onsdag 8. mars 2017

"ንስኻኸ እንታይ ገበርካ መጺእካ፧" ሓለቃ ኣጋንንቲ ነቲ ዝለኣኮ ሰይጣን ዝሓተቶ ሕቶ

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፈታዊኹምን ጸላኢኹምን ወትሩ ኣይታኸሱን'ዮምሞ፡ንስኻትኩምከ፧
ሓደ ግዜ ሓደ ኣረመናዊ( ንክርስትና ዘይኣምን ሰብ)፡ኣብ ጣዖት የምልኽ ስለዝነበረ ወትሩ ናብ ቤት ጣዖት እናተመላለሰ ንሰይጣን ይግዛእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ከም ልማዱ ናብ ቤት ጣዖት ከደሞ፡'ቁሩብ ክድቅስ' ብምባል ኣብቲ ቤት ጣዖት ደቀሰ።ኣብ ሕልሙ ድማ፡ሰይጣን ብኣምሳል ንጉስ ኮይኑ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ረኣየ።
እቲ ሰይጣን ኮፍ ኢሉ፡ነቶም ኣገልገልቱ ዘዝገበርዎ ክጸባጸቦምን ሞሳ ክህቦምን ጀመረ።ሕልሚ ይቕጽል፡-
ሓደ ሰይጣን ናብ ቅድሚቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ እንዳሰገደ ይመጽእሞ፡እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ሰይጣን ሕቱኡ ጀመረ።" እሂ፡እንታይ እንታይ ኣፍሪኻ መጺኻ፣" መልሲ።
'ኣነ ንኽልተ ሰባት ኣባኢሰ ኣጻሊኤዮም መጺኤ።'
"ክንደይ ግዜ ወሲድልካ ነዚ ክትገብር?"
'ዳርጋ ሓንቲ ሰሙን ወሲዱለይ።'
"ንፉዕ፡ቀጽሎ ሕጂ ክልተ ሰብ ኣጻሊእኻ ኣሎኻ፡ካልእ ግዜ ድማ ብዙሓት ግበሮም።" ኢሉ ኣፋነዎ።
ካልእ ውን መጸ፡
"እሂ ንስኻኸ እንታይ ሰሪሕካ መጺኻ?"
' ወድን ጋልን ብድንግና እንዳነበሩ እንከለዉ፡ሓርከይ ኢያ፡ዓርከይ ኢዩ፡ብዝብል ምስምስ ብሓደ ደቂሶም ዝሙት ከምዝፍጽሙ ገይረዮም።ብድሕሪኡ እታ ጋል ዋላእካ ክልተ ውላድ ብዘይ ሕጊ ከምዝወልዱ እንተገነርኩ፡መርዓ ንግበር ክትብል ስለዘሸገረትኒ፡መርዓኦም ኣብ ክንዲ ብንስሓን ቁርባንን ዝኾውን፡ብጋልይላን ብዳንኬራን ገይረዮ ,ምስቲ መርዓ ድማ ጥምቀት ሓደ ውላዶም birthday 2ይ ዓመት ድማ ናይቲ ቀዳማይ ውላዶም ከምዘብዕሉን ገይረዮ፡፡ቀጺለ ንሓድሕዶም ብምጽላእ እቲኣ ካልእ ሰባኣይ ከምተእቱ፡ንሱ ድማ ካልእ ጋል ከምዘእቱ ገይረ ፈላልየዮም።' ኢሉ ጸብጻቡ ኣቕረበ።እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ሓላቓ ኣጋንንቲ ድማ፡-" ነፊዕካ፡ነዚ ኩሉ ክትገብር ክንደይ ወሲድልካ?" ክብል ሓተቶ።
'ሓሙሽተ ዓመት፡' በለ።ቀጽሎ ብዙሓት ኣሎዉ ብዝሙት ክወድቁ ዝግብኦም፡በዚ ዘመንዚ ብድንግልና ዝነብር ሰብ እካ ክንደየናይ ከይህሉ፡ ኣብዚ ምሳይ ዘሎ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ዳርጋ ዝበዝሕ ወድሰብ፡ስጋዊት ድንግልና ኣጥፊእዋ ኢዩ፡እዚድማ ከምዚ ዝበልካዮ፡ዓርከይ፡ኣፍቃሪተይ፡መሓዛይ፡ካልኤተይ፡ዝብሉ ናይ ቅብጡሮት ቃላት ብንዛሕ ኩሎም ከምዝራኸሱ ገይርናዮም ኢና።እዚኦም እንተዘይተናሲሖም፡ጭቡጥ ዝኾነ መኽሰሲ ኣሎና።ስለዝበደሉ ድማ ናትና ናይ ሲኦል ኢዮም።" ኢሉ መለሰ።
ዘረበኦም ከይወድኡ እንከለዉ ድማ ሓደ ጋኒን ጸብጻቡ ሒዙ ሕውስ በሎም። ናብቲ ኣብ ዙፋን ሓለቓ ኣጋንንቲ ከኣ ጽሑፉ ሒዙ ቀረበ።
"ንስኻኸ እንታይ ገበርካ፧" ሕቶ ቀደመ።
'ኣነ ንሓደ ኣብ ገዳም ምሉእ ዘመኑ ዘሕለፎ መኖኮስ፡ምንኩስንኡ ገዲፉ ከተማ ከምዝኸይድን፡ኣብ ዝሙት ወዲቑ ውላድ ከምዝወልድን፡ብድሕሪኡ ድማ፡መነኮስ ነይረ እንዳበለ ንብዙሓት ደናግል ደቀንስትዮ እናጠበረ ምስአን ከምዝዝሙን ገይረዮ።ብድሕሪኡ መታን ከይጥዓስ ኢለ፡ጌጋ ትምህርቲ ከምዝምህርን፡ብዙሓት ድማ ብትምህርቱ ከምዝሰሓቡን ገይረ።ኣብ መወዳእታ ድማ ንብዙሓት መናፍቓን ኣቦ ኮይኑ፡ናይ ምንፍቕና ትምህርቲ ከምዝነዝሕ ገይረዮ።ሕጂ ድማ ንስሓ ከይኣተወ እንከሎ ተሓኒቑ ንኽመውት እንዳደፋፈእክዎ ኢየ።' ኢሉ ጸብጻቡ ኣቕረበ።
" ከመይ ዝበለ ዓቢ ዓወት ሕዚካ መጻኻ! ኣብዚ ኣሎ ወግዒ፡ደሥሥስ ዝብል ስራሕ።እስከበል ነዚ ክትገብር ክንደይ ግዜ ወሲዱልካ?"
' ነዚ ክገብር ልዕሊ 20 ዓመታት ወሲዱለይ።ሕጂ ውን ገና ከይተናስሐ እንከሎ ክቕድሞ እንዳጸዓርኩ ኢየ።' በለሞ፡"በል በል በል ኪድ፡ ንሱ ክሳብ ዘይሞተ ዋላ ይናሳሕ 'ተናሲሑ ኢዩ፡ስዒሩኒ ኢዩ፡'ኢልካ ከይትሓድጎ።ንሕና ኣጋንንቲ ስራሕና ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክሳብ ዘይሞተ ክንስልኪ የብልናን ኢሉ፡ምኽሩ ለገሰሉ።
እቲ ነዚ ሕልሚዚ ዝርኢ ዝነበረ ኣረመናዊ ሰብ ካብ ድቃሱ ተበራበረሞ፡ኣዝዩ ገረሞ።ብሕልሚስ ኣጋንንቲ ፊት ንፊት ክዘራረቡ ስለዝረኣየ ኣዝዩ ፈረሐ።እዚ ሕልሚዚ ንስኻ/ ወይ ንስኺ እንተትርእይዮ፡እንታይ ምገበርኪ/ካ፧
ወገናተይ፡ወዮ ንሕና ደኣልና ንስለ ቅድስና ደቂስና እምበር፡ኣጋንንትስ ንስለውድቀትና ሓንቲ ሰከንድ ኣይድቅሱን ኢዮም።ንሕና ደኣልና ንስለ ቅድስና ሼለል በሃልቲ እምበር፡ኣጋንንትን ንስለርኽሰትና ኩሉ ግዜ ንቑሓት ኢዮም።ንሕና ክሳብ ዘይወደቕና፡በቲ ከውድቐና ኢሎም ዝፍትንዎ ዝተፈላለየ ሓጣውእ ኩሉ ግዜ እንዳፈተኑና ይነብሩ።ንዓና ምስ ኣውደቑና ድማ፡ንሕና ምኽንያት ኣውደቕቲ መታን ክንከውን ንኻልኦት ንኸነውድቕ ይደፋፍኡና።
በንጻሩ ድማ እግዚኣብሄር ቅድሚ ምውዳቕና ክንጥንቀቕ፡ድሕሪ ምውዳቕና ድማ መታን ክንትንስእ ኩሉ ግዜ ኣብ ሕልናና እናተገልጸ ናይ ንስሓ ድምጺ ኣብ ልብና ይኹሕኩሓና።
ኣስተውዕል ወገነይ፡እግዚኣብሄርን ሰይጣንን ኣገዲዶም ኣይኮኑን ኣብ መስመሮም ዘእትዉና፡ፍቓድና ተጠቒሞም ኢዮም።ሰይጣን ብፍቓድና ተጠቒሙ የውድቐና፡እግዚኣብሄር ድማ ብፍቓድና ተጠቂሙ የድሕነና።
ነዚ ጥበብ ናይ ሰይጣን ንኽነውድቕ እግዚኣብሄር መንፈሳዊ ዕጥቂ ለጊሰልና ኢዩ።ብርግጽ በዞም መንፈሳዊ ኣጽዋር እዚኦም ሰይጣን ይስንውፍ ኢዩ።(ጾም፡ጾሎት፡ስግዳን፡ንስሓ፡ቁርባን፡ምጽዋት፡ዕሽር፡ 10ቱ ትእዛዛት፡6ቱ ቃለተ ወንጌል,,,,,) ነዚኦም ብዘይምስልካይ ክንፍጽሞም እንተኺኢልና ሓይሊ ኣጋንንቲ ይልሕልሕ፡ሓይሊ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌና ይጎልሕ።ፈተነ ይበዝሕ፡ቅድንስና ድማ ኣብ ሂዎትና ብርእዮ ክግለጽ።
ብሓቂ፡ንእግዚኣብሄር ክብሪ ምስጋና፡ንሰይጣን ድማ ስዕረትን ውድቀትን ንዘላኣለም ዓለም ኣሜን።በረኸታ ረዲኤታ ናይ ወላዲተ ኣምላክ ኣይፈለየና ኣሜን።
(ምንጪ ሊቀ ሊቃውን ኣያለዉ ኣለማየህው)

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ተቐማጢ-ዲያስኮራ ወዲ ዲያስፖራ....!

"ስርሓትካ ወርቂ ብህሎኻ ሓቂ ሳላኻ ተሓሊፉ ዓጸቦ ተሰጊሩ መጻብቦ ከብድና ሓምሊ ተጸይኑ ብጡዕም ብልዒ ተዊኑ ዝዓረቐ ዝባንና ኣመስጊኑ ሳላ ሓዋላ ድኻ ተሳኢኑ ሳላኻ ተመርዒና ብጁባኻ ኮርዒና ተቐማጢ ዲያስቆራ ናይ ቆ...