ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡-ንኣግርሞተይ ብምንታይ ክገልጾ ኢየ፧
ኣየ ሰብ፡ወርቂ ጥፊእኒ ኢሉ መሬት ይፍሕትር፡ገንዘብ ጠፊኡኒ ኢሉ ክደሊ ይውዕል፡ብሩር ስለዝጠፍኦ ምድሪቤቱ ንብምልኡ ክኽስትር ይርከብ፡ገዛእ ርእሱ ጠፊኡ ግን ምንም ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ የለን።ነብሲዶ ይኸብር ንብረት፧ብካልእ መዳይውን ክቡር ንብረት ወርቂ ብሩር ስለዘንጠልጠልና ንሕና ዲና ክንኮርዕ ዝግባኣና ወይሲ እቲ ሂዎት ዘይብሉ ንብረት ኣባና ኣብቶም መልክዕ ኣምላኽ ዘለና ሰባት ስለዝተንጠልጠለ ክኾርዕ ነይርዎ፧ ንሕናግን በንጻሩ ገይርናዮ።እቲ ንብረት ምስ ጠፈአ ድማ ክንድዚ ሻቒሎት!!ንብረት ጠፊኡ ክሳብ ክንድዚ ዝተሻቐለ ወድሰብ፡ነብሱ ብሓጥያት ጠፊኣ፡ካብ ማሕበረ ቅዱሳት ተነጺላ እናሃለወት ግን ንዓኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ምፍታሽ ተራ ነገር ገይሩ ሓሲብዎ!!!
ኣየ ሰብ!!

እዞም ሕጂ ትርእይዎም ዘለኾም ጨካናት ነገስታት ጭላፍ ናይቲ ኣብ ሲኦል ዘሎ ንጉስ ኢዮም።እዞም ሕጂ ዝረኣይኹም ዘለዉ ርህሩሃት ነገስታት ድማ ጭላፍ ናይቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዘሎ ንጉስ ኢዮም።ኣብ ሲኦል ሓደ ጨካን ንጉስ ጥራይ ኢዩ ዘሎ ንሱ ድያብሎስ ኢዩ፡መንግስቱ ንኸስፍሕ ሰራዊት ኣኽቲቱ እነሀለ።ሰለያ ኣሎዉዎ፡ናብ ሓጥያት ዝመርሑ ተቓናቐንቲውን ኣዕጢቑ ኣሎ።ብሕጂ ናቱ ሰራዊት ክኾውን ዝደሊ እንተሎ ድማ፡ናይዛ ዓለም ዋጋ እንዳኸፈለ ኣባለይ ክገብሮም ብምባል ኣዋጅ ኣውጁ ኣሎ።
ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ሓደ ላዋህ ንግሱ ጥራይ ኢዩ ዘሎ፡ብዙሓት ሰራዊት ድማ ኣሎዉዎ፡እቲ ካብ ውሽጦም ዝስማዕ ድምጺ ናይቲ ለዋህ ንጉስ ድምጺ ንኽእውጁ ብዙሓት ሰራዊ ኣዕጢቑ ኣሎ፡
ብማዕዶ ብፍሪኦም ኢኻ ትፈልጦም፡ክኸዱ፡ክቕመጡ፡ክኽደኑ፡ክለብሱ፡ክዛረቡ፡ትም ክብሉ፡ፍቕሮም ክገላለጹ ኮታ ቅምጥ ኢሎም ናይቲ ለዋህ ንጉስ መሲሎም ኢዮም ዝረኣዩ።
ብማዕዶ ብፍሪኦም ኢኻ ትፈልጦም፡ክኸዱ፡ክቕመጡ፡ክኽደኑ፡ክለብሱ፡ክዛረቡ፡ትም ክብሉ፡ፍቕሮም ክገላለጹ ኮታ ቅምጥ ኢሎም ናይቲ ለዋህ ንጉስ መሲሎም ኢዮም ዝረኣዩ።
ክትሪኦም ዝተማረኹ ይመስሉ፡ግን ዝማርኹ ኢዮም፡ዝተምበርከኹ ክመስሉ ይግረፉ፡ግን ሰማያዊ ስልጣን ዝተዋህቦም ዝኣስሩን ዝፈትሑን ሰብ ስልጣን ሰብ ኣኽሊል ኢዮም።ድኻታት ክመስሉ ዝስደዱ ኢዮም፡ኣብ ሰማያት ግን ንምርኣያ ዘይትጽገብ ሃገር ኣላቶም።እዞም ሰራዊት እዚኦም ነንኣሽቱ ጉጅለታት እንዳሰደዱ ናብዛ ዓለም ተላኢኾም ኣሎዉ፡ዕላምኦም ኣባላት ናይቲ ለዋህ ንግስ ኣብዛ ምድሪ ብዙሓት ሰራዊት ንከኽትቱ ኢዩ።ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዓቀይታ ኮይንካ ናይ ክርስቶስ ወታሃደር ኩን በለ። እወ ዕላማ ናይዞም ሰራዊትዚኦም ከምኣቶም ለዋሃት ሰራዊተ እግዚኣብሄር ካብዛ ምድሪ ገፊፎም ንኽከዱ ኢዩ፡ካልእ ዕላማ የብሎምን።
እሞ ወገናተይ፡እዞም ሕጂ ምስዞም ናይ ምድሪ ነገስታት እዚ ጨካን ኢዩ፡እዚባ ይሓይሽ እንክንብል ጸሓይ ዓሪባትና ዘላ፡ናይ መን ኣባል ምኻን ይሓሽ ትብሉ፡ናይዞም ኣብ ምድሪ ዘሎዉ ጭላፍዶ ወይሲ ናይቶም ክልተ ቀንዲ፡እዞም ቀንዲ ዝበልናዮም ድያብሎስን እግዚኣብሄርን ኢዮም።
ኣባላት ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይንና ንኽንነብር ዕድሜና ገና ከይጀመረ ፡ናይ መንፈሳዊ ብርጌደር ጀነራል ማዕርግ ብጥምቀት ዝሃበና ኣምላኽ ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።ብጥምቀተ ተዋህዶ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለድኩም ደሥሥሥ ይበልኩም!!!
ኣባላቱ ክትኮኑ ገና ብቕዓትኩም ከይጀመረ መሪጽኩም ኣሎሞ፡ሐራይ በልዎ።
ኣባላት ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይንና ንኽንነብር ዕድሜና ገና ከይጀመረ ፡ናይ መንፈሳዊ ብርጌደር ጀነራል ማዕርግ ብጥምቀት ዝሃበና ኣምላኽ ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።ብጥምቀተ ተዋህዶ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለድኩም ደሥሥሥ ይበልኩም!!!
ኣባላቱ ክትኮኑ ገና ብቕዓትኩም ከይጀመረ መሪጽኩም ኣሎሞ፡ሐራይ በልዎ።
ወይ ሰብ! እዚ ሕጂ ትርእይዎ ዘለኹም ሓዘን ካብ ሲኦል ተጨሊፉ ዘመጸ ሓዘን ኢዩ፡እዚ ሕጂ ትርእይዎ ዘለኹም ደስታውን ካብ ገነት ተጨሊፉ ዝመጸ ደስታ ኢዪ።ወገናተይ ኣብዚ ምድሪ ሓቀኛ ደስታን ሓቀኛ ሓዘንን የለን።ሓዘንነቱ ፈጺምካ ንምግላጹ ዘይክኣል ከቢድ ሓዘን ኣብ ሲኦል'ዩ ዝርከብ፡ደስታነቱ ንምትንታን ፈጺምካ ዘይግለጽ ደስታ ውን ኣብ ገነት ኢዩ ዘሎ።እዚ ዝረኣየና ዘሎስ ምሳሌ ኢዩ።
(ዮውሃንስ ኣፍወርቂ)ትፈልጡ ኢኹም፡ናይ እንሥሳ ሓኪም ኣሎ፡ናይ ሰብ ሓኪም ከኣ ኣሎ።ናይ መላእክት ሓኪም ግን ክሳብ ሕጂ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።ወድሰብ እዛ ሕጂ ምስ እንሥሳ እተማሳስለና ናይ ምድሪ ሂዎት ምስ ኣብቀዐት፡ከም መልኣእክት ክንከውን ኢና።ሽዑኡ ሕማም የለ፡ድኻም የለ፡ጭንቀት የለ ሓኪም ርእሲ የለ፡ሓኪን ስኒ የለ፡ሓኪም ዓይኒ የለ፡ኩሉ ግዜ ደስታ ኩሉ ግዜ ዝማሬ ኩሉ ግዜ ኣምልኾ ክኾውን ኢዩ።ናብኡ የብቅዓና እግዚኣብሄር
ሰብ ምስ ተፈጠረ ኣብ መንጎ መላእክት ዓቢ ደስታ ኮነ፡ምክንያቱ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ስለዝተፈጥረ፡ናይ እግዚኣብሄር ፎቶ ኣብ ኣዳም ተገሊጹ ስለዝተራእዮም ዓቢ ደስታ ኾነ፡ንሓድሕዶም' ከመይ ዝበለ ዘገርም ነገር ኢዩ' እንዳበሉ ክድነቑ ጀመሩ።ካብዚ ንላዕሊ ኣጸቢቖም መታን ክግረሙ ኢሉ ድማ እግዚኣብሄር ሰብ ኮነ፡እዚ ንምግላጹ ኣሸገሮም፡ናይ ኣምላኽ ፎቶ ኣብ ሰብ ስለዝተራእየ ዝግረሙ ዝነበሩ፡እቲ ዝፈልጥዎ ግዙፍ ኣካል ዘለዎ ወድ ሰብ ድማ ናይቲ ረቂቕ ኣካል ናይ እግዚኣብሄር ባህሪ ክውሃሃድ ስለዝረኣዮ፡ዓቢ ደስታ ኮነ።እግዚኣብሄር ንኣድነቖቶም እናሻዕ ደስተኛታት ንኽኮኑን፡በይኖም ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ደቂ ሰብ ክንድምንታይ ከምዝኸበሩ መታን ኽርድኦምን፡ኣምላኽ ሰብ ኮነ፡ባህሪኡ ምስ ባህሪ ሰብ ፍጹም ተዋሃሃደ፡፡ነዚ ምስጢር እዚስ ከመይ ኢልካ ይግለጽ፡ኣዝዩ እጹብ ኢዩ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር
Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar