lørdag 4. mars 2017

ቤተ ክርስትያን ትሕድስ እምበር ኣይትሕደስን፣፣

በስመ ስላሴ፡ይቀጥቀጥ ከይሴ
ቤተ ክርስትያን ያኢ ዘመናዊት ጎርዞ ተረኺባስ ብፋሽናዊ ስነሓሳብ ክትሕደስ፡ያኢ ግራት ቃድራ ኮይናስ ከረምቲ መጸ ክትሕረስ
ጉባኤ ፓርላማ ኮይናስ ኣብ 4ይ ዓመት ወትሩ ንጉሳዊ ምሕደራኣ ክቕየር፧
ናይ ዘመንና ጎርዞ ምስ ዘመን መጸ ክትከይድ ክትብል ዕድሜኣ ብኾንቱ ስለዝኸይድ፡ንሳ ንኣካላታ ክተጸባብቕ ዕድሜኣ ክኣርግ፡ንሳ ቅብኣ ወድቕባኣ ክትሸባብጥ፡ቆርበታ ይኣኽለኒ ኢሉ ዕድሜኡ ከብቅዕ ይረባረቡሞ፡ኣብ መወዳእትኡ ፋሽናዊ ስነሓሳብ ዘይወልዶ ዘይብሉ ናብ ድቕ ዝበለ ጥፍኣት መሪሕዋ ይኸይድ።ሓለፍና ክብላ ሞጎጎ ይዓጥና ከም ዝብሃል፡ሓለፍኩ ክትብል ጥራሕ ሕፍረታ ክትከይድ ትጅምርሞ ኣየሕፍራን ድማ።ቤተክርስትያን ግን ዘመናዎት ዘይኮነትስ ዘልኣለማዊት ኢያ።ናይ ቤተ ክርስትያን ስነሓሳብ ምስ ዘመን ዝቀያየር ዘይኮነስ፡ንዘመን ዝቕይር ዘልኣለማዊ መንፈሳዊ መርሖ ዝሓዘ ኢዩ።ደቃ ደቂ ቤተ ክርስትያን ውን ደድሕሪ ንፋስ ክነፍሱ ዘይኮነስ ዘልኣለማዊ መንገዲ ሒዞም ቀጥ ክብሉ ኢዩ ዝግብኦም።
ቃድራ ዓመታዊ ይሕረስ ኢዩ፡ክሕረስ እንከሎ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዘርኦን ኢኻ፡ምኽንያቱ ተፈጥሮ ናይ ቃድራ ሓደ ዓይነት ዘርኢ እንተዘሪእካዮ ፍረ እቶት ኣይምእክትን ኢዩ።ዋላ ሓደ ዓመት የዕርፍካ ክትዘርኣ እንከለኻ፡ኣብ ዝቕጽል ግን ካልእ ክኾውን ይምልክዕ።ቤተ ክርስትያን ግን ቃድራ ኣይኮነትን፡ኩሉ ግዜ ለምለም ኢያ።ትምህርታዊ ወንጌላ ዓመታዊ እንዳቐያየርካ ንኽሕፈስ ዝተፈላለየ ናይ ሓሳብ ማሕረሻ ምጥቃም ዘይኮነስ፡ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝባኑ ተሓሪሱ ብደሙ ዝዓደጋ ግራት ቅዱሳን፡ፍረኣ ምሉእ ኢዩ ክምገብ ዝደለየ ይምጻእ እምበር ንቤተክርስትያ መጋቢ ክኾና ኢሉ ክሕድሳ ኣይክእልን፡፡ዓመት መጸ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ምምሃር ግን፡ንክርስቶስ ዓመት ዓመት ንዓ ዝባንካ ዳግማይ ተሓረስ ከም ምባል ኢዩ።ኣንቱም"ናይ ዓሚ ትምህርታ ንቐይሮ፣ናይ ቅድሚ 500 ዓመታት ዝነበረ ንሓድሶ፡ሕጂ ዘለና ብዓል እገለ እገለ ዝተርጎምዎ ኢዩ ጥዑይ እምበር፡ናይ ቀደምሲ ቀደም ኢዩሞ ንቐይራ" ኢልኩም ትጭድሩ ዘለኹም፡ከይተረደኣኩም ነቲ ብየእዳውና ብየእዳው ደቂ ሰብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝባኑ ብኹርማጅ ተለብሊቡ፡ደሙ ከም ዝናብ እናዘነበ፡ዝሓረሳን ዘብቆላን ግራት፡ዳግማይ ይደገም ኣይበርሃልናን ከም ማለት ምኻኑዶ ዘንጊዕክሞ፧
ቤተ ክርስትያን ናይ ዘመንና ፓርላማ ኣይኮነትን፡ኣሜሪካዊ ምምሕዳር ኣብ 4 ዓመት 4ዓመት ኢዩ ዝቀያየት፡እቲ system ውን ብመልክዑ እናተሓደሰ ይነብር።ምኽንያቱ ሰብ ብባህሪኡ ዘልኣለማዊ መርሖ ሒዙ ክቐርብ ኣይክእልን።ተኸኣለ ክሳብ 100 ዓመት ካብኡ ንንዮ ነቶም ዝቕጽሉ ወለዶ ገዲፍሎም ይኸይድ።ቤተክርስትያን ግን ዓለም ኣይኮነትን ኣብ ዓለም እትርከብ ናይ ክርስቶስ ቆንስል እምበር።ቤተ ክርስትያን ኣሜሪካ ኣይኮነትን፡ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ናይ እግዚኣብሄር ኤምባሲ እምበር።ቤተክርስትያን ቻይና ኣይኮነትን፡ኣብ ቻይና እትርከብ ግን ከኣ ንቻይናዊ ስነሓሳብ እትጽየን እምበር።ቤተክርስትያን ምድራዊት ንግስቲ ኣይኮነትን ፡ኣብ ምድሪ ትርከብ ክንሳ ሰማያዊ ስልጣን እትውንን ዘልኣለማዊት እምበር።በሉ ነዚኣ ክናሕድሳ ማለት፡ንዙፋን ዋናኣ ምድፋር ኢዩ።መርዓዊ ንመርዓቱ ዝደፍረሉ ኣይፈቱን ኢዩ።መርዓት ውን ንመርዓዊኣ ተውስደላ ጎርዞ ኣይትፈቱን ኢያ።ንቤተክርስትያን ምሕዳስ ማለት፡ውሻጠ መርዓት ኣቲኻ ምዝራፍ ኢዩ።ንቤተክርስትያን ምሕዳስ ማለት፡ኣብ ዙፋን መርዓዊ ተቐሚጥካ መርዓትካ ንዓይ ሃበኒ ከም ምባል ኢዩ።ዕደ ነሳእኩም መርዓቱ የሕሊፉ ዝህብ መርዓዊ ኣይኮነን።ንሳውን መርዓዊኣ እንዳሃለወ፡ጉልባባ ክትቀልዕዎ ስቕ ኢላ ኣይክትርእየኩምን ኢያ።ዝከላኸሉላ ዓርኪ ርእሲ ኣሎዉዋ፡
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር፡ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!

በስመ ሥላሴ ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!  መዘና ነይሩና ካብ ኲሉና ዝወዓየ ኣኸዓየ ከይተባህለ ኣብ ካልኡ ዝዓበየ ሰማይ ከይነጐደ ከተማ ዝረኣየ ሰልዲ ዝለመደ ጥሪት ከይጓሰየ ነይሩ ዓርክና ንፉዕ በዓል ሸቐጥ መሃብን ም...