lørdag 25. februar 2017

መጽሓፍቲ ተዝግንጸል መን ምነበቦ

Bilderesultat for ethiopian orthodox tewahedo books

ብስብ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
¶¶¶በመጽሐፈ ሂዎት ነበብናሀ ገነተ፡ወበመጽሐፈ ስጋ ተራእየ ሞተ።
ብመጽሓፈ ሂዎት ተረኣየት ገነት፡ብመጽሓፈ ስጋ ተራእየ ሞት።¶¶¶
መጽሓፍቲ ተዝግንጸል መን መምበቦ፧ታሪኽ ተዝዝንቶ መን ምተረኾ፧ሕቶታት ተዝሕታት መን ምመለሶ፧ንምካኑ ነቶም ዝተጻሕፉ መጽሓፍቲ መን ጽሓፎም፧ ነቲ ዝትረኽ ገድልታት መን ፈጸሞ፧ነቶም ዝምለሱ ሕቶታትከ መን ሓተቶ፧
ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት መጽሓፍቲ ተጻሒፉ፡'ዩ፡እዞም መጽሓፍቲ ንብዙሓት ምክንያት ውድቀት ኮይኖም ኢዮም።ብዙሓት ተረኽቲውን ተቐልቂሎም፡ብምኽንያት ትረኸኦም ድማ ንብዙሓት ሓንኪሎም ኢዮም።ብዙሕ ሕቶታት ተሓቲቱስ ኣብዛ ዓለም ብዝተረኽበ መልሲ ንብዙሓት መሕነቓ ኮይኑ ሓኒቑ ቀተለ።
ንምኻኑ መጽሓፍ ተባሂሉ ዝስመ ዘውድቅ ድዩስ ዘተንስእ፧ልብኻ ምስ መንፈስካ ዘሰማምዕ ድዩስ፡ስጋውነትካ ጥራይ ሓሲብካ ብዛዕባ መንፈሳውነትካ ከምትዝግዕ ዝገብር ኢዩ፧ኣብዚ ዓለም ክልተ ዓይነት ሰብ ኣሎ፡
1)ክሳብ መቓብር ጥራይ ኣምበር ድሕሪኡ ዘሎ ዘይግድሶ።
2) ክሳብ መቓብርን ድሕሪ መቓብርን ንዘሎ ክሓስብ ዝነብር።

እቶም ክሳብ መቓብር ጥራይ ክሓስቡ ዝነብሩ፡መወከሲ መጻሕፍቲ ኣሎዉዎም።ኩሎም እቶም ዝጥቀምሎም መጻሕፍቲ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀምሪካ ዘሎ ስጋውነት ኣመቓቒሮም ይገልጹ፡ስጋዊ ሂዎት ኣዝዩ ሙቁር፡ብስጋ ከምትሰብሕ፡ብስጋዊ ፍትወት ስጋኻ ከምትረዊ፡ብስጋዊ ሃብቲ ከምትህብትም እሞ ናብ ድላይካ ክትከይድ ከምትኽእል፡ብስጋዊ ዓይኒ ድላይካ ርኢኻ ዕግበት ከምትረክብ፡ድላይካ ተመኒኻ ሽዑን ሽዑን መልሲ ከምትረክብ ወዘተ ይትንትኑ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ከመይ ገይርካ ብስጋ ዝያዳ ሃብታም ትኾውን፡ከመይ ገይርካ ብዓል ዝና ፍሉጥ ሰብ ኮይንካ ከም ትምለኽ፡ከመይ ኢልካ ትዝሙ፡ንዝሙት ዘበራትዑን ንፉዕ ዘማዊ ንኽትከውን ዘተባብዑን፡ምስ ዘሞኻኸ እቲ ዘለኻሉ ከይዲ እንታይ ሰም ተጠምቖ፡ከመይ ገይርካ ሰብ ትቐትል፡ከመይ ገይርካ ናይ ላም ኣፍ ኣውጺኻ እምባሕሕሕ ትብል፡ወዘተ ብዛዕባዚ ተጻሒፉን ተደሪሱን ኢዩ።ስለዚ እቶም ክሳብ መቓብር ንዘሎ ሂዎት ክሓልሙ ዝነብሩ ሰባት መወከሲ ሂዎቶም እዞም መጽሓፍቲ እዚኦም ኢዮም።
መጽሓፍ ብብርዐ ቀለም ንዝሕንጠጥ ጥራይ ኣይኮነን ዝውክል፡መጽሓፍ ኣብ ልቢ ተጠጅኡ ዝነበረ ሓሳብ፡ናብ ደገ ክወጽእ ምስ ከኣለ፡እቲ ተዓዛቢ ካልኣይ ኣካል በቲ ዘውጻኻዩ ተጠቃሚ እንተኾይኑ፡ንስኻ ደራሲ፡ንሱ ድማ ኣምባቢ ኮይንኩም።ኣብ ውሽጢ ልቢ ንዝነበረ ሓሳብ፡ብመልክዕ video፡ብመልክዕ ተለፎን፡ብመልክዕ ጽሑፍ ብመልክዕ ዝተፈላለየ ማስመድያ ክፍኖ ይኽእል ኢዩ።ብርግጽ ድማ ተዘርጊሑን ይዝርጋሕ ኣሎን።እቶም ተጠቀንቲ ናይዚ ዕላመኦም ክሳብ መቓብር ስለዝኾነ፡ክሳብ ዝሞቱ ንዘሎ ሂዎቶም ሓንቲ ጭርሖ ሒዞም ይጎዓዙ።ክሳብ ዘለኻ ከም ድላይካ ንበር፡ብድሕሪኡ ከኣ ዝረኣዮ ስለዘየለ፡......ኢሎም ኣብ ምልክት ሕቶ የእትውኻ።
እቶም ክንዮ መቓብር ክሓስቡ ዝነብሩ ዝበልናዮም፡ሰባት ድማ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ይኾውን ዝብል ጭንቀት የብሎምን።ብዓንተዉኡ ሰብ ካበይ ከምዝመጸን፡ናበይ ከምዝኸይድን፡ርግጸኛታት ኮይኖም ብእምነት ዝተቐበልዎ ጉዕዞ ስለዝኾነ፡ብዛዕዛዚ ኣይግደሱን።ንሳቶም ዘገድሶምሲ፡ኣነ ከመይ ክኾውን ኣሎኒ፧ሂዎተይ ቅድሚ መቓብርን ድሕሪ መቓብርን ከመይ ክትከውን ኣሎዋ፧ብስጋ መታን ከይህሰ፡ብመንፈሳዊ ውን መታን ከይጉጠ፡እንታይ ገዲፈ እንታይ ክምልእ ኣሎኒ፧ ኢሎም ዝዉከስዎ መጽሓፍ ኣሎዎም።እዚ መጽሓፍዚ ድማ ቅድሚ መቓብርን፡ድሕሪ መቓብርን ዘሎ ሂዎት ብስእሊ ገይሩ ዝገልጽ ድረስት ኢዩ።ነዚ ዝደረሱ ኣብቲ ክንዮ መቓብር ዘሎ ሂዎት ብሰላም ኣሎዉ፡እቲ ነዚኦም ዘድረሰ ምንጮም እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ሕቕፉኡ ተቐቢሉ ሓቖፎም።
እዚ ኩሉ ዝትጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ነቲ ክሳብ መቓብር ንዘሎ ሂዎት ጥራይ ዝትርኹ፡ተረኽቱ እቶም ስጋውያን ኢዮም።ድሮእካ ክሳብ ሕጂ ካብ ቃኤል ጀሚሮም እንዳተተረኸ ኢዩ።እቶም ክንዮ መቓብር ንዘሎ ሂዎት ከይተረፈ ዝትርኹ መጽሓፍቲ ግን ዝትርኾም ዘይኮነስ ዘምብቦም እካ እንዳወሓደ ይመጽእ ኣሎ።ካብ ክልተ ብንስሐ 100 ዓመት ዝተሓጸቡ ኣዳምን ሄዋንን ሓደ ኣቤል ምስተረኽበ፡ካብ ኣቦታቱ ዝተረከቦ ስእሊ ናይቲ ክንዮ መቓብር ዘሎ ናይ ገነት ሂዎት ከይትርኽ ብንግሁኡ፡እቲ ብምድራውነት ኣዝዩ ምኩሕ ዝኾነ ሓዉ ቀተሎ።ምድሪ ንኣዳም እካ በኽሪ ወዳ እንተገበረቶ፡ንወዲ ኣዳም ግን በኽሪ ንብረታ ገበረቶ።ኣቤል ኣብ ምድሪ ብሓመድ እካ እንተተበለዐ፡ሰማያት ከይዱ ግን ነታ ዝፈልጣ ናይ ዕረፍቲ ስፍራ ምስረኸበ፡ነቲ ዋና ዕረፍቱ ስምዕትኡ ኣቕረበ።ቃኤላዊ ስነሓሳብ ከይውሕዝ ብኣግኡ ንኽዕገት ድማ ጥርዓኑ ኣቕረበ።ኣምላኽ ድማ ደም ሓውካ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ በለ።ደም ኣቤል ኣብ ምድሪ ኣብ መቓብር እካ እንተተረፈ፡እቲ ድሕሪ መቓብር ከይዱ ዝፈስስ ደም ግን ከይዱ ምስ ፈጣሪኡ ተዛራረበ።(ምንት ገበርከ፡ደሙ ለእሁከ በጽሐ ሀብየ ዘፍ4፣10) ይብል።ደም ሓውኻሲ ናባይ በጺሑ፡ንስኻ ኣብ ምድሪ ዝፈሥስ ጥራይ መሰለካ፡ግን ናባይ ኢዩ ፈሲሱ በለ።

ዓለም ምሉእ ብስጋውነት ተዋሒጣ፡ነቲ ክንዮ መቓብር ንዘሎ ስእሊ ዝነግር ጽሑፍ ዘምብቦ ሰብ ፈጺሙ እንዳወሓደ ይመጽእ ኣሎ።ዋላ እቶም ጸሓፍቲውን ስጋዊ ረብሓ ተዘይረኺቦም ምጽሓፍ እንዳቃረጽዎ ይመጹ ኣሎዉ።ሎሚ ኩሉ ዘማሪ ክኾውን፡ካሴት ኣሓቲሙ ዘማሪ እገለ ክበሃል፡ይደሊ ምንጪ ድልየቱ ግን ክንዮ መቓብር ዘማዕደወ ኣይመስልን።መዝሙሩ ጥዑም፡ሓሳብ ግን ክሳብ መቓብር ኮይና፡ስጋዊ ረብሓኣ ጥራይ ዘቐድም ሰብ ከመይ ኢሉ ጣቃ ክህልዎ።ብኡኡ መንጽር እቶም ኣምበብትን ሰማዕትን ውን እናሰልቸዎም ይመጽእ ኣሎ።ዓለም ምልእቲ ብስጋውነትን ዝና ዝተመልኦ ሓጥያትን ተመሊኣ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ክንዮ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ዛንታ ክንሰምዕ ዝገበሩና እቶም ውሑዳት 8 ሰባት ኢዮም።ኖህን ደቁን፡ካብ ኣዳም ክሳብ ዘመኖም ንዝነበረ መንፈሳዊ ትረኻ ብዝግባእ ስለዝሰምዕዎ፡ንርእሶም ካብ ማይ ኣይሂ ድሒኖም፡ናባና ንኽበጽሕ ድማ ምኽንያት ኮይኖም።ሕጂውን ነዚ ሎም ዝፍጸም ዘሎ ይኹን ቅድም ዝተፈጸመ ተረኽቲ ክኾኑ ዝመደቡ ሰባት፡ገሊኦም ከምቶም ዝጠሓሉ ኣብ መቓብር ጥሒሎም ክተርፉ ኢዮም፡ኖሃዊ ጠባይ ዘሎዎ ሰብ ግን ክንዮ መቓብር እንዳሓሰበ፡ነዞም መጽሓፍቲ ናይ ክንዮ መቓብር ንዘሎ ስእሊ ዝገልጹ እንዳምበበ ክነብር ኢዩ።ግን ክውሕዱ ኢዮ።ሎሚ ንምንታይ ኢዩ ካብ ዓለም ምሉእ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝወሓዱ ኮይኖም እንተኢልና፡ቅዱስ ኖህ ባዕሉ ይምልሰልና።"ኣብ ልቢ ኣቦታተይ ዝነበረ ጽሑፍ ማይ ኣይሂ ክውሕጦ ዘይከኣለ፡ብዙሓት ኣምበብትን ሰማዕትን ስለዝነበርና ኣይኮነን።ተረኽቲ ናይ ዘብዛሕካ ዘይኮነስ፡ነቲ ዝተተረኸ ከመይ ትዕቅቦ ኢዩ ወሳኒ።ኣነን ደቀይን ዓቂብናዮ ስለዝጸናሕና፡ንዋሕድና ማይ ኣይሂ ኣይደምሰሶን።በንጻሩ እቶም ብዛዕባ ስጋውነት ብዙሕ ዝጸሓፉን ዝተረኹን ግን ብዝሖም ንማይ ኣይሂ ኣይገደቦን።ማይ ኣይሂ ንዕዖም ደምሰሶም፡ንዓና ግን ውሕዳት እካ እንተኾንና በቲ ክንዮ መቓብር ንዘርኢ እምነትና ብዝግባእ ስለዝዓቀብናዮ፡ጸምበሃለል ኣበለና።" ኢሉ ይምልሰልና።ኣቦና ቅዱስ ኢዮብ ውን፡"ኣብ ዘመነይ ንኣምላኽ ዝፈርህ፡ክንዮ መቓብር ንዘሎ ደስታን፡ስቅያትን ኣስተኻኺሉ ዝፈልጥ ሰብ በይነይ ኣነ ጥራይ ኢየ ነይረ።ስለዚ ኣንቱም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ደቀይ እንተዋሓድኩምሲ ኣይትሰምብዱ፡ስኽፍ ኣይበልኩም፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ክንደይ ሰብ መጺኦም ኢልኩም ክትቃሞቱ ኣይትውዓሉ።ንስኻትኩም መጀመርያ ሂዎትኩም ኣብ መቓብር ጥራይ ከምዘይተብቅዕ እመኑ፡ድሕሪኡ ከመይ ኢልካ ከምዝንበር ድማ ነቶም መወከሲ ጽሑፋት ኣምብቡ።ምንባብ ክበሃል እንኮሎ፡ብ ወረቐት ጥራይ ኣይኮነን።ኣነ ንደቀይ ብጹሑፍ ኣይኮንኩን ዝምህር ነይረ።ማለት ነቲ ብ ኣቦታተይ ዘምበብክዎ ዛንታ፡ብጹሕፍ ኣይተረከብክዎን፡ንደቀይ ውን ብጽሑፍ ኣየሕለፍክዎን።ብሕገ ልቦና ደኣምበር።ስለዚ ንስኻትኩም ድማ ደቀይ ብጹሑፍ ምርካብኩም ጽቡቕ ኢዩ።ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብ ኣፍ ኣቦታትኩኩም፡ልብኹም ንትምህርቶም ተምብቦ።" ኢሉ ቅዱስ ኢዮብ ይምልሰልና።
እግዚኣብሄር ሆይ፡ኣብዛ ስጋውነት ዝዓብለላ ዓለም መንፈሳውያን ኮይንና ክንረክብ ንደሊ ኢና፡ሓይልና ግን ላሕልሐ፡ኣብዛ ክሳብ መቓብር ጥራይ ዝሕሰበላ ዓለም ክንዮ መቓብር ክንሓስብ ንደሊ ኢና፡ስጋውነት ግን ባይታ ኣውዲቕና ኢዩሞ ኣዚና ውሒድና ኣሎና።ጎይታየ ስጋውነትና ገደብ ክንገብረሉ፡ነብስና ኣብ ስጋ ክትነግስ፡ንስኻ ድማ ኣብ ነብስና ክትገዝእ ፍቓደኛታት ክንከውን ሰናይ ፍቃድካ ይኹን።ንሕና ደቅኻ ደኣምበር ደቂ ዓለም ኣይኮነናንሞ፡ሰማያዊ ልደትና ከም ንዝክር ግበረና።
ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ምስጋና ይኹን ሎምን ኩሉ ሳዕን ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ነገራት ካብ ክትሃንጾም፣ ከተፍርሶም ይቐሉ

  በስመ ሥላሴ! ከምቲ ብዙሓት ኣቦታት ዝብልዎ፣ ምሕዝነት ይተርርን ይልሕልሕን'ዩ። ሕውነት ይትከልን ይንቀልን'ዩ፣ ፍቕሪ ይዕምብብን ይቕምስልን'ዩ። ሃብቲ ይዋህለልን ይንከን'ዩ። 'ንዂሉ ገግ...