ኣምበሳ ኣብ ዘይብሉ ዓዲ ስእሊ ኣምበሳ ርኣኹ!!
እዋን እቶእቶ ኣቢሉ ከባቢ ሰዓት 5፥00 ብናይ ኤውሮጳ ኣቆጻጽራ ኢዩ።ኣብ ገዛ ስለዝወዓልኩ ክዛወር ብምባል በይነይ ናብ ከተማ ኣምራሕኩ።ቅንያቱ jule ferie ተሂሉ ዝብዓል ተውፊታዊ በዓል ናይዚ ዓዲ ብምኻኑ፡እቲ ጎደና በታ"ኣቦታትና ኣምልኾኦም ዝገልጽሉ ዝነበረ ኢዩ፡"ኢሎም ዝምክሕሉ julu tre ተሸላሊሙ፡ከም ሓንቲ ጎርዞ ንመርዓዊ ተባሂላ እትስለሞ ሽልማት ተመላኺዑ ነበረ።ህዝብ ኖርወይ ኣብ ክርስትያንሳንድ፡"ኣቦታትና"ብዝብል ውሽጣዊ ወኒ ዘለዎ ዝመስል ጥጁእ መግለጺ ኣምልኾ ንምግላጽ፡ገረብ ንምግዛእ ላዕልን ታሕትን እንክብሉ፡ንረኣይኡ የገርም።በይነይ ኢየ ዝጎዓዝ ነይረ፡ግን ከኣ በይነይ ኣይነበርኩን።ብሕልና ዝተፈላለየ ሓሳባት እንዳሳላሰልኩ ብስራሕ እግዚኣብሄር ይግረም ነይረ።
ብርክት ዝበሉ ኣንጎሎታትን ትኽ ዝበሉ መንገድን ከይተፈለጠኒ ጠረስኩ።ኣብዚ ዓዲ tur ዝብሃል ልምዲ ስለዘሎ ዳርጋ ተኣታቲና ኢዩ።ኣብ ኤርትራ እንከለኹ ሓደ መኻይደይ ዝነበረ ወደስመራ ዓርከይ ነዚ tur ተባሂሉ ዝጽዋዕ እግሪ ጉዕዞ "ጅራ ፋልሶ" ኢሉ ይጽውዖ ነይሩ።ክንንቀሳቐስ ተደልዩ፡መኻይዲ መታን ክሞኖ፡"ጅራ ፋልሶ ዶ ንኺድ" ክብለኒ ይዝከረኒ ኢዩ።ትርጉማ እካ ኣይፈልጣን ኢየ፡ግን ምንቅስቓስ ጥራይ ንማለት ምኻኑ ይርደኣ ነይረ።ሕጂ ኣብዚ ዘለኽዎ ዓዲ ምስ መጻኹ ግን ዳርጋ ጽቡቕ በዓል ሞያ ናይ ጅራ ፋልሶ ኢየ ኮይነ መስለኒ።
ናብ ሓደ ጽምው ዝበለ ጎደና እንክኸይድ ሃንደበት፡ነዊሕ ዓመታት ዘቕጸረ እንክመስል ኣስናኑ ዝሓርቀመ ምስሊ ኣምበሳ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ረኣኹ።ብርግጽ ብዙሕ ግዜ ርእየዮ ኢየ፡ተመሲጠ ዝረኣኹሉ ግዜ ግን ሕጂ ኢዩ ነይሩ።ብሕልናይ ክሓስብ ስለዝጀመርኩ ብዛዕባኡ ተገሪመ ንነብሰይ ሓተትክዋ።
ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ቃንቃ ክንምሃር እንከለና ብዛዕባ ኣብዚ ዓዲ ዘለዉን ዘየለዉን እንስሳታት ምስ መምሃራን ተዛራሪበ ስለዝነበርኩ፡ኣብ ኖርወይ ኣምበሳ ኣብ መካነ እንስሳታት እምበር ብኣካል ብጭራስ ከምዘየለ ተሓቢረ ኢየ።ስለዚ ነቶም ነዚ ኣምበሳዚ ብቅርጺ ሓወልቲ ቀሪጾም ዝሰርሑ ሰባት ብሕልናይ ሓተትክዎም።"ኣምበሳ ኣብዚ ዓዲ ዘየለስ ከመይ ኣምበሳ ተሳእለ፧ንስኹም ኣንቱም ሰኣልቲ ምላልባሽ ብከምዚ ከማይ ብስደት፡ወይ ብካልእ ኣጋጣሚ ርኢኹሞ ትኾኑ፡እቲ ኣብዚ ዘሎ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰብሲ ኣምበሳ ከምዚ ከምዚመስል ከመይ ገይሩ ኣመነ፧ነዚ ምሳኹም ዘሎውን ድሓንስከ፣ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ዝውለድ ሰብከ ኣምበሳ ከምዚ ከምዝመስል ከመይ ክኣምን ትጽበይዎ፧ ዝብሉ ጽውጽዋያት ዝመስሉ ግን ከኣ ቀለልቲ ሕቶታት ዘይኮኑ ደራረብኩ።ንሳቶም እቶም ሰኣልቲ መጺኦም ክምልሱ ስለዘይከኣሉ ግን ዝበጽሓኹዎ ነገር ደምደምኩ
1)ወድ ሰብ ጅግንነቱን፡ውድቀቱን፡ርህራሄኡን ጭካኔኡን፡ዕሽነቱን ትኩርነቱን፡ሃብታምነቶን ነዳይነቱን ወዘተ ንምግላጽ ቃላት ስለዝሓጽርዎ፡ኣብ ከባቢኡ ንዘለዉ ነገራት ሃሰውሰው ይብል።ንኣብነት ሓንቲ ኣደ ነታ ጎርዞ ጋላ፡ምልክዕቲ ክትኮንለይ ኢኺ ንምባል"ጽሓይ ኩኑለይ" ትብላ፡እቲ ንዓኣ ክወስድ ንሕጸ ዝቀራረባ ዘሎ ወዲ ድማ" ንስኺ ንዓይ ጽሓየይ ኢኺ"ኢሉ ንጽሓይ ጽባቐ ናይታ ጎርዞ ንምግላጽ ይጥቀመላ።እታ ጽሓይ ትበሃል ዘላውን እዛ ሂዎት ዘየብላ ጽሓይ ዘይኮነትሲ ምሒር ውዳሴኣ ንምግላጹ ከምተጸገሙ ብምርዳእ ደስተኛ ኮይና ትቕበሎ።ኣቤት ውዳሴ!ኣቤት ፍጥረት!
2)ነገስታት ምድሪ ጅግምነቶም ብኣፎም ምግላጹ ስለዝጽግሞም ንእንስሳታት ይጽውዑ።ውድቀቶም ንምግላጽ ድማ ከምኡ።ንሓደ ድምጽኻ ሓፍ ኣቢልካ ኣምበሳ፡እንተ ኢልካዮ፡ተግባሩ ድማ ገይረዮ ኢየ ኢሉ ዝምከሓሉ ነገር እንተጸኒሕዎ፡በዚ ደስተኛ ኮይኑ ይቕበሎ።ኣጋጣሚ እቲ ሰብ ብጀካ ምጥሓርን፡ምግቡዕባዕን ካልእ ሰናይ ነገር ዘይጸነሖ እንተኾይኑ ድማ ኣምበሳ ንትብል ቃል ትጸርፎ ከምዘለኻ ገይሩ ኢዩ ዝርድኣ።
ዋይ ሰብ መልክዕካ ተትፈልጥ፡ሰብ ምባልካ ጥራይ ምኣኸለካ ነይሩ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ልብና ስለዝፈለጠ፡ነቶም ሰናይ ዝገብሩ ብኣባጊዕ መሲሉ ምሃረ፡ነቶም ክፍኣቶም ዘየሕፍሮም፡ድማ ብኣጣል መሰሎም።ነቶም ክፉኣት ተንኮሎኛታንውን ወኻሩ ኢሉ ጸውዖም(መሃል 2፥15)።ነቶም ደግን ጽቡቕ ፍረ ንምፍራይ ቁሩባት ዝኾኑን ድማ ብኣትክልቲ መሰሎም።ተኽልን ወኻርያን ኣይሰማምዑን ኢዮም።ምኽንያቱ ውኻርያ በላዒት ሳዕሪ ኣይኮነትን።እግዚኣብሄር ግን ኣባና ዘለዎ ፍቕርን፡ንሓጥያት ዘለዎ ጽልእን በዚ ቃንቃዚ ምዝራብ ይርድኣናን ንምግላጹ ይቀለልናን ምኻኑ ይፈልጥ ነበረ።
ናብ ኣርእስተይ ክምለስ፥-
3) ለካ እዞም ሰኣልቲ ናይዚ ኣምበሳ ኣብቲ ሽዑኡ ዝነበረ ናይ ምንቅስኻስ ሙቐት ንምግላጽን፡ነቲ ብሕጂ ዝውለድ ሰብውን ስእሉ ንምንጋርን ኢሎም ከምዘዳለዉዎ ተረዳእኩ።ኣብቲ ግዜቲ ኣለና ኢሎም ዝምክሕሉ ጅግንነት፡ወይ ሓያልነን ከምዝነበረሞ ነዚ ወለዶዚ ዜናኦም ንምሕባር ኢሎም ዘዳለዉዎ ይመስል።
3) ለካ እዞም ሰኣልቲ ናይዚ ኣምበሳ ኣብቲ ሽዑኡ ዝነበረ ናይ ምንቅስኻስ ሙቐት ንምግላጽን፡ነቲ ብሕጂ ዝውለድ ሰብውን ስእሉ ንምንጋርን ኢሎም ከምዘዳለዉዎ ተረዳእኩ።ኣብቲ ግዜቲ ኣለና ኢሎም ዝምክሕሉ ጅግንነት፡ወይ ሓያልነን ከምዝነበረሞ ነዚ ወለዶዚ ዜናኦም ንምሕባር ኢሎም ዘዳለዉዎ ይመስል።
4) እቲ ህዝቢውን ቅድም ይኹን ሕጂ ኣሜን እዚ ሓቂ ኢዩ ኢሉ ናይቲ ሽዑኡ ዝነበረ ታሪኽ በዛ ሓንቲ ምስሊ ኣምበሳ ኣምቢቡ ክርዳእ ምኻኑ ርጉጽ ኢዩ።እቲ ዝገረመኒ ግን ንሱ ኣይኮነን።ኣምበሳ ዘየለ ከመይ ገይርካ ኣምበሳ ትስእል።ኣምበሳ ዘየብላ ዓዲ ከመይ ኢሉ እቲ ህዝብ ንናይ ቀደም ወለዶ ጅግንነቱ ከምኣምበሳ ይመስል ነይሩ ኢሉ ኣመነ፧ኣምበሳ ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ ዝርከብ።እቲ ረኣዪኸ ከመይ ክርድኦ ከኣለ፧
ናይ ሰብ ድኻም ተመልከቱ።
እግዚኣብሄር ኣምበሳ ኮይኑ እንትዝግለጽ ኩሉ ሰብ ፈሪሑ ምተምበርከኸ፡ነብሪ ኮይኑ እንተዝውለድ ኣብ መስቀል ዝሰቕሎ ኣይምተረኽበን።ኣብ ኣምበሳ ኣብ ነብሪ፡ኣብ ጽሓይ ኣብ ኮኾም ዘምልኽ ዝነበረ ወድሰብ፡ከምቲ ዝደልዮ ኮይኑ ተዝግለጸሉ ፈጺሙ ብፍርሒ በድኒ ምኾነ፡ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይምተረደኦን።ንኣምላኽ ሓያልን ዘየናሕስን ጥራይ ገይሩምበር፡ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ ኣይምተረደኦን።
ናይ ሰብ ድኻም ተመልከቱ።
እግዚኣብሄር ኣምበሳ ኮይኑ እንትዝግለጽ ኩሉ ሰብ ፈሪሑ ምተምበርከኸ፡ነብሪ ኮይኑ እንተዝውለድ ኣብ መስቀል ዝሰቕሎ ኣይምተረኽበን።ኣብ ኣምበሳ ኣብ ነብሪ፡ኣብ ጽሓይ ኣብ ኮኾም ዘምልኽ ዝነበረ ወድሰብ፡ከምቲ ዝደልዮ ኮይኑ ተዝግለጸሉ ፈጺሙ ብፍርሒ በድኒ ምኾነ፡ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይምተረደኦን።ንኣምላኽ ሓያልን ዘየናሕስን ጥራይ ገይሩምበር፡ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ ኣይምተረደኦን።
እግዚኣብሄር ግን ናይ ኣምበሳ ፈጣሪ ክንሱ ምስሊ ኣምበሳ ሒዙ ክግለጽ ኣይፈተወን፡ፈጣሪ ነብሪ ክንሱ ነብሪ መሲሉ ክመጽእ ኣይፈተወን።ፈጣሪ ዳይናሶር ክንሱ ዳይናሶራዊ መልክዕ ሒዙ ኣይመጸን።ከምኡ ተትኾውንሞ፡ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ብከምኡ መለክዒ ኣይግለጽን ኢዩ ።እሞ ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ፍጹም ፍቕሪ ንምግላጽ፡ምስሊ ሰብ ሒዙ እረ ምስ ሰብ ፍጹም ተዋሃሂዱ፡ናይ ሰብ ስጋ ተዋሃሂዱ ተገልጸ።
ለካ እቲ ካብ ቅድስት ድንግል ዝተወልደ ኣምላኽ፡ንሰባት ፍጹም ፍቕሩ ንኽገልጸሎም ንዖኦም መሲሉ መጸ፡ከምዘኽበሮም እረ ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ደቂ ኣምላኽ ከምዝገበሮም ንኽገልጽ ወዲ ሰብ ኮይኑ መጸ።ሕፍርውቶም ንኽቕንጥጥ ከም ባርያ ገዛእ ርእሱ ክሳብ ኣብ መብልዒ ማል እረ ክሳብ ሲኦል ምውራድ ተኣዘዘ፡ብሓጥያት ጨንዮም፡ርኽሰት ኣብኦም ነጊሱ ነበረሞ፡ካብታ ናይ ጥንቲ ፍጥረቶም ናይ ኣዳም መልክዕ ጥዕይቲ ርኽሰት ዘየብላ ቀዳመይቲ መልክዕ ኣዳም ወሲዱ ኣብ ሕቖ ኣቦታት ሓቢእዋ ጸነሐሞ፡ስዓቱ ምስኣኸለ ፍጥረት እንድያ ኢሉ ከይፈንፈነ ብፍጹም ተዋህዶ ገንዘቡ ገበራ።ንሳ እታ ካብ ጥንታዊት ምስሊ ኣዳም ዝተረፈት ሕዋስ ጸሊም ዘይብላ፡እብርሃናዊት ንእሽቶ ናይ ባሕሪ ዑንቂ ድንግል ማርያም ኮይና ጸነሐት።
ኦ ወድ ሰብ ምስኻ ንዘየሎ ኣምበሳስ ሰኣልካዮ፡ምስኻ እረ ስጋኻን ነፍስኻን፡ንዝለበሰ ኣምላኽ ግን ካብ ልብኻ ፍሒቕካ ኣልገስካዮ።ጽባቐኻ ንምግላጽ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉ እንስሳታት ጸዋዕካ፡ካብኦም ንላዕሊ ግን ኣማኒኤል ይቐርበካ ነይሩ።ንዑኡ ኣብ ናይ ጎልጎልታ ኣደባባይ ካባኻ ኣርሒቕካ ደርበኻዮ፡ካብ ጎልጎልታ ንንዮው ርሒቖም ዝነበሩ እንስሳታት ግን ናባኻ ጸዋዕካዮም።
ኦ ኣምላኽ ዘፍቅረኩም ናይ ለባማት ሕልና ተመልከቱ።እቶም ለባማት ነቲ ኣዝዩ ዝቐረቦም፡ንሳቶም ድማ ኣዚዮም ቀረብዎ።እረ ክሳብ ንስግኦም ምእንትኡ ክሳብ ንሞት ምሃብ ፍቓደኛታት ኮኑ።"ወከዐዉ ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሄር፡ወተዐገሱ ሞተ መሪረ በእንተ መንግስተሰማያት"ተባሂሉ ተዘንተወሎም።ኣየ ሕልና ናይ ሰብ፡ኣዚኻ ንተድንቖን ግርማኖቱ ተዘንትወሉን ሰብ ፡ሓደ መዓልቲ ኣምበሳ ተቐይሩ ተዝመጻካ ኣድናቖትካ ራሕሪሓ ህድማ ጥራይ ኢያ ነይራ ስራሕካ።ኣነ በዛ ነብሰይ ብዘይቀልዓለም ከምኣ ምገበርኩ።
ኣድኒቕካዮ ዘይጽገብ፡ንመንግስቱ ማንም ዘይስዕራ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ግን፡ክንሃድምን ክንብህርርን ምኻንና ስለዝተገንዘበ፡ልዕሊ ኣምበሳ ሓይሊ እካ እንተሃለዉ፡ንዓና መታን ከበርትዕ ንድኹም ስጋና መረጸ፡ንባሕርታት ዝፈጠረ ክንሱ፡ባሕሪ ኮይኒ ተዝግለጽ ኩሉ ሰብ ክርዕድን ክሃድምን ምኻኑ ስለዝፈለጠ፡ፍቕሩ ንኽገልጽ፡ነታ ኣብ ባሕሪ ክትጥሕል እምበር፡ክትከይድ ዘይትኽእል ስጋና ለበሰሞ ኣብ ባሕሪ ብእግሩ ብኻድ ፈጣሪ ናይ ባሕሪ ምኻኑ ምሃረ።
ኣድኒቕካዮ ዘይጽገብ፡ንመንግስቱ ማንም ዘይስዕራ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ግን፡ክንሃድምን ክንብህርርን ምኻንና ስለዝተገንዘበ፡ልዕሊ ኣምበሳ ሓይሊ እካ እንተሃለዉ፡ንዓና መታን ከበርትዕ ንድኹም ስጋና መረጸ፡ንባሕርታት ዝፈጠረ ክንሱ፡ባሕሪ ኮይኒ ተዝግለጽ ኩሉ ሰብ ክርዕድን ክሃድምን ምኻኑ ስለዝፈለጠ፡ፍቕሩ ንኽገልጽ፡ነታ ኣብ ባሕሪ ክትጥሕል እምበር፡ክትከይድ ዘይትኽእል ስጋና ለበሰሞ ኣብ ባሕሪ ብእግሩ ብኻድ ፈጣሪ ናይ ባሕሪ ምኻኑ ምሃረ።
ኣየ ናይ ሰብ ኣይተረደኦን፡እንክጽግሞ ጎይታይ ኢሉ ይጭደ፡እንክጥዕሞ ድማ ናብ ፍጥረት የሻሩ። ኣንታ ሰብ፡ምስ ኣምበሳ ተጸጊዕካ ድኣሞ ኣበይ ክጥዕም፡ምስ፡jule tre ተጸጊዕካ ቅድስና ትመጽእ ተኾይናስ jule tre ትመስክር፣እዛ ገረብዚኣ እቲ ብስጋ ዝተገልጸ ፈጣሪኣ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ፡ሰባት ንምስሊ ፈጣሪ ኣብ ልቦም ጺሒፎም ካብ ውሉድ ንወለዶ ብተውፊት ይኾን ብኻልእ ከሰጋግሩ ዝግበኦም ግን ነቲ ምስሎም ዝመረጸ ኣምላኽ ምስሉ ካብ ልቦም ሓኸኽዎ።ቅዱሳን ግን ነዚ ኣምላኽዚ ኣብ ልቦም ሰኣልዎ።ናይቲ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝነበረ መንፈሳኺ ትረኻ ተዓቂቡን ክሰጋገርን ጸነሐ።ሕጂውን ናብ ኣምበሳ ዝጸጋግዑ ወኻሩ እካ እንተፈረዩ፡ኣባጊዕ ኮይኖም ስለ ኣምላኾም ክሳዶም ዝህቡ ግን ኣይክሰኣኑን ኢዮም።ትማሊ ትማሊካ፡ብዓንና ረኣና፡ብእዝንና ሰማዕና፡ምእንቲ ክርስቶስ ኣብ ናይ ሊብያ በረኻ ኣባጊዕ ንጹሃነ ኣባጊዕ ኮይኖም ዝተረኸቡ፡ንምሉእ ዓለም ኣዋጅ ኮይኑ ተዘርበ።ብሕጅውን እዛ ሃይማኖት እዚኣ ብዘይሕዋስ፡ብዘይ ብዘይምውሳኽ፡ብዘይሙግዳል፡ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ክትቅጽል እግዚኣብሄር ምሳኣ ኢዩ።ኣሜን፡ኣሜን፡ኣሜን።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክነ ኪያነ ዘፈጠረ ከመናምልኮ።
ስብሀት ለማርያም እመ ኩልነ፡ወስብሀት ለቅዱስ መስቅል ዕጸ ህይወትነ።
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar