mandag 27. mars 2017

በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ተኸሻሕካ፣

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ፈለጥኩ፡
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ቴክኖሎጂ፡ሰብ ንሓንቲ መልእኽቲ ንምብጻሕ ቀደም ዘመን ብእግሩ፡ብምኻድ ዘበጻጽሕ ዝነበረ፡ሕጂ ብሓንቲ ሰከንድ ዝጸሓፍካዮ ደብዳበ ብዘመናዊ መሳርሒ እንክበጽሕ፡ናይቲ ዝጽሓፍካዮ ወይ ዝለኣኽካዮ መልእኽቲ ድማ እቲ ተቐባሊ ደብዳበ፡ዘለዎ ርሕቀት ብኣሽሓት ሚሊዮናት ኪሎሜተር ርሒቑ ዋላ እንተሃለወ፡ናይዛ ደብዳቤኻ ተማቓሊ ንምኻን ግን ክሳብ ኣብ ኢዱ ዝርከባ ዳርባ እምኒ እካ ኣይከድን።ኣብ ኮፍ መበሊኡ ተኾይጡ እናሃለወ፡እታ ሞባይል ደ
ብዳበ መጺካ ኣሎ፡ንኽትብል ምልክት ትገብረሉ።
ኣብ ዓድና ሓዘን እንተጋጢሙ፡ነዚ ሓዘንዚ ተማቐልቲ ኩኑ ንምባል ደብዳበ ኣይኮነን ዝጽሓፍ ነይሩ።እካድኣ ንፉዓት መእወይቲ፡ንዓዲ ምልእቲ ክንቕንቅ ዝኽእል ድምጺ ዝውንኑ እግሮም ውን ነዊሕ ጉዕዞ ከይደን ዘይርብርባ የእጋር ዘለወኦም ሰባት ተሓሪዮም ኢዮም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናኸዱ ዘእውዮ ነይሮም።ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ተለዊጡ፡ማስሜድያ ንብስራት ይኹን ንመርድእ ናይ ክልቲኡ ተውለ ኮይኑ ይዓዪ ኣሎ።
ቅዱሳን መንፈሳዊ መልእኽቶም ንምጽሓፍ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ተጋድሎ፡በዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ቅንጣብ ሞባይ ገይረ ክገልጾ ኣይክኣልኩን።ግን ቀለም በጽቢጾም ከም ብርዒ፡ቆርቦት ኣልፊዖም ከም ወረቐት፡ንቅዱሳን መጽሓፍቲ ምሉእ ይጽሕፉ ነይሮም እንተኢለኩም ዘይክትኣምኑኒ ትኽእሉ ኢኹም።ግን ናብ ገዳሞም ኪዱሞ ኣሰሮም ክሳብ ሕጂ ከይሃሰሰ ክትረኽብዎ ኢኹም።ሎም ሓደ ሰብ መንፈሳውነቱ ንኽገልጽ፡ዝጥቀመሉ ዓይነት ኣጸሓሕፋን፡ኣሳድዳ ደብዳበን ግን ኣዝዩ ዝተፈለየ ኢዩ።ቁርን ሃሩርን ከይህረም ሳሎን ከም በዓቲ፡ብቀለምን ቆርበትን ከይላዲ ከይልኪ ድማ፡ጽሒፍካላ ወረቐታ ዘይዳእ ኮምፒዩተር ሒዙ ይጽሕፍ እሞ፡ንዓባ ተላኣኸኒ፡ኣብጽሓለይ ዘየብላ send ምስ በላ ብሓቲ ረምታ posted ትብሎ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዝፈትወኩም ወገናት፡በዚ ሎሚ ንገብሮ post መንነትና ይኽሻሕ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ facebook ሰብ add ይብሉኒሞ፡መን ክብል ኢለ ክሓቶም እንከለኹ፡በቲ ዝሰደድካዮ ስለዝተሳሕብኩ ኢየ add ዝበልኩኻምበር ኣይፈልጠካን ኢየ፡ዝበሉኒ ብዙሓት ኣጋጢሞምኒ ኣሎዉ፡ገሊኦም ድማ በቲ ዝረኣይዎ ተቖጢዖም "ድሕሪዛ ሕጂሞ ከምኣ ግበር ኢኻ፡block ክገብረካ ኢየ እናተባሃሃሉ ንሓድሕዶም ብናይ ምፍርራሕ እምኒ ክሰናደዉ፡ነዘን የእማን እዚኤን ኣብ commet በጨቕ ኢለን ይረኣያ ኢየን።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታትውን፡ገጾም ብሓዘን ከሰል መሲሉ እንክረአ ናይ መልቀስ ግምጃ ለቢሶም፡የልቅስ ኣሎኹሞ ኣላቑሱኒ ንኽብሉ ጸሊም ካባ ገይሮም profile ጥፍዕ የብልዎሞ፡እቲ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ሰፊሩ ዘሎ ወገን፡ነዚ ርእዩ መልቀስነቱ ንኽገልጽ R,P ኢሉ ይጽሕፍ።ኣልቂሱ ድዩ ኣየልቀሰን፡አይ አይ ኢሉ ድዩ ኣይበለን ግን እግዚኣብሄር ዋንኡ።ኣብ ካልእ ዓውዲ ድማ ኣብ ኣእሙራዊ ስነኪናት ተመኩሮ ዝወሰዱ ዝመስሉ፡ኣብዚ ክስቶ ዝብሃል ዓዲ ከምዚ ኮይኑ፡ሃገረ ክስቶ ከምዚ ገይራ፡መንግስቲ እገለ ከምዚ ገይሩ ዝብል ወረ ንግሆ ንግሆ መመጽኡ ይረኣየናሞ፡ልብና ነዚ ርእያ ውላዳ ከምዝጠፈአ ሰበይቲ ከብድና ብፍርሒ ይሕቆን።
ኣብዚ ስነ ሞገተ ዘለዎ ዓውደ መራኸቢ ብዙሓን፡ኣብ facebook፡ኣብ viber፡ኣብ wasap፡ኣብ imo,ወዘተ እንሰዶም ደብዳቤታት እንታዎት ምኻንና ንመን ከምንመስል፡ዝነግሩ ንምስልና ቁልጭ ኣቢሎም ንምሉእ ዓለም ዝነግሩ መስቲያት ምኻኑ ብሩህ ኢዩ። ስእሊ post ምስተባህለ "እዋእ ወዲ ኣገለሲ ክንድምንታይ ኢዩንታ ኮይኑ፡ክላእ እዛ ጋልዚኣ ከኣ ምስ ክንደይ ኣወዳት ኢያ ወደይ ክትስኣል፡ኣቤት ጥራሕ ዝባና፡ሓለፍና ክብላስ ሞጎጎ ይዓጥና ኮይኑ፡እዚኣስ ሕጂ ሕጂ መጺኣስ ድሮ ናይ ዓዳ ሓመድ እካ ዘይነገፈትሲ ኣብዚ መጺኣ ጥራሓ ክትሰኣል፡እነሆለ እቲ ኣብ ዓዳ ዝነበረ ጭውነታ ኣፍ ኣውጺኡ ጭዋ ጋል ጭዋታት ምኻና እንዳመስከረስ፡ነዚ ክትቃወም እንክትብል ብባርነት ሓጥያት ዝተኣሰርኩ፡ንሓጥያት ዝተሸጥኩ ኢየ ኢላ ሕፍረታ ቀሊዓ ብስእሊ ከተርእየና፡" እንዳበልካ እተማርረሉ፡ምስሊ እታ ሰብ መን ምኻና በቲ post ዝገበረቶ ስለዝገምገምካ ኢዩ።ብኻልእ መዳይውን ኣይ "እዚኸኣ እዝኑ ተሰቒሩ፡ስሪኡ ማዓኮሩ እንዳተራኣየ፡ሽጋራ ኣብ ኢዱ ጨቢጡስ ንመን ክመስል ስለዝደለየ ኢዩ፡ኣብ ዓዱ ደኣ ከምኣ ዘይገብር ዝነበረ፡ወይዚ መዋረዲ ስድሩኡን ሃገሩን እባ ኣዋሪዱ፡ኣዋሪዱና!" ኢላ ልብና ቅሬታኣ እትገልጸሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ስለምንታይ ኢዩ እንተ ኢልና፡እቲ post ዝተባህለ ምስሊ ልቢ ናይቲ ሰብ ዓው ኢሉ ስለዝዶርጉሓልና ኢዩ።
ወገናተይ፡መቸም ጽቡቓት፡ዉርዙያት፡ለባማት ተባሂልኩም ብኣምላኽ መታን ክትነኣዱ እምበር፡ብሰባት መታን ክትውደሱ ኢልኩም ከምዘይትገብሩ ግምት ኣሎኒ።የግዳስ እቲ post እንገብሮ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ብዛዕባና ዘውሪ ዓቢ ድምጺ ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና።post ዝገበርናዮ ሕማቕ እንተኾይኑ ቀዳሞት ተነቀፍቲ ንሕና ኢና፡post ዝገበርና ሰናይ ተኾይኑውን ቀዳሞት ተነኣድቲ ንሕና ኢና።ነዚ ቅሬታ ተሰሚዑ ነቐፌትኡ ዝዱርጉሕ ድማ ቀዳማ ምይ መን ኢዩ፧ ኢልና እንተሓሲብና፡ሰብ ኣይኮነን።ብዝገበርናዮ ሰናይ post ኣገናዕ፡ከመይ ዝበለ ደስ ዝብለካ ሰብ ኢዩ ወደይ፥ኢሉ ዝንእደናውን ሰብ ኣይኮነን።ሰብ post ምስ ገበርናዮ፡እሞድማ ምስ ኣምበቦ ወይ ምስረኣዪ ኢዩ፡ዝንእድን ዝነቅፍን እምበር post ከይገበርናዮ ክፈልጦ ኣይክእልን።ገና post ከይበልናዮ ኣብ ልብና ጽሒፍናዮ ዝጸናሕና፡ገና ናብ ዓለም ከይተዘርግሐ እንከሎ፡እረ ገና ኣብ facebook login ከይበልና እንከለና እንታይ post ክንገብር ምኻንና ኣምቢቦ ዝፈልጥ ግን እግዚኣብሄር ኢዩ።ስለዚ በቲ ገና ክንገብሮ ዝሓሰብና ክፉእን ንሰባት ቅሬታ ዘስምዕን፡ገና በገንኡ እግዚኣብሄር ይሓዝን።በቲ ክንሰዶ ዝሓሰብና ሰናይ ነገርውን ገና ከይሰደድናዮ እንከለና ኣገናዕ እንዳበለ ይሕጎሰልና።
ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።እሞ ወገናት ምስልና ርእዩ እግዚኣብሄር በቲ ክንገብሮ ዝሓሰብና ከይነቕፈና ዘንቅፍን ንሕልና ዘነውርን ደብዳበ post ኣይንግበር።በቲ ዝገበርናዮ ርእዮም ሰባት ኣብ comment ናይ ምርጋም እምኒ ከይስንድውልናውን እንገብሮ ኩሉ ንጠንቐቕሉ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ሰብሀት ለማርያም ኣመ ኣምላክ፡ስብሀት ለቅዱስ መስቀሉ ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!

በስመ ሥላሴ ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!  መዘና ነይሩና ካብ ኲሉና ዝወዓየ ኣኸዓየ ከይተባህለ ኣብ ካልኡ ዝዓበየ ሰማይ ከይነጐደ ከተማ ዝረኣየ ሰልዲ ዝለመደ ጥሪት ከይጓሰየ ነይሩ ዓርክና ንፉዕ በዓል ሸቐጥ መሃብን ም...