በስመ ኣበ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቅድስት ቤተክርስትያን ድማ"ኣብ መለኮተ እግዚኣብሔር ዘለኪ ግንዛቤ ግለጺ፧" ተባሂላ እንክትሕተት፡ "እግዚኣብሔር ብመለኮቱ ኩሉ ዝኽእል፡ማንም ፍጡር ኣብ ቅድሚኡ ክቐውም ዘይክእል ክንሱ፡ነቶም ናብኡ ዝያዳ ዝቐረቡ ግን፡እሳታዊ ሙቐቱ ስለዝቕንሰሎም ብምጥዓሶም ደሞዞም ካብ ምሕረቱ ይኽልሎም።በዚ መሰረትዚ'ቶም ዝያዳ ናብ እግዚኣብሔር ፍቕራዊ ቅርበት ዘለዎም፡ኣብኣቶም ሙቐታዊ ቁጥዑኡ ዝተቐነሰ ኢዩ፡እቶም ካብኡ ብሓጢኣታዊ ብልሽት ካብ ሕቕፋዊ ጎጆኡ ዝረሓቑ ድማ፡ቁጣዑኡ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ ርስነቱ ይብርትዖም።ንኣብነት ኣብ ሲኦል ዘለዉ ነፍሳት ብሰንኪ'ቲ ዝነበሮም ርሕቀት ካብ እግዚኣብሔር፡ቁጥዓዊ ሙቐት ናይ ፈጣሪኦም ስለዝብርትዖም የሕርቀምቅሙ፡፡እዚ ሙቐትዚ ገና ኣብ ምድሪ እንከለዉ ዝጀመረ ሕልናዊ ወቐሳ ኢዩ።ግዝፈታዊ ሙቐቱ ድማ እንዳበርትዐ ይኸይድሞ፡ድሕሪ ምጽኣት ንዘሎ ምስግጋር፡ኣብ ገሃንመ እሳት ፈጺምካ ዘይጠፍእ ፈልጺ ኮይኑ ዓጼፌታ ናይ ሲኦል ይኾኖም።በንጻሩ ድማ እቶም ሕጂ ኣብ ሕቕፊ ቤተክርስትያን ኮይኖም ምሕረቱ ዝምጠዉ ዘለዉ፡ምሕረቱ ዝዓዘዞም ስለዝኾኑ፡ ኣብኣቶም ሳላ ጣዕሳኦምን ሳላ ምሕረቱን ሙቐታዊ ቁጥዑኡ ዝተቐነሰ ኢዩ።ኣብ እግዚኣብሔር ዘላቶም ፍጽምቲ ኣምልኾን ፍቕራዊት ቅርበትን ድማ፡ድሕሪ ናይ ስጋ ዕረፍቶም ካብዚ ምድሪ፡ዝበለጸት ዕረፍቲ ናይ ሰንበት፡ ከም ግዝያዊት ደሞዝ ኮይና ትኽፈሎም።ኣብዛ ናይ ዕረፍቲ ሰንበትዚኣ፡ እሳታዊ ቁጥዓ ኣምላኽ ርሒቑ፡ ምስጋናን ምጽንናንዕን ጥራይ ካዕቢቱ ይርከብ።ካብኡ ናብኡ ድማ ናብ መንግስተ ሰማያት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ከይዲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን፡ ኢድ ሰብ ዘይሃነጻ፡ሕልና ደቂ ሰባት ዘይሓለና ብኢዱ ብኢድ ፈጣሪ ዝተሃንጸት መንግስቲ መታን ክወርሱ ፍጽምቲ ደስታዊ ስፍራ የውርሶም።" ኢላ ቤተክርስትያን ኣብ እሳታዊ መለኮት ናይ እግዚኣብሔር ዘለዋ ግንዛቤ እግዚኣብሔር ብዝሃባ ጸጋ ትገልጽ።
ኣብዚ ክልተ ተመሳሰልቲ ክውንነታት ኣነጻጺርና ከነስተውዕል ተኻኢሉ ኣሎ።ፍጥርቲ ጽሓይ፡ምንም እካ ፍጥርቲ ትኹን'ምበር፡ነቶም ካብኣ ኣዝዮም ዝረሓቑ ክፋላት ናይ ምድሪ ሙቐታ ዝያዳ ኣባኣቶም ይኽዕብት።ነቶም ብቅርበቶም ናብ ጎጆኣ ዝተጎዝጎዙ ክፍለ ምድሪ ከበሳታት ድማ፡ሙቐታ ኣብኣቶም ዛሕሊ ኮይኑ ከምቲ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ነቶም ሰለስቱ መንእሰያት ኣናንያ፡ኣዝርያ፡ምሳኤል ዘዝሓለሎም፡ጽሓይ ከኣ ሙቐታ ቀረብታ ሳላዝኾኑ ኣይትትንክፎምን።ብርሃና ግን ኣይንፈጎምን ኢዩ።ብተማሳስሊ ድማ እግዚኣብሔር፡ ኣብቶም ካብኡ ዝረሓቑ፡ብሰይጣን ንምስዓር ብፍታዉም ኢዶም ዝሃቡ፡ትረት ልቢ፡ስንፍና፡ሓጢኣት፡ርኽሰት ወዘተ ብዝኣመሰሉ ናይ ሓጣውእ መቑሕ ዝተኣሰሩ፡ክሳብ ብንስሓ ናብ ሑቕፉኡ ዘይተመለሱ፡እሳታዊ ወቐስኡ ወትሩ ኣብ ናይ ሕልና ውሻጠ ኢዩ።ሙቐት እግዚኣብሔር ጥልቀታዊ ሕልና ስለዘይግድቦ፡ብቐጥታ ኣብ ሕልና ኢዩ ጭላፋዊ ወቐስኡ ዝዝርግሕ፡ናብቶም ብፍጽምቲ ኣምልኾ ዝቐረብዎ ግን እቲ እሳታዊ ምቖቱ ብርሃን ኮይኑ ንሕልንኦም ይደግሖሞ ሕልነኦም ይበርህ።ሕልና እንተበሪሁ ድማ ስጋ ወዲ ሰብ ናብ ሓጣውእ ንኸይወጣወጥ ብብርሃን ገይሩ ይኽልሎ።ሽዑኡ "ጻድቕ ሰብ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ሸውዓተ ግዜ ከኣ ይትንስእ" ኢሉ ክዝምር ይጅምር።
ናብ እግዚኣብሔር እትቐርብ ሕልና ይሃበና።
ስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar