mandag 7. juli 2025

ተዛረብ-ጒድጓድ፡ ተዛረብ-መቓብር!

በስመ ሥላሴ

ተዛረብ-ጉድጓድ ተዛረብ-መቓብር


ንሰብ ፍቕሪ ጎዲልዎ

ቅርሕንቲ ቂም በቐል ዓብሊልዎ

እጅገ ንነገር ክስብሰብ

ልቢ ጽልኢ እንክሕለብ

እናረኣኻ'ዚ ዂሉ ምርብራብ

ተዛረብ'ንዶ ጉድጓድ

እንተስ ኣልቃሲ ክመዓድ

እንተስ መዋቲ ክስምብድ

ደርጒሕ ድምጽኻ

ብዓውታ ወይ ብሕሽኽታ

ኣንጎድዶ ኣስምዓና ስምዕታ


ረኣዮ'ሞ ነዚ ሰብ

ዕርቁ ተሰዊሩ ነውሪ ጋሪድዎ

ምእካብ ኣብ ቀብሪ ንቡር ገይርዎ

ዘፍቀረ እንክመስል ንብዓቱ ይዛሪ

ከምዝተዓረቐ ይእከብ ኣብ ቀብሪ

ፍቕርን ዕርቅን'ዶ ድኣ ሬሳ ምነሰኦ

ንሰብ'ዶ ኣይኮነን እዚ ኲሉ ዝግበኦ

ካብ ብሓሽከት ንብዓት ንመዋቲ ዘሰኒ

ምትሕልላይ ኮነ ቊንጣሮ ፍቕሪ

ቅድሚ ሞቱ ንሓድሕዱ ተዘሳኒ

ክንደይ ኮን ምርሓቐ'ዚ ኲሉ ግኒ!


ግን ኣንታ ጒድጓድ

ብዘይ ነግ-ፈረድ

ንሰብ ነዚ ማንም ዘይደፍሮ

ደፊርካዮ ስሙ ብሬሳ ቀይርካዮ

ታሪኹን ዝንኡን ከይፈራሕካዮ

ንምውሳዱ ንቡር ጌርካዮ

ናብ ጒድጓዱ

ለካ ከይፈተወ ይውሰድ ተገዲዱ


እዚ ቀባሪ ደኣ ብንታይዩ ኣፍረሓካ፧

ውሽጡ ብነውሪ ደጊኡ ብፍቕሪ

ብይምሰል ጻዕዳ ጸምሪ ጻዕዳ ልብሲ 

ለቢሱ ከልቅስ ክወግሕ እንክመሲ

እንተረኣኻዮስ ካን ካብ ቅድሙ

ኣፍቃርን ሓላዪን መሲልካ

ሕተቶ'ዶ ዋላ ነቲ ሬሳ

ብቋንቋኹም ተረዳድኡ ተመሳኸሩ

ስበኸና ገለ እንተኾነና መለሳ

ዓው ኢልኩም ጨድሩ

ሓቀኛ ጽልኢ ክመሖ ካብ ስሩ

ሓቀኛ ፍቕሪ ክበቊል ከስፍሕ ሰራውሩ

ተዛረብ ጒድጓድ ቀባሮ ከይተቐብሩ


ስቕታ ግን ጒድጓድ

እንታይ'ዩ ጥቕሙ

እንትርፎ ክገድድ ምጽልላእ

መዓስ ከይጅምር ምምልላእ

ንሰብ'ሞ ብዜይካኻ መን'ዩ ክእርሞ

ሕደግ መቓብር ስቕ ኣይትበል

ነቲ እትፈልጦ ኣይትዓባብጦ

ጉድና ክእለ

መገድና ክዕረ ሓዲኡ በል

ኣፍካ ብኽፍቱ ዓባስ ኣይትምሰል

እወ!

ዋላ ሓንቲ ቃል ተዛረብ

ንልቕሶ ቀባሮ ካብ ትሰትሮ

ብምዕሮ ወይ'ውን ብቚንጣሮ

ልብናሞ ቅልዓዮ በርብሮ

ኣስምዓዮ ድምጽኻ ሓንቲ ቃል ንገሮ


ሽዑ ሰብ ክጅምር'ዩ ክሓሊ ንሰብ

ኲሉ ክእከብ'ዩ ብፍቕሪ ክላዘብ

ሰማይ'ውን ምኸፈተ ኣእዛኑ

ብዘይ ምርብራብ በረኸቱ ክፍኑ

ደርቂ ብሽሻይ ምተቐያየረ ሚዛኑ

ስቕ ብምባልካ ግን ጒድጓድ

ብዘይካ ጽቡቕ ኲሉ'ዩ ተሳኢኑ!

ሎቱ ስብሐት!!



Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ተቐማጢ-ዲያስኮራ ወዲ ዲያስፖራ....!

"ስርሓትካ ወርቂ ብህሎኻ ሓቂ ሳላኻ ተሓሊፉ ዓጸቦ ተሰጊሩ መጻብቦ ከብድና ሓምሊ ተጸይኑ ብጡዕም ብልዒ ተዊኑ ዝዓረቐ ዝባንና ኣመስጊኑ ሳላ ሓዋላ ድኻ ተሳኢኑ ሳላኻ ተመርዒና ብጁባኻ ኮርዒና ተቐማጢ ዲያስቆራ ናይ ቆ...