onsdag 8. mars 2017

ሃብታም ተሃቅፈ በውስተ ህቅፋ ለነዳይ።

ሃብታም ተሃቅፈ በውስተ ህቅፋ ለነዳይ።
እቲ ሃብታም ብሕቕፊድኻ ተሓቕፈ።
ሃብታምነቱ ብኣእምሮ ደቂ ሰብ ዘይብጻሕ፡ኣብ እንዳ ድኻታት እረ ኣብ መሕደሪ እንስሳ ሓደረ።ብመግቦቱ ንዝረአን ዘይርአን ከከምዘድልዮም ዝምግብ እግዚኣብሄር፡ካብ ውሱናት ኣጥባው ጠበወ።ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ የለን ዘይብሃሎ፡ብህልውና ምሉእ በኩሉሄ ዝኾነ ረቂቕ ኣምላኽ፡ሓጺር ቁመት ጸቢብ ደረት ካብዘለዋ ካብ ዳግማዊት ሄዋን ብድንግልና ተወሊዱ ተሓቕፈ።ኣንቱም እትጽዑሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ከዕርፈኩም ኢሉ ዝጭርሕ እግዚኣብሄር፡ምስታ ብስቕታነት እትፍለጥ ድንግልን ዮውሴፍ ኣረጋውን፡ሶሌሜን ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ፡ፈራሕ ክመስል ሃደመ ተሰደደ።
እቶም ከድሕኖም ኢሉ ኣብ ዓዶም ዝመጾም፡ንሳቶም ግን ኣምላኽነት ብምምናይ ምድራዊት ንግስነቶም ከይምንጥሎም ብምፍራሕ ኣሳደድዎ።ነቲ ፈጥርነት ተመንዩ ካብ ፈጣሪ ርሒቑ ዝነበረ ኣዳም ዳግማይ ናብ ናይ ቀደም በትኡ ክመልሶ፡ብምሕረቱ ናይ ኣዳም ስጋ ለቢሱ ኣብ ዓዶም እንተተገልጸስ፡እሩቅ ብእሲ ፍጡር መሲልዎም ካብ ዓዶም ኣሳጎጉዎ።
ድንግል ንወዳ ሒዛ ስለምንታይ ተሰድደት፧
+1+ኣጋር ነቲ ብጸጋ ኣቦ ብዙሀን ተባሂሉ ዝተሰመየ ኣብርሃም፡ኣብ ሕልፊኚኡ ብምምጻእ ኣህዛባዊት ባርያ ክንሳ፡በኣብርሃም ምኽንያት ብቅድስናእካ እንተዘይኮነ ብስጋ ጥራይ 'ወደ ኣብርሃም' ተባሂሉ ኽጽዋዕ ዘለዎ ውላድ ወለደት።እስማዔል ስጋዊት ልደት ካብ ኣብርሃም መታን ክማቐል ኣዴኡ ካብታ ግብጻዊት ዓዲ ሓጥያት፡ ናብ ናይ ኣብርሃም ዓዲ ተሰደደት።ኣጋር ናብ ዓዲ ቅድስና ተሰዲዳ ካብ ኣብርሃም ውላድ ወሊዳ ደኣምበር፡ወራሲ ዝኾነ ውላድ ግን ኣይኮነን።ዘይግዘር፡ዘይእዘዝ፡ዘረባ ኣዴኡ ኣጋር እምበር ዘረባ ኣቡኡ ኣብርሃም ዘይሰምዕ ውላድ ወለደት።ኣብርሃም ፍጡር ክንሱ ነዚ ዓቢ ክብሪዚ ፡ብምቃዕ ኣህዛባውያን ክባረኹ ኣጋር መሪሓቶም መጹ።
ካብ ህዝብን ኣህዛብን ዝተረኸበት ድንግል ግን ከኣ ኣብ ሕቖ ኣዳም ኮይና ከም ዕንቂ ተብርህ ዝነበረት ድንግል ግን፡ ነቲ ንኹሉ ዝባርኽ ኣምላኽ ሒዛ ናብታ መርገምን ሓጥያትን ዝተመልኣ ግብጺ ክትባርኻ ናብ ዓዲ ኣጋር ኣምርሐት።ናይ ኣብርሃም ክብሪ ብናይ፡ ኢዮሱስ ትሕትና ተደበሰ።ኣብርሃም ክንድቲ ዝኸበሮን ቃልኪዳን ዝተዋህቦን፡ኣጋር ኣብ ሕቕፉ እካ እንተደቀሰት፡እንደገና ደኸመ ደኣምበር ንኣጋርን ንግብጽን ክባርኽ ኣይከኣለን።ኢዮሱስ ክርስቶስ ግን ክንድቲ ኣምላኻዊ በረኸቱ ኩሎም ግብጻውያን ክባረኹ ከም ኣጋር ናብ ጋል ኣብርሃም፡ናብ ድንግል ማርያም ክመጹ ዝግብኦም፡ጋል ኣብርሃም ጋል ኢሳቕ፡ጋል ያዕቆብ ዝኾነት እስራኤላዊት ቅድስት ድንግል፡ነቲ ንኹሉ ዝባርኽ ኣምላኽ ሕዚ ተምሳል ኣጋር ኮይና፡ናብ ዓዲ ኣጋር ከደት።ኣጋር ባርያን ሓጢኣት ዝተመለአት ኢያ።ቅድስት ድንግል ግን ኣዳማዊ ይኹን ውልቃዊ ሓጥያት ዘይሓለፋ ንጽህቲ ኢያ።ግብጺ ብኣጋር ጋሎም ሃገሮም ክትባረኽ ዘይከኣለት፡ዳግማዊት ኣጋር ኮይና ድንግል ማርያም ነቲ ዋና በረኸት ሒዛ ናብ ግብጺ ከደት። ኣጋር ሃገራ ከተባርኽ ኢላ ናብ ቤት ኣብርሃም ዝመጸቶ፡ብሰንኪ ድኻማን ዕሽነታን፡ንግብጺ ካልኣይ ውርደት ኣምጸትላ።ድንግል ማርያም ግን ንናይ ኣጋር ዕሽነት ክትክሕስ፡ነቲ ንኣብርሃም ዝባረኸ ፈጣሪ ናይ ኣብርሃም ሒዛ ናብ ግብጺ ከደት።( ዘፍ21፥9-21)
+2+ ደብረ ሲሓት፡ተባሂላ እትጽዋዕ ኦሪታዊት ኣምልኾ እትውንን ኤርትራ፡ነቶም ድሒሮም ዝውለዱ ደቃ ኣብ ብሉይ ጥራይ ክጽበዩ ስለዝኽእሉ፡' እቲ ብሉያዊ ኣምልኾ እናፈጸምኩም፡ብተውፊት ጸኒዕኩም ተምልኽዎን ትጽበይዎን ዝነበርኩም ኣምላኽኩም፡ግዜኡን ሰዓቱ ኣኺሉ እነሆ።' ኢላ ከተሪኦም ናብ ኤርትራ ከደት።ኣብ ኤርትራ ኣምልኾ እግዚኣብሄር ሓዱሽ ዝተጀመረ፡ብምዕራባውያን ሃገራት ወንጌት ዝተበሰረት ሃገር ዘይኮነትሲ፡ ገና ከም እስራኤል ኮይና ድሕነት ኣዳም ትጽበ ዝነበረት ናይ ሕገልቦና ዓዲ ኢያ።ኤርትራ ደኣ ንምዕራባውያን ብዛዕባ ኣምልኾተ እግዚኣብሄር ትነግሮም እምበር፡ምዕራባውያን ንኤርትራ ወንጌል ክምህርዋ ኣይክእሉን ኢዮም።እታ መወለዳ ካብ እስራኤል ዝኾነት፡ብስጋውነታ ግን እንተላይ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሰባት እትመስል፡ግን ኣዳማዊ ይኹን ተግባራዊ ሓጥያት ዘይሓለፋ ቅድስት ድንግል፡ኤርትራ ናይ ብሉይ ኪዳን ጥራይ ኮይና መታን ከይትተርፍ፡ነቶም ወንጌለ ሓዱሽ ኪዳን ክሰብኩ ክመጽዋ ዘለዎም እንበዓል ኣባ ሰላማ ከሳተ ብርሃን፡ኣቡነ ኣረጋዊ፡ኣባ ጉባ፡ትስዓቱ ቅዱሳ፡እንበዓል ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡መራሒት ኮይና ወንጌል ኮይና ወንጌል ሓዚላ ናብ ኤርትራ ብምምጻእ ፡ምድሪ ኤርትራ ብየእጋር ድንግል ማርያምን ወዳን ተባረኸ።
+3+ እዞም ሕጂ ስጋውነትን ናይዛ ዓለም ድኻምን በርቲዕዎም ንሓድህዶም ዝናኸሱ ዘለዉ ደቃ፡ስደት በርቲዕና ኢሎም መታን ከየማርሩ፡ንሳን እቲ ንዝተሰዱ ዝእክብ ወዳን ኮይኖም መምሃራን ናይ ስደት ክኾኑ ናብ ኤርትራ መጹ።ናይ ሎሚ ዘመን ስደተኛታት ህዝቢ ኣምላኽ መከራ እካ እንተሃለዎም፡መከራነቱ ግን ምስ ናይ ኢዮሱስ ክርስቶስ ዝወዳደር ስለዘየለ፡ክርስቶስ 'ኣምላኽን ፈጣርን ክንሰይ ነዛ ስጋጋ ክለብስ ምኽንያት ድሕነት ኣዳም ዝኾነት ሓብቶም ሕዘ ነዚ ኩሉ መከራ እንተተሰደድኩስ ብስደተይ ግዲ ይጸናንዑ ይኾኑ' ብምባል፡" ብጿኣን እለ ይሰደዱ በእንተ ጽድቅ፡እስመ ሎሙ ይእቲ መንግስተ ሰማያት፡ትርጉሙ= ምእንቲ ጽድቂ ኢሎም ዝስደዱ መንግስተ ሰማያት ናቶም ኢያሞ ብጿኣን ኢዮም።(ማቴ510)" ዝብል ስብከት ክድሚ ምእዋጁ፡ንኤርትራውያን መምህር ስደት ኮይኑ ክምህሮም ናብ ዓዶም መጺኡ ተሰደደ።እቶም ስጋዊ ጥቕማጥቕሚ ውሒጥዎም ዝስደዱ፡ሃገሮም ኣይኮነን ንባዕሎም ውን ክባረኹ ኣይክኣሉን፡ድንግል ማርያም ግን እቲ ዝባርኽ ኣምላኽ ምስኣ እንዳሃለወ፡ኣብ ስደታ ነቶም ተቐማጦ ኤርትራ ባረኸቶም።"ኣብዚ ቦታዚ ንወደይ ዝእዘዙ፡ንዓይ ዘኽብሩ፡ብስመይ ቤት መቕደስ ዝሃንጹ፡ብስመይ ደቆም ስም ዘሰይሙ፡ብስመይ በዓላት ዝገብሩ፡ሕሉፍ ሓሊፎም ክሳብ ሰማያት ብምብጻሕ መንግስቱ ዝወርሱ ደቂ ክህልዉኒ ኢዮም" ኢላ ዘይድምሰስ ሕላገት ኣብ ኤርትራ ገዲፋ ከደት።ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰር ናትና ኣሰር ጥራይ ኣይኮነን፡ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕላገት ምድራዊ ሕላገት ጥራይ ኣይኮነን፡ሰማያዊ ንጉስ፡ብርቀቱ፡ ብባህሪኡን ክንድዚ ይኸውን ዘይብሃሎ ኣምላኽ፡ዝረገጻ ሃገር ኢያ።ኪዱሞ ኣሰሩ ክጸንሓኪም ኢዩ።ኣሰሩ ጥራይ ኣይኮነን እንተላይ ኣሰራ፡'ኪዳነ ምህረት'፡ዝብል ኣሰር ብኪዳና ተኣምር እንዳገበረት ክትጸንሓኩም ኢያ።
+4+ ንጉስ ሰሎሞን ብጥበብነቱ ኣዝዩ ግሩም ስለዝነበረ፡ኩሎም ጠቢባን፡ንጥበብነቶም ዝዳረግ ስለዝተረኸበ፡" እስከ ክንውጥሮ ኢና፡"! ብምባል ዘለዎም ጥበብን ፍልጠትን ሒዞም ናብ እስራኤል ይመጹ ነበሩ።እንተኾነ ጥበቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዋጋ ኣይነበሮን።ሓንቲ ካብዚኦም ዝኾነት ንግስቲ ሳባ ናይ ኢትዮጲያ፡ብጥበባን፡ብድንግልናኣን እትፍለጥ ኣዝያ ልዕልቲ ስለዝነበረት፡"ንጥበብነትኪ ዝዳረግ፡ንንግስነትኪ ዝዕብልል ንጉስ ተረኺቡ ኣሎ"ስለዝበልዋ፡ተገሪማ ናብ እስራኤል ከደት።ብሃብቲ መታን ከይበልጻ፡ኣሎ ዝብሃል ሃብቲ፡ብፍልጠት መታን ከይበልጻ ኣሎ ዝብሃል ሕንቅልሕንቅሊተይን ግድላትን፡ብዝና መታን ከይበልጻ ድማ ኣሎዉ ዝበሃሎ ሰራዊት ኣኸቲላ፡እዚኹሉ ሳህራን ኣጻምእን፡ሰንጢቓ ናብቲ ብጥበብ ኣምላኽ ውሩይ ዝኾነ ንጉስ ሰሎሞን ከደት።ግን ተገሪማን ተደኒቓን ተረፈት ደኣምበር፡ንሰሎሞን ክትዕብልሎ ኣይከኣለትን። ንኣምላኹ ጥበብ ዝዓደሎ፡ኣብ ዓዳ ብሕገልቦና ተምልኾ ዝነበረ እግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።(1ነገ10፣6-9)
ዳግማዊ ሰሎሞን ክርስቶስ ግን ጥበብነቱ ምስ ሰሎሞን ዝመዛዘን ዘይኮነስ፡ንሰሎሞን ጥበብ ዝዓደለ ጥበበ ባህሪ ክንሱ፡ ጥበብ ክዕድል ነታ ዳግማዊት ንግስቲ ሳባ ዝኾነት ድንግል ማርያም ሒዙ ናብ ኢትዮጲያ ከደ።ንግስቲ ሳባ ናብ ሰለሞን ዝኸደትሉ ምኽንያት ጥበበኛ ሰብ ተረኺቡ ስለዝሰመዐት ኢያ።እንተኾነ ንንጉስ ሰሎሞን ክትስዕሮ ዘይኮነትሲ፡በንጻሩ እካድኣ ብጥበቡ ማሪኹዋ፡ድሩ እካ ወዲ ከምትቡከር ገበረ።ጥበባ ክትዕድሎን ክትምጥወሉን ዝሓሰበቶ፡ጥበብን ውላድን ተዓዲላ ናብ ዓዳ ከደት።(ማቴ12፥42)
ዳግማዊት ንግስቲ ሳባ ዝኾነት ድንግልን ንጽህትን ማርያም ግን፡ብስቕታን ብትሕትናን እትፍለጥ ክንሳ፡ነቲ ካብ ሰማያዊ ባህሪ ንዘልኣለም እናተወልደ ዝነብር ክርስቶስ፡ሓዚላ ንኢትዮጲያ ክትባርኽ ከደት።ንግስቲ ሰባ ካብ እስራኤል ንቀዳማዊ ምሊሊክ ከም ገጸ በረኸት ሒዛ ናብ ዓዳ ተመልሰት፡እዚ ጥራይ ኣኻሊ ስለዘይኮነ ግን ድግንል ማርያም ነቲ ካብ ቀዳማዊ ምሊሊክን ካብ ኣቡኡ ሰሎሙንን ዝዓቢ ክርስቶስ ሒዛ ንንግስቲ ሳባን ንኹሎም ዓልየታን ክትባርኽ ናብ ኢትዮጲያ ከደት።ኢትዮጲያ ቀዳማዊ ምሊሊክ ዝተቐበልና ኢና ኢሎም፡በዚ ካብ ሰብ ዝተወልደ ሰብ እናተመክሑ ጥራይ መታን ከይነብሩ፡ድንግል ማርያም ነቲ ንኢትዮጲያን ንኢትዮጵያውናንን ዝፈጠረ ኣምላኽ ሒዛ፡ብኡኡ መታን ክምክሑ፡ንክርስቶስ ሒዛትሎም ከደት።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!

በስመ ሥላሴ ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!  መዘና ነይሩና ካብ ኲሉና ዝወዓየ ኣኸዓየ ከይተባህለ ኣብ ካልኡ ዝዓበየ ሰማይ ከይነጐደ ከተማ ዝረኣየ ሰልዲ ዝለመደ ጥሪት ከይጓሰየ ነይሩ ዓርክና ንፉዕ በዓል ሸቐጥ መሃብን ም...