በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ናብዚ እምባ ዝደየባ ኣእጋርሲ ክንደይ ተዓዲለን፡እነገሊኡ ኣእጋር ኪናት ኽከፍት ናብ ኩርባ ይሓኩር ኣእጋርኩም ግን ናይ ቅድስና ዋና ንኽርእያ ሓኾረኦ።ናብዚ እምባዚ ዘንቃዕረራ የዒንትስ ክንደይ ይፈርያ ክንደይከ ይጽብቓ፡፡ኣብ ዓድና ንሓደ የዒንቱ ፍሩይ ተኾይኑ ንኽትጸርፎ ምስትደሊ "ፈራር ዓይኒ ብዕራይ" ትብሎ፡ክትውድሶ ምስትደሊ ድማ፡ብሩር ዓይኑ ዓይኒ ፍንጃል ኢልካ ትውድሶ። ንሓንቲ ጎርዞ ክትውድሳ እንተደሊኻውን፡ቁመታ ክሳድ ሰገን ዝመስል፡የዒንታ ናይ ሱፍ ዕምባባ" ብምባል ትውድሳ፡ነዚ እምባዚ ሓኺረን ዝተመልከታ የዒንቲ ግን ከይትነቕፈን መሎኮት ርእየን ንዝዓገባ ብምንታየን ክንቀፋ፡ከይትንእደን ኣምላኸን ኮለ ገና ንኢዱወን ኢዩሞ፡እንታይ ዓይነት ናኣዳ ኢዩ ካባና ክወሃበን።ኣቤት ምስጢረ እግዚኣብሄር! ለካ ካብ የዒንቲሲ የዒንቲ ይመርጽ ኢዩ፡ካብ የእጋርውን የእጋር ይመርጽ ኢዩ።እግዚኣብሄር ዝዓደሎ የእጋር ናብዛ እምባዚ ኣንጊሁ ይግስግስ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የእጋር ድማ፡ናብ ርኽሰትን ናብ እንዳ ባርን ጋይላን ከይዱ የኹድድ።እግዚኣብሄር ዝባረኾ የዒንቲ ኣብ እምባ ደይቡ፡ናይ ዓለም ድኻማን ናይ እግዚኣብሄር ሓያልነትን ይርዳእ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የዒንቲ ድማ፡ርኽሰት ዘይረኣኹ ንኽብል ብሕልሚ ለይቲ ከይተረፈ ድቃስ ይስእን።
ኣንቱም ቅዱሳን ሃዋርያት እንታይ ሰሚዕኩም፡መን ኢዩከ እቲ ዝተዛረበ፡እቲ ንስኹም ዝፈራህክሞ፡ኣነውን ምሳኹም ኮይነ ብሕልናይ ይፈርህ ኣሎኹ።ኣሺንካይዶ እግዚኣብሄር ብግርማ ሞሎኮት ድምጹ ከስምዕሲ፡ሓንቲ ሰብ ዝሰርሓ ሞርታል፡ናይ ቶኽሲ ድምጺ ሰሚዐካ ልበይ ይመሉቕ።ቅዱሳን ሃዋርያት ተዓዲልኩም ዓዲልኩምና፡ሰሚዕኩም ኣስሚዕኩምና ኢኹም እሞ፡ነቲ ንዓኹም ዘስምዐ ኣምላኽ ነመስግን፡ንዓኹም ድማ ነኽብረኩም ኣሎና።
ለካ መንፈሳውነት ከምዚ'ዩ፡ሓደ እንተድኣ ብቅድስና በሊጽካ፡"ኣነኸደኣ ብምንታየይ ኢየ ደኺመ፡ነዚ ክርኢ ዘይበቕዓኹ፡ብርግጽ ሓጥእ ስለዝኾንኩ ኢየሞ፡እረ እግዚኣብሄር ብምሕረትካ መሓረኒ" ኢልካ ብድካምካ ምኣማን።ሃዋርያት ነቲ ን3 ዓመት ብዝትፈለለየ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናይ ቅድስና ኮርስ ክህቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ሓደ ነቲ ሓደ ብቅድስና ቀዲሙ ካልኣይ ሳልሳይ ተባሂሎም ንኸይስርዑ፡ ናብ 2 ማለት ሓዲኦም ንጎይትኡ ዘትሕዝ ዩሁዳዊ ሕልና፡ሓዲኦም ድማ፡ክሳብ ሰማያት ተነጢቑ ክሳብ ዕጸ ሂዎት ንዘሎ ሕልና ሰብ ዘይበጽሖ፡ንምርኣይ ዝኸኣሉ ከም ዮውሃንሳዊ ቅድስና ዝወነኑ ንኸኮኑ ወትሩ ሂዎቶም ይምርምሩ ነይሮም።ክርስትና ካብ ቀዳማይ ክሳብ 10ይ ዘሎ ብሉጻ ተባሂሎም ዝሽለሙ ዋንጫ ዓለም ዘይኮነስ፡ኩሉኻ ቀዳማይ ወጺኻ ኩሉኻ ሰማያዊ ዋንጫ እትዓትረሉ ግጥም ኢዩ።
እወ! ገሊኦም "ኣደ ኣምላኽ ትኣክል ካብ ሰማያት ንኽትመጻናሞ፡የአሃንስ ዝረኣዮ ንሕና ከኣ ክንርኢ" ብማለት ቅዱስ ቅንኢ ሒዝዎም መታን ክብርትዑ ብጾም ሱባኤ ኣተዉ፡ንሳ እታ ቅድስቲ ኣደ ንሰማያት ምስ ዓረገት ድማ፡ኣብቲ ደመና ዝነብረሉ ስፍራ ሰማያት እንክትሓልፍ ቶማስ ዘሃዋርያ ነዚ ተኣምር ናይ ትንሳኤ ብዘይምርኣዩ ንነብሱ ፈጺሙ ፈንፈና፡"ጎይታይ ኣነ ሓጥእ ብኻነይ ድየ ነዚ ክልተ ትንሳኤ፡ናትካን ናይ ኣዴኻን ከይርኢ ዝኸልከለኒስ ብርግጽ ሓጥያተይ ኢዩሞ ኦ ጎይታ ተለመነኒ፡ዋላ ሱባኤ ክኾነኒ ካብዚ ዓንዲ ደመና ክጸድፍ!" ኢሉ ነቲ ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ዘምጽኦ ክሳብ ብደመና ናይ ምጉዓዝ ጸጋ፡ንድሕሪት ገደፎ።ቅድስና ንዘለካ ይኣኽለኒ ኢዩ ኢልካ ንነብስኻ ምትዕሽሻው ዘይኮነስ፡ድኻምካ ንምፍላጥ ዝግበር ናይ ሕልና ቃልሲ ኢዩ።ቅዱስ ቶማስ ናይ ኣየር ትኬት ኣይከፈለ፡ፓስፖር ቪዛ ኣይሓተተ፡ኣብ ምድሪ ኮይኑ ብዝሰርሖ ናይ ቅድስና ተጋድሎ፡ክሳብ ብዘይክንፊ ንደመና ከም ጫማ ክጥቀመሉ ተፈቕደሉ።ነዚ ግን ንመንግስተ ሰማይ ከብጽሓኒ ኢዩ ኢሉ ንነብሱ ኣየተዓሻሸወን፡ነዚ ትንሳኤ ከርእየኒ ዘየኽኣለኒሲ ሓጥያተይ ክኾውን ኣሎዎሞ፡ጎይታይ ሓጥያተይ ንገረኒ በለ።ኣደ ኣምላኽ ግን " ኣጆኻ፡እዚ ንስኻ ትርእዮ ዘለኻ ሃዋርያት ኣይረኣይዎን!" በለቶ።ንምስክርውን መግነዛ ሃበቶ።
ኣቤት ሕልና፡እግዚኣብሄር ዝባረኾ ሕልና ስለሓጥያቱ የስተንትን፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ ሕልና ድማ ስለጅግንነቱ ከውሪ ይውዒል፡እግዚኣብሄር ዝዓደሉ ሕልና ባዶ ምንም ዘይብሉ ምኻኑ ይኣምን፡እግዚኣብሄር ዝጸላኣሉ ሕልና ግን ኩለን ዝገበረን ጽቡቕ ትሩፋት፡ከም ዝጠፈሸ ነጋዳይ ክጸባጸብ ጽሓይ ትዓርቦ።ናይ ሃዋርያት ሕልና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝያዳ በረኸት ተዋሂብዎ ክርእዩ እንከለዉ፡ብቐጥታ ዝሓስብዎ ሰይጣናዊ ቅንኢ ዘይኮነስ፡" ኣነ ነዚ ዘይበቕዓኽዎኮ እግዚኣብሄር መዳለዊ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ብርግጽ ሓጥያት ስለዝፈጸምኩ ኢየ" ኢሎም ይሓስቡ።ሽዑኡ ብጾምን ብጾሎትን ሱባኤ ይኣትዉ፡ንኣምላኾም ኢሎም ዝጸሙን ዝጥመዩ ብጿኣን ኢዮም ኢሉ ዝመሃሮም ኣምላኽ፡ብዝገበርዎ ናይ ቅድስና ሱባኤ ብርእዮ የርእዮም።
ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሄር ይመስገን።
በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሄር ይመስገን።
በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
በረከተ ናይ ኣቦና ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ይክፈለና፣ኣሜን፣፣
ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ።
ብምኽንያት በዓለ ደብረ ታቦርን በዓለ ፍልሰታን ዝተጻሕፈ መንፈሳዊ ጽሑፍ ኢዩ።
ብምኽንያት በዓለ ደብረ ታቦርን በዓለ ፍልሰታን ዝተጻሕፈ መንፈሳዊ ጽሑፍ ኢዩ።
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar