በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኣዘንትዉልናሞ ከነዘንትወልኩም!
ኣዘንትዉልናሞ ከነዘንትወልኩም!
ብዛዕባ ጽባቐ ወርሒ ብሳትላይት ኬይድኩም ዝፈለጥኩሞ ንገሩናሞ፡ንሕና ከኣ ብዛዕባ ፈጣሪኣ ክንነግረኩም! ብዛዕባ ናይ ጸሓይ ሓያልነት ንገሩናሞ፡ንሓና ድማ ብዛዕባ ኣማናዊ ጽሓየ ጽድቅ ፈጣሪ ጽሓይ ክንነግረኩም፡ብዛዕባ ስፍሓት ኣድማስ(UNVERSE) ዝበጻሕኩሞ ምዕባለ ንግሆ ንግሆ ብዜና መልክዕ ጌይርኩም ንገሩናሞ፡ንሕና ድማ ብዛዕቢቲ ልዕሊ ኣእምሮ ዝኾነ ስሉስ ቅዱስ ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ክንነግረኩም።
ኣንቱም ተማራመርቲዶ ክንብለኩም ወይሲ ጽዓዱ!ኣይ ምኹና ሎሚ ግዳ ኩሉ እንድዪ ኣፍ ኣውጺኡ ተማራማሪ ኮይኑ፡ ክነግረካ ዝብል እምበር ንገረኒ ዝብል ተሳኢኑ፡እመነኒ ዝብል እምበር ብዛዕባ ኣምላኽ ኣእምነኒ ዝብል ተሳኢኒ።ስምዑ ግዳ፡- እዚ ኩሉ ብዛዕባ እቲ ብዝተፈላለየ ሳትላይታት ብዝረኸብኩሞ ሓበሬታ፡ንምንጋር ትቀላጠፉ ኣሎኹም እሞ፡ብዛዕባቲ ነቲ ዝረኸብኪሞ ሓቤሬታታት ዝፈጠረ ልዑል ህልውና ፍጣሪ ክንነግረኪም ከኣ ጽን ኢልኩም ስሙዑና።
ህልውና ንፋስ እንዳኣመንኩምሲ፡ከመይ ኢልኩም ህልውና ፈጣሪ ናይ ንፋስ ምርዳእ ኣበየኩም?
ሓደ ዓይነስዉር ሰብ ብርሃን ከምዘሎ ይኣምን ኢዩ፡ሓንቲ መዓልቲ ግን ብርሃን ርእዩ ኣይፈልጥን፡ነዚ ዓይነስዉዚ ሓደ ግዜ ብሕልናይ ኮይነ ሓቲተዮ?" ነዞም ፈጣሪ የለን ዝብሉ እንታይ ኢልካ መረዳእካዮም "በልክዎ፥ ንሱ ውን ብሕልና መለሰለይ።ኣነውን ብሕልና ኮይነ መልሱ ሰማዕኩ።"ፈጣሪ የለን ክብሉ እንከለዉሲ፡ኣነ ዓይነስዉር ኮይነ ዘለኹሉ ዘመን ኩሎም ነገራት ህልውነኦም ክኽሕድ እንተዝብሎም፡ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ምጠፈኦም።ምኽንያቱ ንሳቶም ዘምልኽዎ ኣብ ዝርአን ዝጭበጥን እምበር ኣብ ረቒቕ ልዕሊ ኣእምሮ ዝኾነ ኣምላኽ ከምልኹ ብቕዓቶም ውን ላሕሊሑ ኢዪ።ስለዚ ኣነ ዓይነስዉር ኮይነ፡ ፍጥረት ዝበሃል የለን፡ብዜካ ኣነ ንነብሰይ ምሳይ ስለዘላ እምበር ካልእ ፍጥረት የለን፡እንተዝብሎም፡"ካልእሲ ይትረፍ ብዛዕባ ህልውናና ክትኣምን ኣሎካ" ኢሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ህልውና ተቐርቆርቲ ምኾኑ" ኢሉ እዚ ዓይነስዉር መለሰለይ።
ዘመንና ተማህሮ ዝውሕድሉ፡ዕልቕልቕ ናይ መምሃራን ግን ልዕሊ መጠን ኣብ ዓለም ዝዝርገሓሉ ግዜ ኢዩ።ዝገርም ግን መብዛሕትኦም እቶም መምሃራን ብዛዕባ ርእሶም እምበር ብዛዕባ ፈጣሪኦም ኣይምህሩን።
እግዚኣብሄር ሆይ ኣነ ደካማ ባርያኻ፡ስምካ ክጽውዕ ዘይበቅዕ ሓጥእ ኢየሞ፡ብዝገበርክዎ በደል፡ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ንስኻ ንኹሉ ትፈልጦ ኢኻሞ፡ብዝሓለፈ መሓረኒ፡ብዝመጽእ ብወላዲትካ ደጊፈኒ፡ንኹሎም ፍጥረትካ ብፍላይ ነቶም ዝተበጀኻና ደቅኻ ምሕረትካ ኣፍሥሰልና።ክብርን ምስጋናን ዕቤትን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብሓደ ኣምላኽ ብዝኾነ ንኣብምን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሎምን ኩሉሳዕን ኣሜን።
በረኸታ ረዲኤታ ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ኣይፈለየና ኣሜን።
ብዛዕባ ህልውና እግዚኣብሄር ዝወሃብ ትምህርቲ
እግዚኣብሄር ሆይ ኣነ ደካማ ባርያኻ፡ስምካ ክጽውዕ ዘይበቅዕ ሓጥእ ኢየሞ፡ብዝገበርክዎ በደል፡ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ንስኻ ንኹሉ ትፈልጦ ኢኻሞ፡ብዝሓለፈ መሓረኒ፡ብዝመጽእ ብወላዲትካ ደጊፈኒ፡ንኹሎም ፍጥረትካ ብፍላይ ነቶም ዝተበጀኻና ደቅኻ ምሕረትካ ኣፍሥሰልና።ክብርን ምስጋናን ዕቤትን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብሓደ ኣምላኽ ብዝኾነ ንኣብምን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሎምን ኩሉሳዕን ኣሜን።
በረኸታ ረዲኤታ ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ኣይፈለየና ኣሜን።
ብዛዕባ ህልውና እግዚኣብሄር ዝወሃብ ትምህርቲ
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar