torsdag 2. mars 2017

ኣቐዲሙ ንዝፈለጥካና እግዚኣብሄር ንዘለዓለም ተመስገን ።

ኣቐዲሙ ንዝፈለጥካና እግዚኣብሄር ንዘለዓለም ተመስገን ።
ኦ እግዚኣብሄር ክጽነስ እንከለኹ ድቂ ምስ ኮንኩ፣ኣብቲ ቅድሚ ምጽናሰይ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሕልና ኣቦይን ኣደይን ነበርካ።ሽዑኡ ምስኦም ኮይንካ ንኽምርዓዉ ኣተባብዓኻዮም።ኣነ ግን ሽዑኡ ናብዛ ማህጸን ኣደይ ክኣቱ ምኻነይ ይፈልጥ ኣይነበርኩን።
ድቂ ኮይነ ምስ ተጸንውስኩ፡እቶም ክልተ ዓይነት (ተባዕታይን ኣንስታይን) ፈሳሲ ዘርኢ ወለደይ፡ናብ ዓጽሚ ለበስ ኮይነ ንኽስራሕ ድንቂ ተኣምር እረ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ እካ እንተኾነ፡ኣብ ማህጸን ኣደይ ኮይንካ ዝሰራሕካኒ ግን ንስኻ ኢኻ።ነቶም ክልተ ዘርኢ ኣርጋእካዮም እሞ ዓጽሞ ለበስ ኮይነ ቀስ ብቐስ ኣነ ተሰራሕኩ።ነገር ግን ቅድሚ ኣብ ማህጸን ምእታወይ ንስኻ ክትሰርሓኒ ምኻንካ ይፈልጥ ኣይነበርኩን።
ትሸዓተ ወርሒ መሊአ ካብ ማህጸን ኣደይ ምስ ወጻኹውን፡ናብዚ ሕጂ ዘለኽዎ ደረጃ ዓቕሚ ኣዳም ክበጽሕ ምኻነይ ኣይፈልጥን ነይረ።ኣብ መንጎ ህጻንነተይን፡ኣብ መንጎ ንእስነተይን ንዝነበረ ውረድ ደይን ናይ ሓጥያት ቃልሲ ክሳብ ክንድዚ ክብድለካ ምኻነይ ኣቐዲመ ይፈልጥ ኣይነበርኩ።ንስኻ ግን ቅድሚ ምውላደይ፡እረ ኣቦይን ኣደይን ቅድሚ ምምርዓዎም፡ንዓይ ትፈልጠኒ ነይርካ።ምስተመርዓዉ፡ምስ ወለዱኒ፡ምስየዕበዩኒ፡ኣነ ናብ ጋይላን ዳንኬራን ክኸይድ ከለኹ፡ክሽፍት ኣጽዋር ሓጣውእ ዓጢቐ ኣንጻር ቅድስና ክልዓል እንከለኹ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንስኻስ ትፈልጥ ነይርካ ኢኻ።
ከመይ ዝበለ ርህራሄ ኢዩ ርህራሄኻ፡ከመይ ዝበለ ለውሃት ኢዩ ለውሃትካ!!
ከመይ ዝበለ ርህራሄ ኢዩ ርህራሄኻ፡ከመይ ዝበለ ለውሃት ኢዩ ለውሃትካ!!
ሓንቲ መዓልቲ ነዛ ስልጣንካ ንዓይ እንተትህበኒሲ፡እሞ ድማ እዞም ኩሎም ንጽባሕ ዝብዱልኒ ሰባት ኣቐዲመ ክብድሉ ምኻኖም እንተዝፈልጥ፡ዘውርደሎም ጭካነ መለክዒ ኣይምሃለዎን።ለዋህ እግዚኣብሄር ንስኻ ግን ትማሊ ንዝነበረ መንነተይ ከይተጸየፍካ ንናይ ጽባሕ ትንሳኤይ ተመልከትካ።ምንም እካ እንተኣጉሃኹኻ፡ንስካ ግን ክሳብ መጨረስታ ተዓጊስካኒ ኢኻሞ ተመስገን።
ሕጅውን ኦ ሉዕል እግዚኣብሄር፡ጽባሕ እንታይ ከምዝኸውን ኣይፈልጥን ኢየ፡ክብድለካ ድየ ከሕጉሰካ፡ቀታሊ ነፍሲ ድየ ክኾውን ብቃልካ ሰባኺ፡ወናም ብዓል ጛይላ ድየ ክኸውን ብፍቕርኻ ዝምብርከኽ፡ኣይፈልጥን ኢየ።ንስኻ ግን ንኹሉ መንነተይ ትፈልጦ ኢኻሞ ሕጅውን ተመስገን።ንጽቡቐይ እምበር ንጥፍኣተይ ከምዘይትዓጥቕ ንስኻ ትፍለጥ ኢኻሞ ተመስገን።
ከመስግነካ እንከለኹ፡ካብ ልሳነይ ወይ ካብ ልበይ ዝመንጨወ ኣይኮነን ናትካ ገንዘብካ ኢዩ።ምስጋኻ ኣብቲ ንስኻ ዘለኻሉ ስፍራ መሊኡ ኣሎ።ኣብ ልበይ ኣሎኻ፡ኣብ ልሳነይውን ኣሎኻ፡ኣብ ነፍሲወከፍ ከይዲ ሂዎተውን ኣሎኻሞ እንተኣመስገንኩኻሲ ኣነ ዝፈጠርክዎ ምስጋና ኣይኮነን።ናትካ ናይባህሪኻ ኢዩ።እንተዘየመስጊነካ ዝጎድለካ ኢየለን፡እንተኣመስጊነካ ድማ ዝምልኣልካ የለን፡ነገር ግን ምስ ኣመስገንኩኻ ባራኺ ኣምላኽ ኢኻ፡እንተኣግረምሪመ ግን እቶም መግረምቲ ዝኾኑ ምስጋናኻ ዝቃወሙ ኣጋንንቲ ንልበይን ልሳነይ ከይከብዎ መታን ንዓኻ ከመስግን ሓይሊ ሃበኒ።
ኣሜን፡ኣሜን ኣሜን።
ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ምስጋና ይኹን ፡
ንወላዲቱ ኣደ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ምስጋና ይኹን፡
ንክቡር መስቀሉ ምስጋና ይኹን፡
ኣሜን ኣሜን ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ተቐማጢ-ዲያስኮራ ወዲ ዲያስፖራ....!

"ስርሓትካ ወርቂ ብህሎኻ ሓቂ ሳላኻ ተሓሊፉ ዓጸቦ ተሰጊሩ መጻብቦ ከብድና ሓምሊ ተጸይኑ ብጡዕም ብልዒ ተዊኑ ዝዓረቐ ዝባንና ኣመስጊኑ ሳላ ሓዋላ ድኻ ተሳኢኑ ሳላኻ ተመርዒና ብጁባኻ ኮርዒና ተቐማጢ ዲያስቆራ ናይ ቆ...