onsdag 21. desember 2022

ቦሎቲካ በንጢጡ!

በስመ ሥላሴ

ኦይ እንታይ'ሞ ክንብል ኢና!

'ዚ ዘመን ከመይ'ቢልካ ይእመን

መምሃራን በዚሖም ተሳኢኑ መእመን

እቲ ዝምህር የጠራጥር

እቲ ዝመሃር የቀባጥር

ኣምላኽ ተሳኢኑ ደንፊዑ ጁባ

ብዘረባ ኲላ ረብሪባ

እቶም ዝዛረቡ ቅርሺ ይቅርሙ

እቶም ዝሰምዑ ግዜኦም የባኺኑ

ካን ብድፍኑ

ኴኖም ኲሎም ዘይኣምኑ ዘይእመኑ'


ኢለ ይሓስብ ነይረ ሓደ እዋን። እቲ እዋን'ቲ ጽቡቕ ገይረ ይዝክሮ'የ፡ 2009-2010 ኣብ ሱዳን'ዩ። ጽርግያታት ሸገርኣብ፡-

ብሓሽከት ቤንጠ

 በዚ ይኹንን በቲ ክንደይ ግዜ ተወጢጠ

ነዛ መርገጺ እግርኻ ትስእነላ

ካርቱም ተኸድካ ክትኮላ

ነፍሲ-ወከፍ ትርእያ መጽሓፍ ተኾልኲላ

ጓሎም ወዶም ፐስቲራ ኲላ

'ጋሻ ዓሻ' ኴንካዮም 

በኣጋ ይብለጹልካ ልብኻ 'ተሂብካዮም


ናይ ሎም እነሀ ዝገደደ

ቦሎቲካ መሲሉ መጽሓፍ ዝሸምደደ

ጅግና ክንዲ ዝኸውን ከም'ቶም ሄሮ

ኣብ ቤተ-መንግስቲ ከይገብሮ'ቲ እምባጋሮ

ጆርጅ ዋሽንግቶን ከይመስል ትብዓት ዝሓደሮ

ኣሜርካ ከይስርትሲ ንመሳኪን ይፍክር

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ይግዕር

ስርዓታ ክዳፈር

ሉተር ኮይኑና ዘመናዊ ፓስተር

እንታይ'ሞ ክንብል ኢና

ስቕ ጥዑም ከፊኡና ክንሰትር!


ከይትሰብኮ ይኾልፈካ

ከይትሓልፎ ይቕድመካ

ንናፖልዮን ከይመስሎ ነቲ ሶውራዊ ተቓላሲ

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ለውጢ ቀላሲ

ፈረንሳ እንክበሃል እቲ ዝቐደመ

ኣብ ማእከል ሰብ ብርጅዋ ለውጢ ዝፈለመ

ወሪድዎ! እንዶ ዘየለ

ከምኡ ደኣ ከመይ'ሉ ክኽእሎ!


ቦሎቲካ'ታይ ግዱ

ቤንጠ ተቐይሩ ዘረባ ሸምዲዱ

ፈጺሙ ሓንጊዱ መጺና ተሃንዲዱ

ንሕና ከኣ ልብና ንፈጣሪ ግዲ ለሚዱ

ካን እብይ ኣቢልናዮ


እምበርከ፦

ከይንስዕቦ ኣስጊእና

ከይንሰምዖ ፈጊእና

ከይንርድኦ ኣመና ዓሽዩና

ከይነስተማቕሮ ተሳኢንዎ ቃና

ከይነስተንትኖ የብሉን ልቦና

ብድብድቡ በሎቲካ 

ረኣይዎ ዕሉል ፓስተር ኴኑና


እሞ ኸኣስ

ጅግንነቱ ነንስቲ

ትብዓቱ ነቕሽሽቲ

ኣብ ቤተ-ማእሰርቲ ከይከውን

ኣብ ቤተ-ጸሎት

ኣብ ፓርላም ከይከውን

በየናይ ክእለት

በየንከ ክመጻሉ'ቲ ትብዓት

ጫካ ከይሰፍር ከመይ ክጻወር

ኣንቱም ሰባት

ግንሕዎ'ባ 

ቦሎቲካ ተቐይሩ ሽለት!


ንገርዎ'ንዶ ግዳ

ስረ እንተልይዎ'ኮ እነሆ ሜዳ

እወ በጃኹም ንገርዎ

ንቤተ-ክርስቲያን ምድዋሽ

ከምዘለዎ ዕዳ

ወረ ዕዳ ብዕድኡ ከቢድ'ዩ ዋግኡ

ንገርዎ በጃኹም ሕጂ በኣግኡ!


ኣይዶሎጂ ከይህልዎ ከምቶም ኣያታቱ

ኣቴንሳዊ ከይመስል ከምቶም ኣቦሓጎታቱ

ወይ ስፓርታዊ ይምሰል ጅግና በዓል ስረ

ዘረባ ገዲፉ ይምጻእ ናብ ትግባረ

ይዋእ ግን ቦሎቲካ ምብንጣጥ መሪጹ

ቅዱስ መሲሉስ መቕደስና ረጊጹ


ንጳጳሳት ፈለስቲ ንመን ዘየቃለለ

ካህናትት ደናግላን ደፊሩ ከይሓፈረ

ኣብ ቅድሚ ጸለይቲ ቈይሙ ተገቲሩ

ከይበቐዐ ከይተማህረ

ንዝቘርቡ ይቃወም ንኣረገውቲ ይራገም

ሰብ መስቀል ኣይብል ዛቕኖት

ክጐቶም ይደሊ በቲ ናቱ ፍኖት

ካን ቦሎቲካ በንጢጡ

ዕዉር ክንሱ ክርእየና ይደሊ ኣፍጢጡ!


መጋጥምቱ ገዲፉ ናብ'ቶም ዳዊት ዝደግሙ

ጥቕስታት ጎጥጒጡ ምሳና ገጢሙ

'ክርስትና ኣይምሰልካ ኣይዶሎጂ'

እንዶ ግዳ ደበልዎ

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ንዘየለ ኣርበጂ

'ጸሎተ-ቅዳሴ ኣቋርጽዎ'

እናኽብል'

ተሃንዲዱ እናመጸ ዝሓነተ መሲልዎ


ዘይመስሎ ግዳ ንማሕተማ ጋንዲ

ዕርቂ ዘይሰብኽ ገዲፉ ሰልዲ

ኣይዶሎጂ ከምዝጥልብ ማሕረዲ

ከም ማንዴላ ምሕያር ከምዘሎ ረሲዕዎ'ዩ ግዲ


እረ ንገርዎ

ጉዳዩ ብኢሱ መሊሱ

ስረ ገዲፉ በሎቲካ

ቆምሽቲ ለቢሱ


'ዝሸፈተ ወዲ ሓደራ'ዩ ከይንብሎ

ኣብ ማስሜድያ ተገቲሩ ይሓድሮ ክልሎ

'ሕጊ ድዩ ከርቅቕ ደልዩ' ከይንብል

ኣይትስረቕ ኣይትቕተል ንዝብል ሓይለ-ቃል

ካባና ወሲዶም

ኣማሪካን መስልቶምን መጽሓፍና'ዩ ምርኲሶም

ንሱ ግዳ ኣየናይ ኢልዎ ሕጊ

ኰይንዎ ይቕደድ ኣደብ የለ ቀይዲ

'ታይ ተሪፍዎ መስቀልና ቀሊልዎ

ንልብና ክጥሕሮ ወርዊሩ መልሓሱ

ዓዊሉ ንርእሱ መንፈስና ከዐውሎ

ግርም ይብለካ ጉዳም ፓፓጋሎ!


ኣንታ ስበኽዎ'ንዶ ግዳ!

ወይ ይእቶ ቤቱ ይጸንበር ናብ'ቶም ዝፈለሱ

ይድገም ዳዊቱ ይሓድስ መንፈሱ

ወይ ድማ ንገርዎ ሕዝብና ከምዝለበመ

ብዘይካ'ቲ ግሩህ ንሰማይ ዘይሰጎመ

'ካልእሲ ለቢሚቡ'ዩ' በልዎ ሃይማኖቱ ዘቐደመ

እምበር ምብንጣጥሲ ንፓስተር'ኳ ነይጠቐመ

ወይ ጉድ፡ ቦሎቲካ በንጢጡ!

ሎቱ ስብሐት!

ሎቱ ስብሐት!



Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...