ነበቡኒ በምግባርየ ኣኮ እምልሳንየ
ልዕሊ ልሳነይ ንተግባረይ ኣምበብዎ
ልዕሊ ልሳነይ ንተግባረይ ኣምበብዎ
ብስም፡ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ነቲ ኣነ ሕማቕ ኢዩ ኢለ ብሕልናይ ዘይተቐበልክዎ፡ሰባት ክፍጽምዎ ክርኢ እንከለኹ ስለዘይቅበሎም፡ግደፉ ንምንታይ ከምዚ ትገብሩ ይብሎም።ነገር ግን ምኽሪ እካ እንተሃብክዎም፡ ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ግን ቆምሲሉ ይተርፍ፡ተግሳጸይ ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ ከም ንፋስ ቀውዒ በኒኑ ይኸይድ።ስለምንታይ ይኸውን?
ለካ ነቲ ንሰባት 'ግደፉ' ኢለ ክግስጽ እንከለኹ፡ ገዛእ ርእሰይ ኣነ ብዘይፈልጦም ሕማቕ ልምድታት ተኣሲረ ምህላዋ ስለዝፈለጡ፡ነዞም ሰባት ምምካረይ እካ ሓቂ እንተኾነ፡ብሰንኪቲ ኣነ ብሕማቕ ወልፊ ተኣሲረ ምህላወይ ግን ሰባት ንምኽረይ ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን።ስለዚ እዞም ሰባት ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ሕማቕ ነገር ንኸይወጹ ቀንዲ ተሓታቲ ኣነ ምኻነይ ተረዳእኩ።
ለካ ነቲ ንሰባት 'ግደፉ' ኢለ ክግስጽ እንከለኹ፡ ገዛእ ርእሰይ ኣነ ብዘይፈልጦም ሕማቕ ልምድታት ተኣሲረ ምህላዋ ስለዝፈለጡ፡ነዞም ሰባት ምምካረይ እካ ሓቂ እንተኾነ፡ብሰንኪቲ ኣነ ብሕማቕ ወልፊ ተኣሲረ ምህላወይ ግን ሰባት ንምኽረይ ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን።ስለዚ እዞም ሰባት ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ሕማቕ ነገር ንኸይወጹ ቀንዲ ተሓታቲ ኣነ ምኻነይ ተረዳእኩ።
¶¶¶ ሓንቲ ውሽማ ዝለመደት ሰበይቲ ብናይ ሎምዘመን ቃንቃ (ዓርኪ ዘለዋ ሓያም) ነታ ንእሽቶ ጛላ" ከይትምንዝሪ፡ምዝማው ነውሪ ኢዩ፡" ኢላ እንተመዓደታ እታ ጛላ ብምኽሪ ኣዴኣ ደስተኛ እካ እንኾነት፡ኣብ ተግባር ንኸይተውዕሎ ግን ኣዴኣ ኣመንዝራ ብምኻና፥'ንባዕላ ዘይተኣርነበትሲ ከመይ ኢላ ተኣርነቢ ትብለኒ፣' ትብል።
¶¶¶ ሓደ ብሽጋራ ውሉፍ ዝኾነ ሰባኣይ ነቲ ህጻን ወዱ ሽጋራ ከይትለድ ኢሉ ይመኽሮ፡ወዱ ግን ኣይሰምዖን ኢዩ፡ስለምንታይ፧
¶¶¶ ሓንቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን እተገልግል ጋለንስተይቲ፡"ምስ ኣወዳት ብፍቕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዘመንና ምንዝርና ካብ ምዛር ተኣርነቢ፡እዚ ቅድሚ መርዓ ስለዝኾነ ዋላ ኣፍቅርዮ እምበር ስጋዎ ርክብ ይኹን ምትንኻፍ ኣይትፈጽሚ፡ ክሳብ ጉቡእ መርዓ ትፍጽሚ ዓቕሊ ግበሪ፣"ኢላ ክትምዕዳ እንከላ ነገር ግና ንባዕላ ካብ መሓዝኣ ተሓቢኣ ትፍጽሞም ካልእ ዓይነታት ብዕልግናታት እንተኣልዮማ፡ ንኣብነት ሕፍረትካ ዝተቐልዐ ኣከዳድና፡ጛለንስተይቲ ክትዛረቦ ዘይግባእ ግን ቀሊል ዝመስል፡ምስ ኣንጻር ጾታኣ ንዘለዋ ዘይክርስትያናዊ ስነግባር ክትርእየላ እንከላ፡-ነዚ እንዳረኣየት እታ ተመካሪት ንኸይትምከር መዓንቅጾ ካና።
ሰባት ካብቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ብዝያዳ ብተግባርና ዝመሓላለፍ ትምህርቲ ኢዮም ዝወስዱ።ስለዚ ኣነ ንሓደ ሽጋራ ዝተወለፈ ሰብ ሽጋራ ኣቃርጻ እንተበልክዎ፡ነገር ግን ኣነ ብወልፊ enternet (facebook) ፍሉፍ እንተኾይነ፡ምዕዶይ ናብዚ ፍቑር እግዚኣብሄር ዝኾነ ብወልፊ ሽጋራ ግን ዝተታሕዚ ሰብ ንኸይማሓላለፎ መሓንኮላ ዝኾኖ ኣነ ብenternet ውሉፍ ብምኻነይ ኢዩ።ምኽንያቱ ቅድሚ 'ንዓ ኣነን ንስኻን ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ንወለፍ' ኢለ ምምሃረይ ኣነ ካብ ግኡዛን ወልፍታት ናጻ ክኾውን ነይርኒ።ለካ እዚ ሰብ ንሽጋራ ከቃአጻ ዘይኮነስ ብሰንኪ ኣነ ብሓደ ነገር ውሉፍ ምኻነይ፡ኣብ ሽጋራ ዘለዎ ወልፍነት እናሻዕ ከምዘጋድዶ ይኾውን።
¶¶¶ ንሓንቲ እንዳዘመረት፡ብምስጋና ንኣምላኽ እንዳሸብሸበት እንከላ ማስቲካ ቆምጣዕ ቆምጣዕ እተብል እግዚኣብሄር ዘፍቅራ ጎርዞ፡"እንዳዘመርካን እንዳጸለኻን ብሓፈሻ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ማስቲካ ኣይሕየኽን ኢዩ፡" እንክብላ ንሳ ግን ንዘረባይ ከም ሓደ ቁምነገር ዘየብሉ ሸለል ኢላቶ ዝኸደት ቀንዲ ምኽንያት ኣነ ካብቲ ንሳ ብምሕያኽ ማስቲካ ተወሊፋቶ ዘላ ንላዕሊ፡ኣነ ዘይፈለጥክዎ ንሳ ግን ትፈልጠለይ ጉድ ስለዘሎ ኢዩ፡፡ብሰንኪ እቲ ምሳይ ዘሎ ባዶነት ንሳ ንኸይትእረም ምኽንያት ኮና።ንኣብነት chat ክገብር ምሉእ ለይቲ ዝሓድር ተኾይነ፡ ቀጥታ ነዛ ሓፍተይ ዝረኣያ ትምህርተይ ዘይኮነስ ጉድለተይ ኢዩ።ነዛ ጛል ስለምንታይ ምኽሩ ዘይሰማዕኪ ኢልኩም እንተሓቲትኩማ፡ንርእሱ ከምዚ ከምዚ እንዳገበረሲ ንዓይ ለባም ክኾነለይ ዝብል ትዕቢታዊ ቃል ትፍኑ።
¶¶¶ ንሓደ ኩዕሶ ከይረኣየ ድቃስ ዘይመጾ ሰብ ንዓናይባ ሎሚ ፕሮግራም ቤተክርስትያንኮ ኣሎና እንክብሎ፡ንሱ ግን ስራሕ ኣሎኒ ኢሉ ነቲ ክቡር ጉባኤ ሰራዊተ እግዚኣብሄር ምስቲ ኣህዛብ ዝእከብዎ ጉባኤ ኣወዳዲሩ ንዑኡ ነቲ ኩዕሾ ቀዳምነት ክሰርዕ ዝገበሮ፡ለካ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ጉድ ስለዝነበረ፡ብሰንኪ ጉደይ ንሱ ተዓንቀፈ።
¶¶¶ ንሓደ ወናም ሳዕሳዒ፡'ጛይላኮ ሓጥያት ኢዩ፡' ኢለ እንክምህሮ፡ንትምህርተይ እዝኒ ዘይህበሉ፡በንጻሩ ከም ሓደ ጽውጽዋይ ገይሩ ዝሓስቦ፡ለካ ንሱ ዝፈልጠለይ ካልእ ወኒ ስለዘለኒ ኢዩ።ኣነ ንባዕለይ ብኻልእ ወኒ ተኣሲረ እንዳሃለኹ፡ነቲ ወናም ደራፊ ካብ ደርፉ ክኽልክሎ እንከለኹ፡ምላልባሽ ርእሱ እንዳነቕነቐ ይቕበለኒ ይለዉን፡ልቡ ግን ነቲ ኣነ፡ ተኣሲረሉ ዘለኹ ካልእ ሕቡእ ወልፊ ብምርኣይ ትሕንሕነለይ ምህላዋ ኢዩ።ደቂ እግዚኣብሄር ንሓድሕዶም ተማዓዒዶም ኣብቲ ዝዓበየ ደረጃ ቅድስና ንኸይበጽሑ፡ሰይጣን ብጥበቡ ከምዚ ገይሩ ንደቂ ኣምላኽ ከምዘይራዳድኡ ገበረ።
ስለዚ ኣነ ዝመዓድክዎም ሰባት ናብ ቅድስና ንኸይመጹ ቀንዲ ዓጸውቲ ማዕጾ፡ጉድለተይን ኣነ ባዕለይን ኮይነ ጸናሕኩ።ኣነ መዓልታዎ ነብሰይ ብንስሓ ከይሓጸብኩ ንሰባት መዓልታዊ ተናስሑ ብምባለይ ሰባት ንቃል እግዚኣብሄር ንኸይሰምዑ ምኽምያት ኮንኩ።ቅዱስ ጳውሎስ ኣንታ ግብዝ፡ንኻልኦት ካብ ትምህርሲ ንርእስኻ ደኣ ዘይትምህር በለ።
እንታይሞ ንግበር፦
1.ኩሉ ዝወሃበና መንፈሳዊ ተግሳጽ ከም ሓደ ኮረት ኣብ ሂዎትና ነቐምጦ ኮረት ነኣሽቱ የእማን ኢዩ፡ሽዑኡ ብዝግባእ ክንንደቕ ኢና።ምኽንያቱ ክርስትያን ከም ሓንቲ እምኒ ናይ መንደቕ ኢዩ፡እታ እምኒ ብብዙሓት ደቀቕቲ ኣኣማን ዝቖመት ኢያ።ክንምዓድ እንከለና ንሕና ንስራሕ ምህላውና ኢዩ።ናይ ኩላትና ምሉኡነት ድማ እታ ህንጻ ተሃኒጻ ትፍጸም።ርእሰ ማእዝና ድማ ኣምላኽና ክርስቶስ ኢዩ።2.ሰባት ክምዕዱና እንከለዉ ዋላ ንባዕሎም ኣሸሓት ጉድለት ይሃልዎም፡ንጉድለቶም ኣይንጠምት፡ብመንጽር እቲ ተግሳጾም ንሂዎትና ምስ ቃል እግዚኣብሄር ኣተኣሳሲርና ንስኣላ።
3.ንማንም ሰብ ኣይንጽላእ፡ሰብ ሓጥእ ክኾውን ይኽእል ኢዩ።ግን ነዚ ሰብዚ ዝፈጠረ ፈጣሪኻ ምካኑ ኣይትረስዕ፡ነዚ ሰብዚ ንስሓ ዕድመ ዝውስኽ ዘሎ፡ኣፍቃሪኻ እግዚኣብሄር ምኻኑ ኣይትዘንግዕ።ንሱ ኣምላኽካ እንዳፍቀሮ ንስኻ ግን ብጸሎትካ ሞቱ ኣይትመነ።እግዚኣብሄር መርቑ እምበር ርገሙ ኣይበለን።ንሱ ዝምርቖም ዘበለ ክትምርቖም ግድነት ኢዩ።ንሱ ዘረገሞም ድማ ክትረግሞም ግድነት ኢዩ።
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ፡
ስብሀት ለቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም እመ ኩልነ፡
ስብሀት ለመስቀለ ክርስቶስ ኣምላክነ።
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar