በስመ ሥላሴ!!!
√ ሕንጻ ቤተክርስቲያን ንክህነጽ ኢዱ ዝዝርግሕ ትውልዲ'ዶ ዋላስ ጁቧኻ ጁቧ ግላውያን ንምኽዕባት፡ ንስኻ ዘዝቀረብካዮም መጽሓፍቲ ንኽገዝእ ዝህንደድ፧ ብምኽንያት'ቶም ተሃኒጾም ዝጸንሕዎ ቤተክርስቲያናት ብዓቢ ደስታ ንፈጣሪኡ ንምምስጋን ናብ ቤተ ፈጣሪኡ ዝግስግስ ክርስቲያንዶ፡ ወይድማ ንዝተሃንጸ ሸይጡ ወይ'ውን ኣፍሪሱ ጁቧታትካ ዝሃንጽ፡ ምእንቲ ዝናኻ ከኣ ዝነብር ሰነፍ ክርስቲያን፧
√ ዕሽር ብዘይምኽፋሉ ብሕልንኡ ዝውቀስ ክርስቲያንዶ፡ ዋላስ ነቶም ብስም ቤተክርስቲያን ተሰኒዑም ነንጽባሕ ዝፈርዩ ግላውያን ፍርያትካ ከከፊሉ ስለዘይወነኖም እናሻዕ ዝስቀቕ ናይ ግልኻ ደቀ-መዛሙር፧
√ ሓቅታት ቤተክርስቲያን ዘንበርክኾ ክርስቲያንዶ፡ ወይሲ ብኣምሱልነት ጥበራታትካ ተደሪኹ ንምብትታን ዝህንደድ ኣድመኛ ትውልዲ፧
√ እወ ሓቅኻ ኣለኻ! ቃለ-እግዚብሔር ኣይእሰርን'ዩ፡፡ ግን ከኣ ንዘይሕጋውያን ኣካላት ብሕጊ ዝኣስር'ዩ። ንቃል ኣምላኽ ክኣስሮ ዝኽእል ማንም ደፋር የለን፡፡ በንጻሩ ግን ቃል ኣምላኽ ብሕጊ ቤተክርስቲያን ዘይቅይዶ'ውን ከቶ ኣይርከብን'ዩ። ማለት ብሕጊ ቃል ኣምላኽ ክእሰር ዘይደሊ ወገን፡ ሓንቲ ኣማራጺት ጥራይ'ያ ዘላቶ፡፡ ንሳ ኸኣ፡ "ካብ ቤተክርስቲያን ክወጽእ!!" ምኽንያቱ ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ብቃል-ኪዳን ናይ ቃል ኣምላኽ ተኣሲራ ንምጽኣተ ክርስቶስ እትጽበ እንኮ ሓቀኛ መርዓት ቤተክርስቲያን ጥራይ'ያ።
√ ስለዚ ንሳ ናይ እግዚኣብሔር ወኪል ንሳውን መንፈሳዊት ቈንስል። ንሳ ሓቂ፡ ንሳ ድማ ሕጊ።
√ ሓቂ ካብኣ ይምንጩ ሕጊውን ብመንገዳ ይፍልፍል። ንሳ ሓቀኛ ብዘይከኣ ድማ ኣብዛ ዓለም ሕገ ለበስ የለን። በዚ ምኽንያት ድማ ንቤተልርስቲያን ናይ መሸፈቲኻ ጫካ ክትገብራ ኣይከኣልን፡፡ እንተገበርካያ ድማ ኢድ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌኻ ትዝርጋሕ። ኣንታ ክቡር ሓው፡ ክትሸይጥ ዲኻ ደሊኻ ናብ መሸጢ ቦታ ዘወር በል፡፡ እወ ክትሻየጥ ዲኻ ሓስቢብካ፡ ስምን ቦታን ተጋጊኻ ኣለኻ።
√ እሞ፡ ክፍልል ዝደለየ እንተሎ ናብ ቤተክርስቲያን ኣይምጻእ፡ ምኽንያቱ ቤተክርስቲያን ሕጊ እተስተምህር ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ንዘይሕጋውያን'ውን ሕጊ ከተልብስ እትጽዕት በዓልቲ ሕጊ'ያ። ናብኣ ንዝኣቱ ሽፍታ ሕጊ ተልብሶ እምበር፡ ኣብ ጎጆኣ ውሻጠ ናይ ሽፍትነት ኣይትሰርሓሉን። "ሓቀኛ'የ!" ትብለና ኣለኻ። እሞ ነቲ ንሳ ዝመሃረትካን ብናጻ ዝሃበትካን ቃላታ፡ ናብ ስጋዊ ረብሓኻ ንምውዓል፡ እልፊ መጽሓፍቲ ደደርዲርካ ብምጽሓፍ፡ ንቤተክርስቲያን "መናሃርያ ስጋዊ ጥቕማጥቕምኻ እትእክብ ናይ ግልኻ ዱንኳን!" ክትገብራ ካብ ደለኻ ደኣ፡ ኣበይ'ዩ ዘሎ እቲ ሓቅነካ፧
√ "ሓቂ ተዛረቡ፡ ሓቂ መስክሩ!" ኢልካ ትሰብኽ፡ ነቲ ንሳ ትእዝዘካ ሓቅታት ግን ሽምጠጣዊ ግብርታትካ ክጎስዮ ንርኢ ኣሎና። ቤተክርስቲያንኮ፡ "ዕሽር ክፈል" እምበር፡ ዕሽረይ ውሰድ ኣይኮነትን ትብል።እወ፡ "በረኸት ንክዀኖም ኢዶም ናብ ምጽዋት ዝዝርግሑ መእመናን ሰቢኽካ ኣፍሪ!" ኢያ ትብል'ምበር፡ "ንጁቧኻ ኢሎም ዝነብሩ ሰባት ኣጥሪ" ኣይበለትን። እረ ንሳ ብዘይትፈልጦን ብዘይኣዘዘቶን ዋኒን፡ ግን ከኣ ንስኻ ብግልኻ ብኢደ ዋኒንካ፡ ንሕዝባ "እነሆ ዝደረስክዎም ኣሽሓት ኣቕራሽ ዝዋግኦም መጽሓፍተይ፡ በጃኹም ዓድጉለይ!" ኢልካ መዋዓ-ውዒታት (reklams) ኣብ ዕዳጋታት ክትዝርግሕሲ፡ ምስ ነጋድያን ናይ ቤተጾሎት ኣይሁድ ከይትቖጸርዶ ኣየሰክፈካን፧
√ እንተኾነ ከም፡ መምህር፡ ሰባኺ፡ ቃላት ቤተክርስቲያን ዝፈልጥ ሰብ ኴንካ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ፡ ንቤተክርስቲያኖም ዕሽር፡ ምጽዋት፡ መቧእ ወዘተ ንምሃብ ኢዶም ዝዝርግሑ መእምናን ከተጥሪ'ዩ ዝግባእ። ብኡኡ ገይርካ ድማ ዘይተሃንጹ ቤተክርስቲያናት ክህነጹ፡ ቀረባት ቅዱሳን ንዋያት ዘየጥረዩ ማሕበራት ከኣ ከምዘጥርዩ ንምግባር... ክንድቲ ቤተክርስቲያን ካብ ባዶነትካ ኣበጊሳ ታተ እንዳበለት ኣብዚ ዘብጽሐትካ፡ ዝኣክል ውዕለታ ክትከፍላ ምተገበአ ነይሩ። እንተድኣ በንጻሩ ነቲ ብሕግን ስርዓትን ተመሪሓ ዝዓደለትካ ቃላተ እግዚኣብሔር ንስኻ፡ ሕጊ ኣልቦ ቀይዲ በተኽ ብምዃን "ቃል ኣምላኽ ኣይእሰርን'ዩ!" ብዝብል ዘይመሳሰል ምስምስን ጉልቧብን ገይርካ፡ ከም ሰናኦራውያን ስምካን ዝናኻን ከተጸውዕ፡ ነተን ንምምጽዋት ዝርጉሓት ዝኾና ኢድ መእመናን ድማ ናባኻ ከምዝጥምዘዛ ክትገብር ትጽዕት እንተሊኻ ግን፥ እንታይ ዝበለ ክርስቲያን'ዩ ክፈሪ ዝድለ ዘሎ፧
√ እወ፡ ልቡን-ቀልቡን፡ ሓሳቡን ጒልቦቱን ገንዘቡን ኰታ ኲልንትንኡ ንቤተክርስቲያን ኢሉ ክነብር ዝደሊ ሰብዶ፡ ዋላስ ሃሙን ቀልቡን ምስ ገንዘቡን ጥሪቱን ንዓኻ ንሸቃጢ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ እናኣሳሰየ ዝነብር ገርሂ ክርስቲያን፧
√ ስለዚ ማንም ክርስቲያን ብዘይኣፍልጦን መምርሕን ቤተክርስቲያን፡ መጻሕፍታ ይዂን ቃላታ፡ ወይ ንሳ እትውንኖም ንዋያታ ክሸይጥ ወይ ክሻየጥ ከይህቅን። ንብረታ ብዓላ ብሓላፍነታ ትሽጦ ባዓላ ኣላቶ፡፡ እምበርከ እቲ ዝሽየጥ ወይ ዝዕደግ ዘሎ ቃላት፡ ዋንነቱ ናይ ቤተክርስቲያን እንተደኣ ኰይኑስ፡ መጀመርያ ፍቓድን ኣርታዕነትን ንዓኣዶ ኣይኮነን ዝሕተት፧ ንሳ ዘይትፈልጦን ሓላፍነት ዘይትወስደሉን መጽሓፍቲ ግን፡ "እነሀለ እዚ ቃላታ'ዩ!" ኢልካ ካብኡ ሓሊፍካ'ውን ንኽትሸይጥን ክትሻየጥን ከምዘፍቀደት ኣምሲልካ፡ ነቲ መጽዊቱ በረኸተ እግዚኣብሔር ክሓፍስ ዝግበኦ መእመን፡ በረኸት ኣልቦ ዝኾነ ገንዘብ ናብ ጁቧኻ እናዘረወ ሓዲገ-መዲግ ንክኸውን ኣይትወጥጦ!!
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኃይሊ ጸረ ቤተክርስቲያን የድክመልና፡ ንዓና ድማ ኃይለ ብርታዐኡ ይለኣኸልና።
ሎቱ ስብሐት!!!
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar