በንጻሩ ኣብ ጛይላ ኬድና ክንስዕስዕን ክጭፍርን እንከለናከ፡ኣጋንንቲ ኣብ ሲኦል ኮይኖም ስለቲ ዘታለሉና ክሕጭጩን ክባጨውን እንከለዉ እንተዝራኣዩና ክንደይኮን ካብ ጛይላ ምሃደምና!
ለካ እዚ ኩሉ መዝሙር ንምዝማር ንዝሕትል ዘለና፡ቅዱሳን መላእክት ምሳና ክዕልሉ እንከለዉ ንኸይንርኢ ሕልናና ስለዝዓጸናዮ ኢዩ።ለካ ናብ ጛይላ ኬድና ክንስዕስዕን ክንጽለልን ንውዕሎ ንሓድሮ ዘለናስ፡ኣጋንንቲ ኣብ ሲኦል ኮይኖም ስለቲ ዝቐሸሹና ሓጎሶም ይገልጹ ከምዘለዉ ንኸይንርኢ ሕልናና ስለዝዓጸናዮ ኢዩ።
ወገነይ፡ዘለኻዮ ኩነት መን ይሕጎሰሉ ኣሎ፡ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ፧ኣጋንንቲዶ ቅዱሳን፧እግዚኣብሄርዶ ድያብሎስ፧ስለ ናይ መን ሓጎስ ትጽዕት ኣሎኻ፧ ምላልባሽ ንስኻ ትሕጎሰሉ ዘለኻ ይመስለካ ይኾውን።ቀንዲ ተሓጛሲ ግን እቲ ዝለኣኸካን ከምኡ ንኽትገብር ኣብ ሕልናኻ ሕሹኽ ዝበለካን ኢዩ።
ዕላማኻ ንስለ ሓጎስ ፈጣሪኻ ተዝኾውን ሂዎት ምረኸብካ።
ኣየ ነብሰይ ትጽዕርሉ ዘለኺ ጉያ ስለ ክብርኺ ስለዝኾነኮ ኢኺ ምሉእ ሓጎስ ሲኢንኪ ዘለኺ።ንስኺ ድኣ ፍጥረት እንዲኺ።ፍጥረትዶ ምሉእ ሓጎስ ክህብ ይኽእል'ዩ፧!እዚ ሰይጣን ዝመሃረኪ ምኽሪ ሰይጣን ኢዩ። ስለክብርኺ ምምባር ንዮ በልዮ።ንስኽስ ስለ ክብሪ ፈጣሪኺ ስለ ሓጎስ ፈጣሪኺ ደኣ ተጋደሊ።ሽዑኡ ኢኺ ሓጎስ ትረኽቢ።
ሓደ ግዜ ንሓንቲ ኣደ ተመልከትክዋሞ፡ሕጻን ወዳ ቀልቀል ክጽይቓ፡ልዛይ ክልዝየላ፡ንፋጡ ነቲ ጽሩይ ጻዕዳ ክዳና ከባላሽዎ ረኣኹ።እታ ኣደ በዚ ተቖጢዓ ኣብልዕሊቲ ህጻን ጽልኢ ክትገብር ትጽበዮ ክንሱ፡ምስኡ ዘለዋ ጥቡቕ ፍቕሪ እናሻዕ ካብ ውሽጣ ይንህር ነበር።በቲ ካልእ ጫፍ ድማ ሰብኣያ ብንእሽቶ ተቖጢዑ መጺኡ "ኣንቲ ከምዚ!"ኢሉ ጸረፋሞ ምስቲ ብዓል ቤታ ዝነበራ ምሉእ ፍቕሪ በኒኑ ተረፈ።ስለዚ ገረመኒ።"ሓቐኛ ፍቕሪ ኣየናይ ኢዩ!" ኢለ ንነብሰይ ሓተትክዋ።ሕልናይ ድማ መለሰለይ።"እግዚኣብሄር ንወድሰብ ልክዕ ከምዛ ኣደ ንህጻና ፡ፍቕሩ ኣባና ኣብ ጸጽባሕ ነሃረ።ካብቲ ኣብ መስቀል ዝዓደገና ንላዕሊ፡ሕጂ ዝዕገሰና ዘሎ ይበዝሕ።ሽዑኡስ ተሰቒሉ ተኸትኪቱ ኢዩ ዓዲግና።ሕጂ ግን ካብ ባርነት ዓዲግና ከብቅዕ፡ኣይንደልን ባርነት ይሕሸና ክንብሎ ኣይፈንፈነናን።ከምቲ እታ ኣደ ንህጻና ክሳብ ዝጉብዘላ ሽንቱ እንዳጸረገት ፍቕራ ትምጥዎ፡እግዚኣብሄር ድማ ክሳብ ብመንፈሳውነት ንድልድል፡ክሳብ ምጽኣት ሓጥያትና እንዳጾረ ብትዕግስቲ ይጽበየና ኣሎ፡ተመስገን።እዚኹሉ ንምሉእ ዓለም ብደሙ ዝሓጸባ፡ዓለም ግን ምስ ሓጥያት ይሕሸኒ በለት።ወገነይ ተመልከት!ክጽየፈና ዝግብኦ በንጻሩ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ዓዘዘ።ንሕና ግን ብንእሽቶ ሻሞጥ ብሰንኪ ግብርና እንተ ቐጺዑና ክንመልስ ዝግብኣና በንጻሩ ኣማሪርና ካብ ፍቕሩ ሃጽ በልና።ንሱ ብፍቕሪ ከርክበና ንሕና ግን ብግብርና ርሓቕናዮ።
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar