በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
•ናይ ዕሸላት ኣምልኾ፡•
•ናይ ዕሸላት ኣምልኾ፡•
ዕሸል ህጻን ኢዩ።ናይዚ ኣርእስቲ ቀንዲ ዕላማ፡" ህጻንዶ የምልኽ ኢዩ፧" ኣብዝብል መዋጥር ንዝኣተወ ሕልና ንምምላስ ኢዩ።እግዚኣብሄር ድቂ ከይኮንና እንከለና እረ ፈሳሲ ኮይንና ኣብ ሕቆ ኣቦናን ኣዴናን ከለና ይፈልጠና ኢዪ።ሎም መዓልቲ፡ጥዑም ቃል እግዚኣብሄር" ሐረኩከ እምከርሰ እሙከ'፥" ብዝብል ኣርእቲ እግዚኣብሄር ብዝሃቦም ጸጋ ሓደ ድያቆን ሓውና መሃሩና።መበገሲ ዝወሰድዎ( ኤር1፥4-5) ኮይኑ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ከይሃነጽኩኻ ሓረኹኻ እንዳበሉ፡እግዚኣብሄር ኣብልዕሌና ንዘሎዎ ፍቕሪ ቁሊጭ ኣቢሎም፡ነገሩና።ንስኺ፡ንስኻ፡ንስኻትኩም ኩሉና ገና ከይተሓሰብና ከለና ንሱ ሓሰበና፡ከይመረጽናዮ እንከለና ንሱ መረጸና፡ከይፈለጥናዮ እንከለና መረጸና፡ክብርነቱ ልዕልንኡን ገና ከይፈለጥና እንከለና ንሱ ኣቕዲሙ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና።(ኤፌ1፥4 በከመ ሐረየነ ለቱ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለመ ከመ ይረስየነ ቅዱሳነ፡ወንጹሐነ ቅድሜሁ በተፋቅሮ።
ትርጉም፥- ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ክንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና።)ኣዳም፡ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓርየ፡ንስኻትኩም ኦ ዉሉደ ኣዳም ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓረኹም፣፡{ድንግል ማርያም ድማ ካብ ኩሎም ሰባት እረ ካብ ቅዱሳን ኣዝያ ዝተቐደሰት ኮይና ኣብ ሕልና ኣምላኽ ነበረት፣) ዝብል ትምህርቲ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይኮነን።ኩሉ ሰብ ኣብ ሕልና ኣምላኽ ካብ ነበረ ምኽንያት ምድሓን ንምኻን ቅድስት ድንግል ግን ብዝበለጸ ኣብ ሕልናኡ ኣቐሚጥዉ ይሕልዋ ነበረ።ተመስገን ናብ ኣርእስትና ንኽድ!።
ኣስተውዕሉ፡-
ኣብዛ ናይ ኤፌሶን መልእኽቲ 2 ነጥብታት ኣሎዋ ክስትውዓላ ዝግበአን፡ኣዳም ስለምንታይ ኢዩ ተሓርዩ!= ቅዱስን መንቅብ ዘይብሉን ኮይኑ ንኸመስግን፡መዓስከ ተሓረየ፣! ቅድሚ ምፍጥር ዓለም ተሓርየ።እንዳበለ ቅዱስ ጳውሎስ ይሰብኽ።
ነዚ ሕርየትዚ ብዝግባእ ኣርኣያ ንምኻን ኢሉ ዝጸውዖም ህጻናት፡ ብዙሓት ኣሎዉ፡ካብኦም፡ገለ ገለ ኣብነተ ጠቒሰ ክነግረኩም ኢየ።ኤርምያስ ብህጻኑ እንከሎ ንቅድስና፡ንስብከተ ትምቢትን ተጸወዐ።(ኤር1፥1--)
ኣብዚ ዕለትዚ ዝዝከር ዘሎ ቅዱስ ኣቦ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ህጻን ኮይኑ ካብ ማህጸን ኣዲኡ ምስ ወጸ፡ንስሉስ ቅዱስ ብድድ ኢሉ ኣመስገነ።ኣምልኽኡ ገለጸ፡(ስንክሳር 5 መጋቢት ተመልከት።) ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ማህጸን ኣዲኦም እንከለዉ ሓድሽ ህጻን እንከሎ ብድድ ኢሉ ንስሉስ ቅዱስ ከም መልኣኽቲ ኮይኑ ኣመስገ።(ገድሉ ተመልከት) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ውን ድንቂ ኣቦታት ተመልከት፡ቅዱስ ኣቦና ኖህ ትውልድ ምስ ኣበለ ሓድሽ ህጻን እንከሎ ሓፍ ኢሉ ብምትንሳእ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስጋን ኣምልኾን ኣቕረበ።( መጽሓፈ ሄኖክ41፥1-3) " ህጻን ኖህ ምስተወልደ የዒንቱ ቃሕ ኣበለሞ፡እታ ቤት ብምልእታ ከምጽሓይ ብብርሃን መልኣ።ካብ ኢድ እታ መሕረሲት ብድድ ኢሉ ከኣ ኣፉ ክፈተ፡ንጎይታ ጽድቂ ድማ ኣመስገነ።(ሄኖ41፥3) " ኢሉ ብዘደንቕ ቃል ይምህረና።ካብዚ ብዝበለጸ ኣገራሚ ነገር ድማ ህጻናት ኣብ ኣምላኾም ዘለዎም ኣኽብሮትን ኣምልኾን ኣርኣያ ዝኾውን ድንቂውን ክነገረኩም።
ዮውሃንስ መጥመቕ፡-እዞም ዝበልናዮም ህጻናት፡ምስተወልዱ ኢዮም ምስጋና ኣቕሪቦም፡የውሃንስ ግን ገና ከይተወልደ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ኣምልኽኡ ገለጸ።ጎይትኡ ኣብ ማህጸን ተወሲኑ፡እታ ንዑኡ ዝጸረት ኣደ ክትመጽእ ብማዕዶ መንፈሳዊ ዓይኒ ገይሩ ረኣያ፡'ሰላምምምም!" ዝብል ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡እቲ ሰላምታ ካብ እዝኒ ኣዴኡ ኤልሳቤጥ ሓሊፉ፡ናብ ማህጸና ብምሕላፍ፡ንዮውሃንስ መጥመቕ ውን ብናይ ኣብ ማህጸን ዘለዉ ህጻናት ዝዛረብዎ ቃንቃ ገይሩ ሰላም በሎ።ብርግጽ ኣብ ከብዲ ኣዴኦም ዘለዉ ህጻናት ቃንቃ ከምዘለዎም፡ንኣምላኾም ንምምላኽ ኣምልኾኦም ዝገልጽሉ ኣጋባብ ከምዘሎ ተረዳእኩ።ካብዚ ናትና ዓይነት ቃንቃ ይፍለ ኢዩ፡ግን የውሃንስ በቲ ኣምላኹ ዝሃቦ ቃንቃ ገይሩ፡እንዳተሰራሰረ ሓጎስ ኣምልኽኡ ገለጸ።(ሉቃ1፥41-) ተመልከት።
ነዚ ፈሊጡ ኢዩ ቅዱስ የውሃንስ፡-" እጽሕፍ ለኩሙ ደቂቅየ፡ እስመ ተሀድገ ለኩሙ ሓጥያትኩሙ፡በእንተ ስሙ።ትርግሙ፥- ኣንቱም ቆልዑ ነቦ ስለዝፈለጥኩሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ።"(1ይውሃ 2,፣13) ይብል። ለካ ህጻናት ኣምልኾ ኣሎዎም፡ኣምላኾም ሓርይዎም ኢዩ፡ቅድሚ ምፍጣሮም፡ቅድሚ ኣዳም ምፍጣሩ፡ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ሓርይዎም ኢዩ፡ከመይ ደኣ ዘየመስግንዎ።
( መዝ139፥16 ወዘሂ ኢገበርኩ፡ርእያ ኣዒንትከ፡
ኣዒንትኻ ድቂ ከለኹ ረኣያኒ፣" ይብል።
በረኸት ናይ ቅዱሳን ህጻናት ኣይፈለየና፡ብህጻንነቶም ጀሚሮም ክሳብ ዘመነ፡እርጋኖም ዝሰዓቡ ቅዱሳን በረኸቶም ይክፈለና።ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ቅዱሳን ህጻናት፡
ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ንሄሉ በውስተ ቅዱሳት መካናት ወናምልኮ ለዘለኣለም ዓለም ኣሜን።
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar