onsdag 18. april 2018

ቅርበት ሰብ ናብ ጽሓይን ናብ እግዚኣብሔርን!!


በስመ ኣበ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

 ጽሓይ ክንደይ ዝኣክል ኪሎ ዋት ዘለዎ ሙቐት ትውንን ኣእምሮ ደቂ ሰባት ክሳብ ሕጂ 100% ኮይኑ ዝበጽሖ ነገር የለን። መለኮታዊ እሳትነት ናይ ስላሴውን ክንድምንታይ ይኸውን ኣእምሮ ይኹን ሕልና ናይ ፍጡራን ክልክዖ ኣይክእልን ኢዩ።ቤተክስትያን ኣብ መለኮተ እግዚኣብሔር፡ተመራመርቲ ናይ ዓውላማ ድማ ኣብ ጽሓይ ዘለዎም ርእየት ግን ኣብ ሓደ ቁንጫሎ ናይ ድምዳሜ በጺሖም ኣሎዉ።ናይ ዓለም ተመራመርቲ ንናይ ጽሓይ ሙቐት ዘለዎ ግንዛቤ ንምትንታን፡" ጽሓይ ነቲ ካብኣ ኣዝዩ ሩሑቕ ዝኾነ ክፋለ ምድሪ ኣዝያ ብሙቐታ ተንድዶ፡ነቲ ብብራኼኡ ናብኣ ገጹ ዝቐረበ ክፋለ ምድሪ ግን ዓቂና ውሑድ ሙቐት ትዝርግሓሉ።ንኣብነት መታሕት ዓሞቕቲ ስለዝኾኑ ሰንኪ ካብኣ ምርሓቖም ብዝለዓለ ሙቐታ ገይራ ተንድዶም ፡ከበሳታት ግን ሳላ ብራኻዊ ኣቀማምጠኦም ዝወሓደ ሙቐት ይዓስሎም። ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ዝተሓተ ጽፍሒ ናይ ብራኼ ሰንኪ ምህላዉ ከቢድ ሙቐት ይወርዶ፡ እረ ብሃፋ ክሳብ ዝህንፈጽ ይኸውን፡በሪኽ እምባ ኤቬረስት ግን ሳላ ናብ ጸሓይ ዘለዎ ቅርበት፡እቲ ጤረር ጤረሩ ሙቐት ኣልቦ ኮይኑ፡ብበረድ ተጎልቢቡ ይርከብ!" ዝብል ምድራዊ ርእየት ኣሎዎም ዓለማውያን ተመራመርቲ።

ቅድስት ቤተክርስትያን ድማ"ኣብ መለኮተ እግዚኣብሔር ዘለኪ ግንዛቤ ግለጺ፧" ተባሂላ እንክትሕተት፡ "እግዚኣብሔር ብመለኮቱ ኩሉ ዝኽእል፡ማንም ፍጡር ኣብ ቅድሚኡ ክቐውም ዘይክእል ክንሱ፡ነቶም ናብኡ ዝያዳ ዝቐረቡ ግን፡እሳታዊ ሙቐቱ ስለዝቕንሰሎም ብምጥዓሶም ደሞዞም ካብ ምሕረቱ ይኽልሎም።በዚ መሰረትዚ'ቶም ዝያዳ ናብ እግዚኣብሔር ፍቕራዊ ቅርበት ዘለዎም፡ኣብኣቶም ሙቐታዊ ቁጥዑኡ ዝተቐነሰ ኢዩ፡እቶም ካብኡ ብሓጢኣታዊ ብልሽት ካብ ሕቕፋዊ ጎጆኡ ዝረሓቑ ድማ፡ቁጣዑኡ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ ርስነቱ ይብርትዖም።ንኣብነት ኣብ ሲኦል ዘለዉ ነፍሳት ብሰንኪ'ቲ ዝነበሮም ርሕቀት ካብ እግዚኣብሔር፡ቁጥዓዊ ሙቐት ናይ ፈጣሪኦም ስለዝብርትዖም የሕርቀምቅሙ፡፡እዚ ሙቐትዚ ገና ኣብ ምድሪ እንከለዉ ዝጀመረ ሕልናዊ ወቐሳ ኢዩ።ግዝፈታዊ ሙቐቱ ድማ እንዳበርትዐ ይኸይድሞ፡ድሕሪ ምጽኣት ንዘሎ ምስግጋር፡ኣብ ገሃንመ እሳት ፈጺምካ ዘይጠፍእ ፈልጺ ኮይኑ ዓጼፌታ ናይ ሲኦል ይኾኖም።በንጻሩ ድማ እቶም ሕጂ ኣብ ሕቕፊ  ቤተክርስትያን ኮይኖም ምሕረቱ ዝምጠዉ ዘለዉ፡ምሕረቱ ዝዓዘዞም ስለዝኾኑ፡ ኣብኣቶም ሳላ ጣዕሳኦምን ሳላ ምሕረቱን ሙቐታዊ ቁጥዑኡ ዝተቐነሰ ኢዩ።ኣብ እግዚኣብሔር ዘላቶም ፍጽምቲ ኣምልኾን ፍቕራዊት ቅርበትን ድማ፡ድሕሪ ናይ ስጋ ዕረፍቶም ካብዚ ምድሪ፡ዝበለጸት ዕረፍቲ ናይ ሰንበት፡ ከም ግዝያዊት ደሞዝ ኮይና ትኽፈሎም።ኣብዛ ናይ ዕረፍቲ ሰንበትዚኣ፡ እሳታዊ ቁጥዓ ኣምላኽ ርሒቑ፡ ምስጋናን ምጽንናንዕን ጥራይ ካዕቢቱ ይርከብ።ካብኡ ናብኡ ድማ ናብ መንግስተ ሰማያት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ከይዲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን፡ ኢድ ሰብ ዘይሃነጻ፡ሕልና ደቂ ሰባት ዘይሓለና ብኢዱ ብኢድ ፈጣሪ ዝተሃንጸት መንግስቲ መታን ክወርሱ ፍጽምቲ ደስታዊ ስፍራ የውርሶም።" ኢላ ቤተክርስትያን ኣብ እሳታዊ መለኮት ናይ እግዚኣብሔር ዘለዋ ግንዛቤ እግዚኣብሔር ብዝሃባ ጸጋ ትገልጽ።

ኣብዚ ክልተ ተመሳሰልቲ ክውንነታት ኣነጻጺርና ከነስተውዕል ተኻኢሉ ኣሎ።ፍጥርቲ ጽሓይ፡ምንም እካ ፍጥርቲ ትኹን'ምበር፡ነቶም ካብኣ ኣዝዮም ዝረሓቑ ክፋላት ናይ ምድሪ ሙቐታ ዝያዳ ኣባኣቶም ይኽዕብት።ነቶም ብቅርበቶም ናብ ጎጆኣ ዝተጎዝጎዙ ክፍለ ምድሪ ከበሳታት ድማ፡ሙቐታ ኣብኣቶም ዛሕሊ ኮይኑ ከምቲ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ነቶም ሰለስቱ መንእሰያት ኣናንያ፡ኣዝርያ፡ምሳኤል ዘዝሓለሎም፡ጽሓይ ከኣ ሙቐታ ቀረብታ ሳላዝኾኑ ኣይትትንክፎምን።ብርሃና ግን ኣይንፈጎምን ኢዩ።ብተማሳስሊ ድማ እግዚኣብሔር፡ ኣብቶም ካብኡ ዝረሓቑ፡ብሰይጣን ንምስዓር ብፍታዉም ኢዶም ዝሃቡ፡ትረት ልቢ፡ስንፍና፡ሓጢኣት፡ርኽሰት ወዘተ ብዝኣመሰሉ ናይ ሓጣውእ መቑሕ ዝተኣሰሩ፡ክሳብ ብንስሓ ናብ ሑቕፉኡ ዘይተመለሱ፡እሳታዊ ወቐስኡ ወትሩ ኣብ ናይ ሕልና ውሻጠ ኢዩ።ሙቐት እግዚኣብሔር ጥልቀታዊ ሕልና ስለዘይግድቦ፡ብቐጥታ ኣብ ሕልና ኢዩ ጭላፋዊ ወቐስኡ ዝዝርግሕ፡ናብቶም ብፍጽምቲ ኣምልኾ ዝቐረብዎ ግን እቲ እሳታዊ ምቖቱ ብርሃን ኮይኑ ንሕልንኦም ይደግሖሞ ሕልነኦም ይበርህ።ሕልና እንተበሪሁ ድማ ስጋ ወዲ ሰብ ናብ ሓጣውእ ንኸይወጣወጥ ብብርሃን ገይሩ ይኽልሎ።ሽዑኡ "ጻድቕ ሰብ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ሸውዓተ ግዜ ከኣ ይትንስእ" ኢሉ ክዝምር ይጅምር።
ናብ እግዚኣብሔር እትቐርብ ሕልና ይሃበና።
ስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ተቐማጢ-ዲያስኮራ ወዲ ዲያስፖራ....!

"ስርሓትካ ወርቂ ብህሎኻ ሓቂ ሳላኻ ተሓሊፉ ዓጸቦ ተሰጊሩ መጻብቦ ከብድና ሓምሊ ተጸይኑ ብጡዕም ብልዒ ተዊኑ ዝዓረቐ ዝባንና ኣመስጊኑ ሳላ ሓዋላ ድኻ ተሳኢኑ ሳላኻ ተመርዒና ብጁባኻ ኮርዒና ተቐማጢ ዲያስቆራ ናይ ቆ...