' ሰብ ንመን ይመስል! ፍጥረታት ንመን ይመስሉ! 100 ካብ 100 ንፈጣሪ ዘመስል የለን! 100 ካብ 100 ንወዲ ሰብ ዝመስል የለን። 100 ጥራይ ኢያ ን100 እትመስል። ን100 ቈጺርካ ዘይውድኡ ዝተሓዛዘሉ ቊጽርታት ከምዘቖምዋ ግን ኣይዝንጋዕን። ንኣብነት ኣብ መንጎ ዜሮን ሓደን ዘለዉ ቊጽርታት ከንደይ ኢልካ ክትጽብጽቦም። ነፍሲ ወከፍ ቊጽሪ ርእሱ ዝኸኣለ ስምን ዓቐንን ኣለዎ። ከምኡ’ውን ሰብ! ሓሙሽቴኤን ዓጻብዕቲኳ ብቚመት ይኹን ብርጒዲ ኣይመሳሰላን። ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት፣ብዘይ እንከ ንዋላ ሓደ ኣይመስልን! 


‘ወዲ ሰብ ንወዲ ሰብ ይመስል' ከይንብል፡ እቲ ብምስሉ ዝፈጠረና ፈጣሪ፡ ከምዘይንመሳሰል ገይሩ'ዩ ፈጢሩና። ኣሽንኳይዶ ሰብ ንሰብሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣካል ናይ ወዲ ሰብ ዘለዉ ነገራትኳ፡ ጸብጻቢ ተዝጽብጽብ ክንደይ ኢሉ ምቘጸረ! ናይ ዘመንና ስነ-ፍልጠት ክዕቅኖ ብዝኽእል መዐቀኒ'ኳ፡ ካብ  (Atom) ጀሚርካ-ክሳብ ምሉእ ሰብነት ንዘሎ ዝተሓላለኹን ዝተመሳቐሉን ተናበብቲ ክፍሊ ኣካላትና፡ ንኽትመሃሮም ክንደይ ዓመታት ክትቖጽር ትግደድ ኢኻ። ዘገርም'ዩ! ሰብ ክንስኻስ፡ ብዛዕባ ሰብን ኣብ ሰብ ዘለዉ ነገራትን ንምፍላጥ 15-20 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ-ኣካዳምያዊ ትምህርትታት፡ ተማሂርካ ተተፈቲንካ ክትሓልፍ ኣለካ። ተዘይሓሊፍካ ከኣ፡ እቲ ክትፈልጦ ዝደለኻ ብዛዕባ ሰብ፡ ትኽልከል ማለት'ዩ። 


በንጻሩ ካልእ ዘገረም ታሪኽ እንተሎ ድማ፡ ማንዋል ናይ ኣመጻጽእ ሰብ ዘመልክት እሙን ናይ ሓቂ መዝገብ፡ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ምህላዉ'ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ'ውን፡ 'ንሰብ መን ኣምጺእዎ፧ ንምንታይ ዕላማ፧ ብምንታይ ገይሩ ሰሪሕዎ፧ መወዳእትኡኸ ሰብ ናበይ'ዩ ዝኸይድ፧' ዝብሉ ዓንዲ-ሕቖ ታሪኽ ኣመጻጽኣን ኣፈጻጽማን ናይ ሰብ፡ ኣብዛ ማንዋል'ዚኣ ተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ክርከብ ዘይምኽኣሉ'ዩ። 


ነዚ ኲሉ ዘይምምስሳል፡ ዘመሳስልን ዘዛንቕን ግን ካልእ እንርእዮ ሓቂ ኣሎ። ንኣብነት….!


ኣብ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ኣሎ። እቲ ሓድነቱ ንሠለስትነቱ ኣይጭፍልቖን፡ እቲ ሠለስትነቱ ንሓድነቱ ኣይብትኖን።እግዚእአብሔር ብሓድነትን ብሠለስትነትን ካብ ዘለዓለም ክሳብ ዘለዓለምን፡ ከይደቀሰ ከይተታኸሰ፡ ከይደኸመ ከይሰልከየ፡ ከይደኸየ ከይነደየ፡ ከይኣረገ ከይሓቐቐ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት፡ ምሉእ ግዝኣትን ቊጺጽርን፡ መግቦትን ለውሃትን ከይተነፍጎ፡ ንዘልዓለም ጸኒዑ ይነብር። 


ፍጥረታት ንሰብ ወሲኽካ፡ ብመጠት'ቲ ፈቒዱን ተገዲሱን ዝፈጠሮም፣ ዘዘድልዮም እናሃበ ይነብር። እረ ብፍላይ ንሰብ ፍልይ ዝበለ ልግሲ ዝሃቦ እንተሃልዩ፡ ብኣምላኻዊ መዐቀኒ ዝዕየር ናይ መስቀል ተበጃውነት’ዩ። ሰብ ከም ባሕሪኡ ብዘይ ፈጣሪ ናብ’ዛ ዓለም ክመጽእን ክህሉን፡ ብዘይሰብ'ውን  ክነብርን ናይ ሰብ ነገር ክረክብን ኣይከኣሎን’ዩ። 


እምበኣር ፈጣሪ፡ ‘ነቲ ሰባት ብዘይፈጣሪ ምምባር ኣቋሪጾም፡ ፈጣሪ ንምዃን ብዝፈተንሉ ኪደት፡ ኣብ ዓይኒ ፈጣሪ ከም ዓቢ ዕልዋ መንግስቲ ኣምላኽ ስለዝተቘጽረ፡ ሰባት ብፈጣሪኦም እናተወቕሱ ዘመናት ኣቚጺሮም ነይሮም። ሰባት ብስልጣን ፈጣሪኦም ምስተፈርዱን ምስ ወረዱን፡  መሓርነቱን ይቕሬታነቱን ዝግለጸሉ እዋን ከምዘሎ ከም ትንቢት ኣምሲሉ ኣበሲርዎም ነይሩ`ዩ። እዚ ተወቃስነትን ፍዳን’ዚ ዘብቅዓሉ ግዱብ ግዜ ስለ ዝነበሮ ከኣ፡ ፈጣሪ ከም ቃሉ፡ ሰብ ኮይኑ መጺኡ፡ ንሰብ ዳግማይ ሓድሽ ሰብ ንክኸውን ዓቢ በሪ ከፈተሉ። ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ተገሊጸ! እወ እግዚአብሔር ካብ’ቶም ሠለስተ ኣካላቱ፡ እቲ ወልድ ዝበሃል ሓደ ኣካል፡ ክእመን’ምበር፡ ብልሳንን ሕልናን ፍጥረት ክትረኽ ብዘይክእል ኣምላኻዊ ጥበብ ተገሊጹ።  ብዘይካ ሓጢኣት ሰብ፡ ካልእ ኲሉ ባሕርይ ሰብ ለቢሱ፡ ኣብ ሰብ ተጸኒሱ፡ ካብ ሰብ ተወሊዱ፡ ብኢድ ሰብ ተመጊቡ፡ ምስ ሰብ ተመላሊሱ፡ መወዳእትኡ ከኣ፡ ኣብ ቀራንዮ መስቀል ኣምላኻዊ መስዋእቲ ብምኽፋል ንሰብ ዳግማይ ሓዲስዎ። 


እዚ ኲሉ 'ከመይ እንታይ፡ ብኸመይ ስለምንታይ፧ ከይበልካ ከም ቀዳምንተትን ቊጽሪ ሓደን ክእመን ዝግብኦ ሓቂ'ዩ። ከምቲ ሕጻን ናብ ናብ ምሉእ ስብእና እናዓበየ ኣብ ዝመጻሉ፡ ነቶም ብእምነት ጥራይ ዝቕበሎም ዝነበረ ነገራት፣ ክምርምሮምን ክሓተሎምን ጥልቀታዎ ፍልጠት ክብርብረሎምን ዝጅምር፡ እኹል ኣማኒ እግዚአብሔር ዝኾነ ሰብ’ውን፣ ምስ ኣመነ ሕቶ ከለዓል ባሕርያዊ'ዩ፡፡ እወ፣ ብዛዕባ ፈጣሪ ንምፍላጥ፡ ምሳሌ ንምርካብ ናብ ፍጥረታት  ተንቃዕዱ። ሽዑ፡ 'ንምሳሌ፡ ንኣብነት፡ ንበልሞ....!' እናበልካን እናተበሃልካን፡ ነቶም ዝረኣዩ ፍጥረታት እናጠቐስካ፡ ነቲ ንዘመናትን ንትውድታትን ተሰጋጊሩ ዝመጸ ቅዱስ መጽሓፍ መወከሲ ብምግባር፡ ብዛዕባ ባሕርይ ፈጣሪ ክትነግርን ክትሰምዕን ትጅምር። እንተኾነ ፍጥረታት ንፈጣሪ ንምምሳል ብቕዓት ስለዘየብሎም፡ እቲ ዝተደልየ ቊንጣሮ ምርዳእ ምስተረኽበ፡ ዝተረፈ ብእምነትን ሃይማኖትን ይድምደም።


እወ፣ ብዛዕባ ፈጣሪ፡ ካብ'ቲ ዝተነግረ፡ እቲ ዘይተነግረ፡ ካብቲ ዝተበጽሐ እቲ ዘይተበጽሐ ኣዝዩ ይበዝሕ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሰብ! ፈጣሪ ንሰባት ከምዘይፋለጡ ገይሩ'ዩ ፈጢርዎም። ሓደ ነቲ ሓደ፡ እንታይ ሓሲቡ፡ እንታይ ገይሩ ኣይፈልጦን።  ብዛዕባ ሰብ፡ ካብ'ቲ ንፈልጦ ዘይንፈልጦ ይበዝሕ። ኣብ ሰብ ዘለዉ ነገራት ጸብጺብና ኣይንውድኦምን። ካብ ንውለድ ክሳብ ንዓርፍ፡ ንውሓትን ቊጽርን ጸግሪ ርእስና ኣይንፈልጦን። ንዂሎም ክፋላት ኣካላትና ግን ከከም ኣቀማምጠኦም፡ ክሳብ'ቲ ዘለዎም ዕድመ ንሓደ ዕላማ፡ ማለት ንምምባር እናተጠቐምናሎም ንነብር። ክፋላት ኣካላትናስ ለካ ዝተፈላለዩን ዝተፈላልየ ኣቃውማን ዘለዎም ክንሶም፡ ብሓድነት የገልግሉናን ንግልገለሎምን።



ብኸመይ ደኣልና ሓደ፧ እንታይ’ዩ ዘመሳስለና፧ ከመይ ኢልና ኢና ሰባት ነናትና ኮድ (DNA) ዘለና ክንስና፡ ንሰባት ንመስል፧ ከመይ ኢሎም’ዮም ካልኦት ክፍጥረታት ዝመሳሰሉን እንመስሎም፧


ተመልከት!

ልብና መሊእና እንዕንገሎ ሓባራዊ መኣዲ እንተልዩ፡ ከም ክርስቲያን ፡ ንሓደ ኣምላኽ ብሓንቲ ሃይማኖትን ሓንቲ ጥምቀትን፡ ሓንቲ ቤተክርስቲያንን ሓንቲ ድንግልን ብሓደ መስቀል ሓደ ንኸውን፡፡ ንሓንቲ መንግስቲልተ ሰማያት ንምውራስ ከኣ፡ መከራን ገድልን ናይ መስቀል ተሰኪምና ላዕልን ታብትን ክንብል ንግደድ። ተዘይኮነ እቲ እንጽበዮ ንክርስቲያን ዝተዳለወ መንግስተ ኣምላኽ ኣይንወርስን። ከም ሰባት፡ ፍቕሪ ልውህና፡ ልግሲ ትሕትና፡ ምክብባር ምክእኣል እናተለጋገስና ብሓድነት ንነብር። “ በተንትን ጸየቕትን፡ ተበለጽትን ኣናቖትትን” ሰባት ከምዘለዉ ኣብ ግምት የእቲኻ ማለት'ዩ። ከም ፍጥረታት ድማ፡ ካብ ሓደ ናይ ኣምላኽ ዒላ ዝግለል፡ ዘይውዳእ ዝተፈላለየ ውህበታት፡ ዘዘድልየና ከም ለውሃቱን ፍቕሩን እናተማቐልና፡ ኣብዛ ሓንቲ ኣድማስ ብሓደ ንነብር። 


እግዚአብሔር ንዓመት ብሳህሉን ምሕረቱ ክኽልላ፡

ንዓና ንክርስቲያናት ደቁን ንዂሉ ሰብን ፍጥረትን፣

ምሕረቱን በረኸቱን የብዝሓልና።

ብመስቀሉ ብርሃኑ ይለግሰልና!

እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ኣብጽሓና!

ንዓመታ ብዕድመ ብጥዕና፡

ብንስሓ ብቕድስና የጽንሓና!

ኣሜን ወኣሜን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ለዘአብጽሐነ እስከዛቲ ዕለት!


ነገራት ካብ ክትሃንጾም፣ ከተፍርሶም ይቐሉ

  በስመ ሥላሴ! ከምቲ ብዙሓት ኣቦታት ዝብልዎ፣ ምሕዝነት ይተርርን ይልሕልሕን'ዩ። ሕውነት ይትከልን ይንቀልን'ዩ፣ ፍቕሪ ይዕምብብን ይቕምስልን'ዩ። ሃብቲ ይዋህለልን ይንከን'ዩ። 'ንዂሉ ገግ...